Monday , May 13 2024

ትካል ማክዶናልድስ ተቓጺሉ

ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን፡ ኦሽትባሪ፡ ዝርከብ ዝነበረ ትካል ማክዶናልድስ ትማሊ ለይቲ ኣብ ከባቢ ሰዓት 2:00 ወጋሕታ ምሉእ ብምሉእ ከም ተቓጸለ TT ሓቢሩ።

ናብቲ ከባቢ ኣብ ዝበጻሕናሉ እዋን፡ እቲ ትካል ክድሕን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ጸኒሑና ክብል እዛዚ ዝዓበየ ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ ስቶክሆሎም፡ ቶሚ ዎልበሪ፡ ሓቢሩ። ብሰንኪ እቲ ባርዕ ዝተኸስተ ትኪ፡ ዳርጋ ኣብ መላእ ስቶክሆልም ዝተዘርገሐ ይመስል፡ ምኽንያቱ፡ በቲ ሽታ ናይቲ ትኪ ተሰናቢዶም ናባና ዝደወሉ ቁጽሪ ሰባት፡ ብጣዕሚ ብዙሕ ስለዝነበረ ብምባል ወሲኹ። ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ፡ እቲ ባርዕ፡ ናብ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ህንጻታትን መኻዚኖታትን ከይልሕም ክከላኸሉ ምሕዳሮም ውን ገሊጹ።

ትካል ማክዶናልድስ፡ ኣብ ሰዓታት ፍርቂ ለይቲ እዩ ዝዓጹ። እቲ ባርዕ ድማ ብድሕሪኡ ስለዝጀመረ፡ ኣብ ውሽጢ ዝኾነ ሰብ ኣይነበረን ክብል ቶሚ ሓቢሩ።

ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ፍጻሜ ተረኺቡ ምጽራያት የካይድ ኣሎ ክብል TT ሓቢሩ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com