Thursday , May 2 2024

ካብዝን ካብትን

መንግስቲ፡ ንካልኣይ ደረጃን ዩኒቨርሲቲን ዝወሃብ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ብዝሰፈሐ ደረጃ ክሰላሰል እዩ

ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ኣና ኤክስትረም፡ ካብ ዝቕጽል ሰኑይ 23 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ናይ ርሕቀትን ዲጂታልን ትምህርቲ ንኸስፋሕፍሕ ክሰራሓሉ እዩ ኢላ። እዚ መቐጸልታ ናይቲ መንግስቲ ኣብ ከምዚ ዝበለ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዘሎ ዕልቕልቕ ሰባት ብምንካይ፡ ለበዳ ኮሮና ንምምካት ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ እውን ገሊጻ’ላ። ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማረን፡ ኣድላይ ስጉምታት ክወስዳ እውን ጻውዒት ምቕራባ ሬድዮ ሽወደን …

Read More »

ማሕበር ሰራሕተኛታት ህንጻ፡ ስራሕ ደው ናይ ምባል ተቛውሞ ክግበር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ

ምስ ወነንቲ ኩባንያታት ክግበር ዝጸንሐ ዘተ ብምቁራጹ፡ ማሕበር ሰራሕተኛታት ህንጻ፡ ዓቢ ስራሕ ደው ናይ ምባል ተቛውሞ ክገብር ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ስራሕ ደው ናይ ምባል ተቛውሞ፡ ካብ ዕለት 27 ሕዳር ዝጅምር ኮይኑ፡ 2200 ሰራሕተኛታት ህንጻ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፡ ካብ ስረሖም ደው ክብሉ እዩም። ብመሰረት ሓበሬታ ኣቦወንበር ማሕበር ሰራሕተኛታት ህንጻ፡ ዮሃን ሊንድሆልም፡ እቲ ስራሕ ደው ናይ ምባል ተቛውሞ፡ ምስ ገበን ደው ንኽብል፡ …

Read More »

ኣብ ቤት ትምህርታት፡ ሒጃብ፡ ምኽዳን ዝኽልክል ውሳኔ፡ ብቤት ፍርዲ ተነጺጉ

ምምሕዳራት ከተማ ስኩዩርፕን ስታፋንስቶርፕን (Skurup and Staffanstorp)፡ ኣቐድም ኣቢለን፡ ኣብ ምምሕዳራተን ኣብ ዝርከባ ቤት ትምህርታት፡ ሒጃብ ተኸዲንካ ምምጻእ፡ ኩልኩል ምዃኑ ወሲነን ምንባረን ይዝከር። ቤት ፍርዲ ምምሕዳራት፡ ነዚ ውሳኔ ከጽንዖ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ሰሉስ ከምዚ ክብል ውሳኔኡ ኣመሓላሊፉ። እዘን ምምሕዳራት ከተማ፡ ኣብ ቤት ትምህርታት፡ ሒጃብ ንክኽልክላ፡ ሕጋዊ መሰል ስለዘይብለን፡ እቲ ዘመሓላለፈኦ ውሳኔ፡ ዝተነጽገ እዩ ኢሉ ከምዝወሰነ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። …

Read More »

ኣብ ትካላት H&M ድሕሪ ዝተራእየ ዓሌታዊ ምፍልላይ፡ ሚኒስተር፡ ብፍጹም ቅቡል ኣይኮነን ትብል

ኣብ ትካላት H&M፡ ዓሌታዊ ምፍልላይ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ቪድዮ ብጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ምስ ተዘርገሐ፡ ሚኒስተር ጾታዊ ማዕርነት፡ ኦሳ ሊንድሆገን፡ (ሚልዮፓርትያት) በቲ ዝረኣየቶ ብጣዕሚ ከምዝተተንከፈት ገሊጻ። ኣንጻር ዓሌታዊ ምፍልላይ ዝቐንዐ ሕጊ ኣለና፡ ኣስራሕቲ ድማ፡ ሓላፍነት ናይቲ ብኣባላቶም ኣብ ልዕሊ ዓማዊል ዝፍጸም ዓሌታዊ ምፍልላይ፡ ክስከሙ ከምዝግባእ ገሊጻ። ዝኾነት ኩባንያ፡ ዓማዊላ ዓሌታዊ ምፍልላይ እንተድኣ ኣጋጢምዎም፡ ክትቅጻዕ ከምዝግባእን ዝኾነ ዓሌታዊ ምፍልላይ ዘጋጠሞ ዓሚል ድማ ናብ …

Read More »

ጀርመን፡ ንመምርሒታት ኮሮና ኣብ ምትግባር ብምድንጓያ . . . . . መርከል ቁጠዐኣ ትገልጽ

መራሕቲ ምምሕዳራት መንግስታት ጀርመን፡ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት ዘድልዩ ተወሰኽቲ መምርሒታት ክሳብ ሕዳር 25 ክትግበሩ ዘይምዃኖም ብምሕባር፡ ቻንስለር ጀርመን ኣንግላ መርከል፡ ነቲ ውሳኔ ብትሪ ከምትቃወሞ ገሊጻ ክብል ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ። ነዚ ቫይረስ፡ መዓልታዊ፡ ምቅላስ ኣገዳሲ እዩ ክትብል፡ መርከል፡  ኣገልግሎት ዜና ሮይቴርስ ሓቢራ። ብፍላይ ኣብ ከም በርሊን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታት፡ እቲ ለበዳ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ይመጽእ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 16 November 2020

Read More »

ዓሌታዊ ምፍልላይ ኣብ ትካላት ኩባንያ (H&M)

ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ፡ ኣብ ትካላት ኩባንያ ኤች ኤም (H&M) ተቖጺሮም ዝሰርሑ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ዓማዊል ዝቐነዐ፡ ዓሌታዊ ምፍልላይ ከምዘርእዩ፡ መርበብ ሓበሬታ ኣፍቶንብላደት፡ ኣብቲ ፍሉይ መደቡ “ መደብ 200 ሰከንድ” ኣቃሊዑ። ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት H&M፡ ኣብ ዝሰርሓሉ ቦታ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ዓማዊል ዝቐነዐ፡ ዓሌታዊ ምፍልላይ ኣሎ ኢሉ ድሕሪ  ምዝራቡ፡ ብወገን ኣፍቶንብላደት፡ ምጽራይ ንኸካይድ፡ ንመደብ 200 ሰከንድ (sekunder 200)፡ እቲ ዕማም ከምዝወሃብ ጌሩ። ኣብ መጀምርያ፡ …

Read More »

ዕድል ምስ ሃደመ

ሓቐኛ ዛንታካልኣይን መወዳእታን ክፋልብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ዳዊት’ከ መን’ዩ?” ኣብ ዕላልና ዘይነበረ ሰብ ምጥቓሱ ሃንደበት ኮነኒ።“ከም’ቲ ኣቐድም ኣቢለ ዘዕለልኩኻ፣ ኣብ’ቲ ፈለማ ዘዝሰራሕክዎ ንኣደይ’የ ዘረክባ ነይረ፣ ድሓር ግና ልክዕ ከማይ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝሽቕጥ ንዓይ ብኸባቢ ሰለስተ ዓመት ዝዓብየኒ ዳዊት ዝብሃል ሰብ ይላለየልካ፣ ኣይትኣምነንን ትኸውን እቲ ወዲ ሓንሳብ ልግብ ምስ በለኒ ልክዕ ከም ማስትሺ’ዪ ለጊቡኒ፣ ዘዝሸቐጥክዎ ድማ ምስኡ ኮይነ፣ ኮካ ኮላ ፓኒኖ ጹማቕ ወዘተ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፡ ቆልዑን ወለዶምን (The Art of Parenting)

ብኣማኑኤል ሳህለ መብዛሕትኦም ቈልዑ ምስ ዓበዩ ፓይሎት፡ ሓኪም፡ መሃንድስ፡ ወትሃደር፡ ወዘተ.. ክንከውን ኢና እንደሊ እዮም ዚብሉ። ንዝኾነ ዚሓቶም ሰብ’ውን ብኸምዚ መልክዕ እዮም ዚምልሹሉ። ምስ ዓበኻ ከመይ ክትከውን (ወይ ብምንታይ ክትዝከር) ትደሊ ተባሂሎም እንተ ዚሕተቱ ግን ኪሓስቡ ምጀመሩ። እምበኣር ሓደ ቈልዓ፡ መጀመርያ ከጥርዮ ዘለዎ ሞያ፡ ንባህርያት እምበር ንጥበብ ዚምልከት ጥራይ ኪኸውን ኣይግባእን። መጀመርያ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ብሰላምን ብኽብርን ከንብሮ ዚኽእል ባህርያት …

Read More »

ቤልጄም፡ ንቅዱስ ቁርኣን፡ ኸቃጽሉ ዝወጠኑ ሕሉፋት ዴኒማርካውያን ካብ ሃገራ ሰጒጓ

ቅዱስ ቁርኣን ንኸቃጽሉ መደብ ዝነበሮም ሓሙሽተ ዴንማርካውያን፡ ከም ዝሰጐገትን ንሓደ ዓመት ዝኣክል ናብታ ሃገር ከይቅልቀሉ ከም ዝኣገደት ተፈሊጡ። ንሳቶም፡ ኣብቲ ማሕበረኮም ኣስላም ብብዝሒ ዝቕመጥሉ ኣብ ርእሲ ከተማ ብራስለስ ዝርከብ ኣከባቢ ነቲ ፍጻሜ ከካይዱ መዲቦም ዝነበሩ ክብል ቢቢሲ ሓቢሩ። ብመሰረት ገጻት ፌስ ቡክ ናይዞም ሓሙሽተ ሰባት፡ ሰዓብቲ ሕሉፍ የማናዊ ዴንማርካዊ ፖለቲከኛ፡ ራስሙስ ባሉዴን፡ ምዃኖም ከምተፈልጠን፡ መራሒኦም ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ኣብ ርእሲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com