Friday , April 26 2024

መንግስቲ፡ ንካልኣይ ደረጃን ዩኒቨርሲቲን ዝወሃብ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ብዝሰፈሐ ደረጃ ክሰላሰል እዩ

ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ኣና ኤክስትረም፡ ካብ ዝቕጽል ሰኑይ 23 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ናይ ርሕቀትን ዲጂታልን ትምህርቲ ንኸስፋሕፍሕ ክሰራሓሉ እዩ ኢላ። እዚ መቐጸልታ ናይቲ መንግስቲ ኣብ ከምዚ ዝበለ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዘሎ ዕልቕልቕ ሰባት ብምንካይ፡ ለበዳ ኮሮና ንምምካት ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ እውን ገሊጻ’ላ። ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማረን፡ ኣድላይ ስጉምታት ክወስዳ እውን ጻውዒት ምቕራባ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ኣብ ናይ ትምህርታዊ መደባት ለውጢ ምግባር፡ ንግዚኡ ተወሳኺ ቦታታት ምጥቃምን ናይ ምስትምሃር ግዜ ምንዋሕ ዝኣመውሰሉ ስጉምታት ክውሰዱ ይከኣሉ እዩም። ገለ ተመሃሮ ኣብ ናይ ንግሆ እብረ ካላኦት ድማ ኣብ ድሕሪ ቀትሪ ምግባር ውን ከም ዝከኣል ገሊጻ።

እቲ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ኣገባብ ኣመሃህራ፡ ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ዝወሃብ ትምህርቲ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ክፍልን ናይ  ርሕቀትን ሓዋዊስካ ምሃብ ውን ከም ኣማራጺ ክንሰርሓሉ እኳ እንተጸናሕና፡ ገለ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታት ግን፡ ምሉእ ብምሉእ ብናይ ርሕቕ ኣገባብ ትምህርተን ከሰላስላ እየን። ብሓባር ብምዃኑ፡ ሓላፍነት ተሰኪምና ነዚ ዝሕሰብ ዘሎ መደብ ከነተግብሮ ኢና ክትብል እታ ሚኒስተር ገሊጻ።

ካብ ዝሓለፈ ጽድያ ጽቡቕ ተመክሮ ዘዋህለላ ዩኒቨርሲታትን ኮሌጃትን እውን ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ብዝያዳ ክውስኻ ምዃነን ዝሓበረት ሚኒስተር ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ማቲልዳ ኤርንክራንስ፡ ኣብ ምቁጽጻር ለበዳ ኮሮና ሓላፍነታዊ ዝኾነ ተራ ተጻዊተን ክትብል ገሊጻ። ለበዳ ኮሮና እናኸፍአ እንተመጺኡ፡ መንግስቲ፡ ዝያዳ ስጒምቲታት ክወስድ ከምዝኽእል ዝሓበረት እታ ሚኒስተር፡ ተመሃሮ ሽወደን ጥንቃቐታት ብምውሳድ ተረኦም ክጻወቱን ሓላፍነቶም ክስከሙ ከምዝግባእ ሓቢራ።

ኣብ ሽወደን፡ ለበዳ ኮሮና እናነሃረ ስለዝመጸ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ኣባላት፡ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ከምተዓጽዋን፡ ብኩራት ተማሃሮ ድማ እናበዝሐ ምምጽኡ ይፍለጥ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ከተማ፡ ናብ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ኣገባብ፡ ይዝንብላ ምህላወን ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com