Saturday , May 4 2024

ዕድል ምስ ሃደመ

ሓቐኛ ዛንታ
ካልኣይን መወዳእታን ክፋል
ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“ዳዊት’ከ መን’ዩ?” ኣብ ዕላልና ዘይነበረ ሰብ ምጥቓሱ ሃንደበት ኮነኒ።
“ከም’ቲ ኣቐድም ኣቢለ ዘዕለልኩኻ፣ ኣብ’ቲ ፈለማ ዘዝሰራሕክዎ ንኣደይ’የ ዘረክባ ነይረ፣ ድሓር ግና ልክዕ ከማይ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝሽቕጥ ንዓይ ብኸባቢ ሰለስተ ዓመት ዝዓብየኒ ዳዊት ዝብሃል ሰብ ይላለየልካ፣ ኣይትኣምነንን ትኸውን እቲ ወዲ ሓንሳብ ልግብ ምስ በለኒ ልክዕ ከም ማስትሺ’ዪ ለጊቡኒ፣ ዘዝሸቐጥክዎ ድማ ምስኡ ኮይነ፣ ኮካ ኮላ ፓኒኖ ጹማቕ ወዘተ ክንሰትዮ ጀሚርና፣ ገዛና ዋላ ሓንቲ ዘይብሉ ኣነ ጸጽብቑ እናበላዕኩ ነብሰይ ከስብሕ ጀሚረ፣ ዘዝሰራሕናዮ ድማ ኣክንዲ ንገዛ ንነብስና ጥራይ ኮይኑ፣ ሽግር ገዛና ረሲዕና ነብሰ ፍትወት ኣብ ነብስና ኣትዩ፣ እዚ ዝመበገሲኡ ነብሰይ ንፋስ ክኣትዋ ጀሚሩ…” ሃዲኡ ከዕልለኒ ከም ዘይጸንሐ፣ ሃንደበት ገጺ ኣሲሩ ተማጣልዐ።
“ንፋስ ኣቲዋ ነብሰይ ክትብል ከለኻ…”
“ተረዲአካ!” ንዘረባይ ዕድል ከይሃበ፣ ናብ መልሲ ተቐዳደመ።
“ዳዊት ወልፊ ናይ ሽጋራ ስለ ዝነበሮ፣ ቀስ ብቐስ ንዓይ’ውን ኣብ መጻወዲኡ ኣእተወኒ፣ ገዛይ ገዲፈ ኣብ’ቲ ከባቢ ተቐሚጠን ናብ ዝሓድራ ኣውቶብሳት ኮይኑ ጉዕዞይ፣ ኣብ ዝውዓልና ውዒልና ድማ፣ ነተን ከም ገዛና እንጥቐመለን ኣውቶብሳት’ዩ ጉዕዞና፣ ኣብአን ንሓድር፣ ንጉሆ ድማ ልክዕ ዓቢ ስራሕ ከም ዘለዎ ካብኣ ንወፍር፣ በዚ ምኽንያት ዝተበገሰ ነብሰይ ንንፋስ ኣሕሊፈ ሂበያ፣ ደገ ደገ ኮይኑ ምቕማጠይ፣ ሓንሳብ መኣዝን ህይወትካ እትሕብር ኮምባስ ፋሕ እንተኢላትካ ድማ መላሲ የብላን፣ ኣነ ድማ መምለሲ ስኢነላ ነዛ ነብሰይ፣ ደገ ደገ ኮይኑ ሓዳረይ፣ ድሕሪ እዚ’ሞ እንታይ ኢኻ ክትጽበ…” መልሲካባይ ዝደለይ ክመስል ዓይኒ ዓይነይ ጠመተኒ።
“ድሕሪ’ዚ ድኣ ምምላስ ናብ ልብኻ ይጽበ…” ድልየተይ ናብ ልቡ ክምለስ ምኻኑ ብዘይ ሕብእብእ ሓበርክዎ።
“ኣይተመልሰኩን! በንጻሩ’ኳ ድኣ ገዲደ እምበር፣ መስተ ምልማድ መጺኡ ነገረት ሽዑ ክቐያየሩ ጀሚሮ፣ ምስ መስተ ምስታይ ዋሕዲ ገንዘብ ከጋጥመና ስለ ዝጀመረ ናብ ስርቒ ዓለም ተዋፊረ፣ ዳዊት ልምዲ ስለ ዝጸንሖ ጸገም ኣይነበሮን፣ ኣነ ግና ኣብ’ቲ ፈለማ’ኳ ፍርሒ ይወረኒ እንተነበረ፣ ቀስ ብቐስ ግና ከም ሞያ’የ ሒዘዮ፣ ኣውቶብስ ንኽድይቡ ካብ ዝጸቓቐጡ ሰባት፣ ገዛ ሰብ እናኣጠኻ ወዘተ ብዙሕ’ዩ እቲ ሓጥያት፣ በዚ ምኽንያት’የ ድማ ከባቢ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ንመዓልቲ የእቱ ነይረ ዝበልኩኻ…” ሕፍረት ሓዊሱ ዓይኒ ዓይነይ ጠመተኒ።
“እንታይ ቑም ነገር ትገብሩሉ ነይርኩም ማለት’ዩ?” ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ኣበየናይ መዓላ ይውዕል ከም ዝነበረ ክፈልጥ ደለኹ።
“ገንዘብ ሓራም ድኣ ኣበይ ክውዕል ደሊኻዮ?” ገጹ ኣሲሩ ብሕርቓን መለሰለይ።
“ምሸት ምሸት ኣብ ፈቖዶ ባራት ክንሰትዮ ንሓድር ነይርና፣ ንስርቒ እንተሓገዘና ብምባል ጽቡቕ ክዳውንቲ ንገዝእ ነይርና፣ እዚ ግና ኪኖ ተጸባቢቕካ ምርኣይ፣ ዋላ ሓንቲ ቑም ነገር ኣይነበሮን ኣብ ነብስና፣ ሕስረት ግና ተሰኪምናዮ ኢና…”
“ከመይ ማለት?” ዝወርዶም ዝነበረ ሕስረት ክግምት ፈተንኩ።
“ልዕሊ ዓሰርተ ግዜ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተመላሊሰ፣ ሓንሳብ ምስ ኣተኽዎ ከም ስራሕ ስለ ዝሓዝክዎ፣ ወልፊ ኮይኑኒ… ክገርመካ ሰራቒ ሰብ ዘኽብሮ ሰብ የለን፣ ንእሰር ዝበጽሓና ሰብ ከማን የለን፣ መን ክበጽሓና… በጀካ ኣደይ ንሳ ድማ ናይ ነገር ወላዲይ ኮይንዋ’ያ፣ ንሳ ጥራይ ሓንቲ መዓልቲ ወደይ ክዕረይ’ዩ፣ ይበልየሉ ይኸውን ኢላ ከም ሕሱም ተመሊሳ… ግና…” ሃንደበት ብኽልተ ምዕጉርቱ ንብዓት ጸረር ኣበለ፣ ናይ ነገር ወዲ ክዓግቶ’ኳ እንተፈተነ ምስላጥ ግና ኣበዮ፣ ኣነ’ውን ብውሽጠይ ደንገጽኩሉ።
“ናይ ኣደይ ነገር…” ሕጂ’ውን ምኽኣል ስኣነ።
“ኣጆኻ’ባ ኣማን!” ሞራሉ ከበርኾ ደለኹ።
“እንድዒ ወደይ! ኣደይ ከም ሕሱም ጸሎትን ልመናን ገይራ’ያ ናብ ንቡር ክምለስ፣ ኣነ ግና ኣይሓገዝክዋ፣ ክገርመካ ደጋጊመ ክእሰር ከለኹ፣ ሓንቲ ሰበይ ንሳ’ያ ነይራ፣ ብኣይ ዘይሙሱል መሲላ ብጓሂ ናተይ’ያ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ፣ ኣብ ቀብራ ከማን ኣይውዓልኩን…”
“ስለምንታይ?” ሞት ወላዲት ከቢድ ምኻኑ ስለ ዝኣምን ስንባደ ሓዊሰ ሓተትክዎ።
“ከም’ቲ ዝበልኩኻ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ማእሰርቲ፣ ሞት ኣደይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ’የ ነይረ፣ ዝርዛሕ ነቢዐ ግና ኣይሓገዝክዋ… ንብሰይ ኣሕሲረ ወላዲተይ ኣሕሲረ…. ከም’ቲ ዝበልኩኻ ልዕሊ ዓሰርተ ግዜ ብስርቒ ተኸሲሰ ትኣሲረ፣ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ወዲ ኣርባዓን ክልተን ዓመት ኣለኹ፣ ካብ’ዚ እቲ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ’የ ኣሕሊፈዮ፣ መንእሰያት ግዜኦም ኣብ ቁም ነገር ከሕልፍዎ ከለዉ ኣነ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ብዘይ ገለ ኣሕሊፈዮ… ዋላ ሓንቲ ከይከሰብኩ ድማ ወጺአ፣ ቅርሺ ዘይብለይ ድማ ግዜይ ኮንቱ ኣሕሊፈዮ፣ እዚ ጥራይ ግና ኣይኮነን ፈቖዶ ባራት ክዘውር ዘይሕማመይ ተሰኪመ… ከሲረ ብላሽ ኮይነ…” ንብዓቱ ሓንሲሱ ትብዕ በለ።
“ሕጂ ግና ምስ ሓንቲ ከማይ ተሰካሚት ጓል ከረን ቕድሚ ክልተ ዓመት ተመርዔ ሓዳር ኣብ ምምራሕን፣ ኣስመራ ተሰነይ እናተመላለስኩን ይነግድ ኣለኹ፣ እቲ ሓቐኛ ምንባር ድማ ኣብኡ ረኺበዮ፣ ሰብ ብስርሑን ርሃጹን ከም ዝኸብር ፈሊጠ፣ ዝረኽቦ ዘለኹ ገንዘብ ሓላል ኮይኑለይ፣ ውሑድን ብርኩትን’ዩ፣ ግና ዕድል ምስ ሃደመን ግዜ ምስ ሓለፈ እንድዩ ኮይኑ….ቀደም እንተዝኾነለይ ይብል…። ገንዘብ መዓስ ይርከብ… ኮይኑ ነገሩ…” ተስፋ ኣብ ኣዘራርብኡ ኣንበብኩ፣ ሰብ ብስራሕ ከም ዝዕወት ብግብሪ ከርእየና ዝተበገሰ ኮይኑ ድማ ተሰማዓኒ። ሰብ ወዲቑ ስለ ዝትስእ።
ተፈጸመ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com