Wednesday , May 1 2024

ኣብ ቤት ትምህርታት፡ ሒጃብ፡ ምኽዳን ዝኽልክል ውሳኔ፡ ብቤት ፍርዲ ተነጺጉ

ምምሕዳራት ከተማ ስኩዩርፕን ስታፋንስቶርፕን (Skurup and Staffanstorp)፡ ኣቐድም ኣቢለን፡ ኣብ ምምሕዳራተን ኣብ ዝርከባ ቤት ትምህርታት፡ ሒጃብ ተኸዲንካ ምምጻእ፡ ኩልኩል ምዃኑ ወሲነን ምንባረን ይዝከር። ቤት ፍርዲ ምምሕዳራት፡ ነዚ ውሳኔ ከጽንዖ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ሰሉስ ከምዚ ክብል ውሳኔኡ ኣመሓላሊፉ። እዘን ምምሕዳራት ከተማ፡ ኣብ ቤት ትምህርታት፡ ሒጃብ ንክኽልክላ፡ ሕጋዊ መሰል ስለዘይብለን፡ እቲ ዘመሓላለፈኦ ውሳኔ፡ ዝተነጽገ እዩ ኢሉ ከምዝወሰነ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ።  

ኣብ ቤት ትምህርታት፡ ሒጃብ ተኸዲንካ ምምጻእ ኩልኩል እዩ ዝብል ውሳኔ፡ ምስቲ ንመሰል ሃይማኖት ዝጣበቕ ቅዋማዊ ሕግታት ስለዘይቃዶ፡ እቲ ውሳኔ ክንጸግ ከምተኻእለ እቲ ቤት ፍርዲ ሓቢሩ።

ከምዝፍለጥ ምምሕዳር ከተማ ስታፋንስቶርፕ፡ ነተን ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዝሰሓን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻድሻይ ዝመሃራ ደቂ ኣንስትዮን ብዝምልከት፡ ሒጃብ፡ ንኸይክደና ውሳኔ ኣመሓላሊፉ ነይሩ።

መሰል ሃይማኖት ንምኽልካል፡ ሕጋዊ ደገፍ ዘድልዮ እዩ። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ድማ፡ ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ ደገፍ የለን ዝበለ፡ ላዕለዋይ ዳኛ ናይቲ ቤት ፍርዲ፡ ፒተር ክሪስትያንሰን፡ ምምሕዳራት ከተማ፡ ከምዚ ዓይነት ውሳኔ ንኽውስና፡ ሕግታት ትምህርቲ ኮነ ካልኦት ሕግታት፡ መሰል ዝህበን ኣይኮነን ኢሉ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ፓርላማ ሽወደን፡ ሒጃብ ንምኽልካል ዝቐረበ እማመ፡ ነጺግዎ ምንባሩ ይዝከር። ኮሚቴ ቅዋም ብወገኑ፡ ሕብረተሰብን ህጻናት ዝሳተፍዎም ዝተወሰኑ ንጥፈታት፡ ሒጃብ ምኽዳን ዝኽልክል እማመ ቅቡል ከምዘይኮነ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ምምሕዳር ከተማ ስታፋንስቶርፕ፡ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ እግባይ ክብል ምዃኑ ብመንገዲ ኣቦ ወንበር ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ፡ ክሪስትያን ሶኒሶን፡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com