Friday , May 17 2024

ካብዝን ካብትን

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 20 November 2020

Read More »

ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና፡ ጸላም ዓርቢ (Black Friday) ብኣግኡ ጀሚራ

ኣብ ሽወደን፡ ብስም ጸላም ዓርቢ (Black Friday) ዝፍለጥ እዋን፡ ዓመታዊ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር እትርከብ ዓርቢ ከምዝውዕል ይፍለጥ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንግዳውያን ትካላት፡ ዋጋታት ትሕዝቶአን ኣሕሲረን ዘቕርባሉ እዋን ኮይኑ ክሳብ ሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ እዩ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ግን፡ ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ገለ ንግዳውያን ትካላት፡ ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚረን ምህላወን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ወላ’ኳ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ንጽቕጥቅጥን …

Read More »

ኩባንያ ኢክያ፡ ንሰራሕተኛታቱ ናይ 14 ሽሕ ክሮነር፡ ህያብ ክህብ ወሲኑ

ዓርሞሾሽ ኩባንያ ኢክያ፡ ብምኽንያት በዓል ልደት፡ ነቶም ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ኣብ ጨንፈር Ingka ዝሰርሑ ሰራሕተኛታቱ፡ ንነፍሲ ወከፎም፡ 13 ሽሕን 780 ክሮነር ብመልክዕ ህያብ፡ ክኸፍል ከምዝወሰነ ብምሕባር፡ ጠቕላላ ድምር ክኸፍሎ ወሲኑ ዘሎ ገንዘብ ልዕሊ 1 ቢልዮን ክሮነር ክኸውን እዩ ክብል ከምዝሓበረ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ። እዚ ህያብ ዝምልከቶም ሰራሕተኛታት፡ ኣብቲ ጨንፈር ብውሑዱ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝሰርሑ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ ህያብ ምስ …

Read More »

ካብን ናብን ዮቶቦሪ ዝነበረ ናይ ባቡር ጉዕዞታት ኣቛሪጹ

ሎሚ ዕለት 20/11/2020 ካብ ሰዓት 10፡25 ናይ ንግሆ ጀሚሩ፡ ካብን ናብን ዮቶቦሪ ዝነበረ ምንቅስቓስ ባቡራት፡ ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገም፡ ከምዘቛረጸ SVT ሓቢሩ። ንምጽጋኑ ክንደይ ግዜ ከምዝወስድን፡ ናይ ባቡር ጉዕዞታት መዓስ ከምዝጅምርን ክሳብ ሕጂ ዝፍለጥ የለን ክብል ሓላፊ ርክባት ቤት ጽሕፈት መጓዓዝያ፡ ኢማኑኤል ኣልቫሬዝ፡ ሓቢሩ። ብሰንኪ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም፡ ብዙሓት ጉዕዞታት ባቡር ተሰናኺሉ ከምዘሎን ንኻልእ ግዜ ከም ዝተሰጋገረን ጽገና ድማ ይቕጽል …

Read More »

ትሑት እቶት ዘለዎም ሰባት፡ ብኮሮና ናይ ምሟት ተኽእሎኦም ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ

ማእከል ሕማማት ለበዳን ማሕበራዊ መድሃኒትን ኣብ ዘውጽኦ ናይ ቀረባ እዋን መጽናዕቲ፡  መጠን ኣታዊ ናይ ሓደ ሰብን ዝነብረሉ ቦታን ንመልከፍቲ ኮሮና ናይ ምቅላዕ ተኽእልኡ ከምዝጸልዎ ሓቢሩ። ትሑት ኣታዊታት ዘለዎም፡ ምስ ልዑል ኣታዊታት ዘለዎም ሰባት ክነጻጸሩ እንከለዉ፡  ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝልዕል፡ ናይ ምሟት ተኽእሎ ከም ዘለዎም ነቲ መጽናዕቲ ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። መጠን ኣታዊታት፡ ክሳብ ክንድዚ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ከም …

Read More »

ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዘሎ ጽቕጥቅጥ ንምፍላጥ ዝሕግዝ ሓድሽ ኣገልግሎት Google Maps ጀሚሩ

ኣብ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን፡ ዝፍጠር ጽቕጥቅጥ ንምፍላጥ፡ ሓድሽ ኣገልግሎት Google Maps ከምተፈነወ ተሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ለበዳ ኮሮና የስፋሕፋሓሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ እዚ ኣገልግሎት ምፍናዉ፡ ኣገዳስነቱ ብጣዕሚ ዝለዓለ ምዃኑ እዩ ዝንገር። እዚ ሓድሽ ኣገልግሎት፡ ኣብ ፍሉይ እዋን ካብ መንቀሊ መደበራት ብዝመዝገቦ መረዳእታታት፡ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዘሎ ኩነታት ጽቕጥቅጥ ንተገልጋሊ ሓበሬታ ዘመሓላልፍ እዩ። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ኩነታት ጽቕጥቅጥ ናይታ ክጥቀሙላ …

Read More »

መስጊድ ዮቶበሪ፡ ጻዕዳ ሓርጭ ዝሓዘ ናይ መፈራርሂ ደብዳቤ በጺሕዎ

ትማሊ ረቡዕ፡ መስጊድ ዮተበሪ፡ ጻዕዳ ሓርጭ ዝሓዘ ናይ መፈራርሂ ደብዳቤ ከም ዝተቐበለን ሰብመዚ እቲ መስጊድ ድማ ተቐላጢፎም ንፖሊስ ከምዝሓበሩ ተፈሊጡ። እቲ መልእኽቲ ብዕሉግ ቃላትን ምፍርራህን ከም ዝነበሮ ዝሓበረ ናይቲ መስጊድ ገጻት ፌይስቡክ፡ ዋላኳ ምፍርራህ ዘለዎም መልእኽቲታት ክንቅበል እዚ ፋልማይና እንተዘይኮነ፡ ብልሓቱ ዘይተፈልጠ ሓርጭ ዝሓዘ ተመሳሳሊመልእኽቲ ናብ ካልኦት መሳጊድ ስለዝተላእከ ሓደገኛ ክገብሮ ይኽእል እዩ ይብሉ። ፖሊስ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝግባእ ሓበሬታ …

Read More »

ሕብረተ ሰብ ሽወደን፡ ኣብ ኣኽራርነትን ምፍልላይን ከይኣቱ፡ Säpo፡ ኣጠንቂቑ

ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ መጠን ብዝሒ ኣኽራርነት ከይውስኽ፡ ሓላፊ ጸጥታ ሽወደን (Säpo)፡ ክላስ ፍሪቤሪ ገሊጹ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ብዙሓት ሃገራትን ውልቀሰባትን፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ዘስዓቦ ቁጠባዊ ሃስያ፡ ተጽልዮም ምህላዎምን ይፍለጥ። ጎኑ ጎኑ ድማ መጠን ሕሉፍ የማናዊ ኣተሓሳስባን ኣኽራርነትን እንዳ በዝሑ ይመጹ ምህላዎም፡ ፍሪቤሪ፡ ምስ ጉጅለ ምክልኻል ሽወደን (Saab) ኣብ ዘካየዶ ርክብ ገሊጹ። ብሰንኪ ለበዳ …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ሓደ ካብ ሃብታማት ዓለምና ዝኾነ ሰብ፡ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፉ

ሓደ ካብ ሃብታማት ዓለምናን መስራቲ ኩባንያ ተስላ፡ ኢሎን ማስክ፡ ናብ ሽወደን ኣብ ዝበጻሓሉ እዋን፡ ብቫይረስ ኮሮና ከምተለኽፈ ሓቢሩ። እዚ ኣሜሪካዊ ሃብታም፡ ብናይ ውልቂ ነፋሪቱ፡ ኣብ መጀምርያ ናይ ወርሒ ሕዳር ናብ ሶርምላንድ ከምዝመጸ መርበብ ሓበሬታ SVT ገሊጹ። ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሓን፡ ማስክ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ስካቭስታ ድሕሪ ምውራዱ ቀጺሉ ናብ ኢስክሊስቱናን ኣብ ፍሉይ ጽምብል ንምስታፍ ድማ ናብ ኣደራሽ Stora Sundby ኣትዩ ከምዝነበርን …

Read More »

ዓዲ እንግሊዝ፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት፡ ብበንዚንን ናፍታን ዝንቀሳቐሳ መካይን ኣይክህልዋን እየን ትብል

ኣብ ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብዘን ዝመጻ ዘሎዋ ዓሰርተ ዓመታት፡  ብበንዚንን ናፍታን ዝንቀሳቐሳ መካይን ሙሉእ ብሙሉእ ካብ መስመራት ክእለያ ዘኽእል ሃገራዊ መደብ ከምዝተሓንጸጸ መንግስቲ እታ ሃገር ኣዉጁ፣ ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እዚ መደብ ኣካል ናይቲ ምሕላዉ ከባቢ ዝተባህለ ፖሊሲ እታ ሃገር ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com