Friday , May 17 2024

ካብዝን ካብትን

ቤልጄም፡ ንቅዱስ ቁርኣን፡ ኸቃጽሉ ዝወጠኑ ሕሉፋት ዴኒማርካውያን ካብ ሃገራ ሰጒጓ

ቅዱስ ቁርኣን ንኸቃጽሉ መደብ ዝነበሮም ሓሙሽተ ዴንማርካውያን፡ ከም ዝሰጐገትን ንሓደ ዓመት ዝኣክል ናብታ ሃገር ከይቅልቀሉ ከም ዝኣገደት ተፈሊጡ። ንሳቶም፡ ኣብቲ ማሕበረኮም ኣስላም ብብዝሒ ዝቕመጥሉ ኣብ ርእሲ ከተማ ብራስለስ ዝርከብ ኣከባቢ ነቲ ፍጻሜ ከካይዱ መዲቦም ዝነበሩ ክብል ቢቢሲ ሓቢሩ። ብመሰረት ገጻት ፌስ ቡክ ናይዞም ሓሙሽተ ሰባት፡ ሰዓብቲ ሕሉፍ የማናዊ ዴንማርካዊ ፖለቲከኛ፡ ራስሙስ ባሉዴን፡ ምዃኖም ከምተፈልጠን፡ መራሒኦም ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ኣብ ርእሲ …

Read More »

ኣብ ሓውሲ ከተማታት ዝርከቡ ሓደስቲ ስደተኛታት፡ ናብ ዕዳጋታት ሽቕለት ቀልጢፎም ይጽንበሩ

ካብ በዓልመዚ ስታቲስቲክስ ዝተረኽቡ ኣሃዛት ከም ዘመልክትዎ፡ ካብቶም ኣብ ዓመተ 2015 ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ሰባት እቶም ዝበዝሑ ኣብ ሓውሲ ከተማታት ሸወደን፡ ስራሕ ከም ዝረኸቡ ኣመልኪቶም። ኣብ ሓውሲ ከተማታት ተባሂለን ዝምደባ ከባቢታት ሽወደን፡ ዝነብሩ ስደተኛታት፡ ዝያዳ ናይ ስራሕ ዕድል ምርካቦምን ብፍላይ ድማ ኣብ ከም በዓል ሆቴላትን ቤት ምግብታትን ዝኣመሰላ ጽላታት፡ ዝያዳ ስራሕ ምርካቦም ድማ ተገሊጹ። 42 ስደተኛታት፡ ተጠቀምቲ ናይዚ ዕድል ምዃኖምን፡ …

Read More »

ብዝሒ ናይ ካልእ ሃገር መቦቆል ዘለዎም ኣባላት ቦርድ ዳይረክተራት መንግስታዊ በዓል መዚታት፡ ትሑት እዩ ተባሂሉ

ሽወደናዊ መጽሔት ፓብሊክት ከም ዘመልከቶ፡ ትሕቲ 5% ካብቶም ኣብ ቀንዲ 30 ዓበይቲ ትካላት መንግስቲ ዝሰርሑ ኣባላት ቦርዱ ዝኾኑ ሰባት፡ ናይ ካልእ ሃገር መበቆል ዘለዎም እዮም ተባሂሉ። ብመሰረት ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን፡ ናይ ካልእ ሃገር መበቆል ዘለዎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ 21% ከም ዝበጽሕ ሓቢሩ። ብመሰረት መግለጺ ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን፡  ናይ ካልእ ሃገር መበቆል ዘለዎ ማለት፡ እቲ ሰብ ኣብ ወጻኢ ዝተወልደ ወይ ወለዱ ካብ …

Read More »

ሰለስተ ሰረቕቲ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ህንጻ ብምኹዓት፡ 6.5 ሚልዮን ዩሮ ይሰርቁ

ናብ ቤት ጽሕፈት ጉምሩኽ ብምስባር 6.5 ሚልዮን ዩሮ (ማለት 7.6 ሚልዮን ዶላር) ዝሰረቑ ሰባት ኣብ ምድላይ ተዋፊሮም ምህላዎም ጀርመናውያን መርመርቲ ሓቢሮም። እዚ ምስባር ብሰብ ሞያ ዝተፈጸመን ብዙሕ መጽናዕቲ ዝተገብረሉን ብስነ ስርዓት ዝተወጠነን ምዃኑ፡ ፖሊስ፡ ኣመልኪቶም ኣለዉ። ነዚ ገበን ዝፈጸሙ ዛጊት መንነቶም ዘየተፈለጡ ዝበሎም ሰለስተ ሰረቕቲ፡ ካብ ሓንቲ ኣብ ጎሮቤት ዘላ ገዛ መኹዓቲ ተጠቂሞም ናብታ ገንዘብ ተቐሚጥዋ ዝነበረት ኣብ ትሕቲ መሬት …

Read More »

ሓደ ሽወደናዊ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ልዕሊ ሁዋዊ ተበይኑ ዝጸንሐ እገዳ ጨረታ 5G ኣልዒሉ

ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ኣብ ልዕሊ ቻይናዊ ኩባንያ  ሁዋዊ፡ ተበይኑ ዝጸንሐ እገዳ ጨረታ 5G ከምዘልዓሎ ተፈሊጡ። ኩባንያ ሁዋዊ፡ ኣብ ልዕሊ ሽወደናዊ በዓልመዚ ፖስታን መራኸቢታትን ብዘቕረቦ ክሲ መሰረት፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ርእዩ፡ ኣብዚ ውሳኔ ከምዝበጽሐ ተፈሊጡ። በዓል መዚ ፖስታን መራኸቢታትን ሽወደን፡ ንኩባንያ ሁዋዊ፡ ኣብ ጸሊም ዝርዝር (ሊስታ) የእትይዎ ምንባሩ ይዝከር። ክሳብ ዝቕጽል ውሳነ ዝስዕብ፡ ገለ ክፋላት ናይቲ እገዳ፡ ክለዓሉ …

Read More »

ሓድሽ መልክዕ ዝሓዘ መንበሪ ፍቓድ ወረቐት (ካርድ) (uppe­hålls­till­stånds­kort) ተሰሪሑ

ኣብ ሽወደን ንኽነብሩ ዝተፈቕደሎም ሰባት፡  መንበሪ ፍቓድ ወረቐት ከምዝወሃቦም ይፍለጥ። ኣብ ቀጻሊ፡ መንበሪ ፍቓድ ወረቐት (ካርድ)፡ ኣብ ትወሃበሉ እዋን፡ ፍልይ ዝበለ ሓድሽ ካርድ ክኸውን እዩ። እዚ ብመምዘኒታት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝተሰርሐ ካርድ፡ ንኽትምየን፡ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ እዩ ዝሕበር። ብተወሳኺ ድማ፡ ዜጋታት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ሓደ ዓይነት መልክዕ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ወረቐት ንኽህልዎም ዝዓለመ እዩ። ቅድሚ 01 ታሕሳስ 2020 ዝወጸ (ዝተረከብካዮ) መንበሪ ፍቓድ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 11 11 2020

Read More »

ኩነታት ውግእ ሕድሕድ ኢትዮጵያ

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ዕድመ ኣቑጺሩ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ፡ እንዳተጋደደ ብምምጽኡ፡ ናብ ዝላዓለ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ክሰጋገር ዘሎዎ ተኽሎ ዓቢ ከምዝኾነን፡ ድሮ ነዚ ዘረጋግጽ ክስተት ይረአይ ምህላዉ፡ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ። ብሰንኪ ኣብ መንጎ ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ፡ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ቀረባ ግዜ ብምርጫ፡ ምሕደራ ዝተረከበ ዞባዊ መንግስቲ ትግራይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ፡ ድሮ ብዙሓት ወታሃደራት መንግስቲ ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ …

Read More »

ብጥሩፍነት ዝተጠርጠረት እስላማዊት ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ክትዕጾ ተወሲኑ

ኣብ ያቭለ እትርከብ፡ ካብ መባእታ ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ እትምህርት እስላማዊት ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ኒያ ካስተት (Nya Kastet) ካብ መጀመርታ ዓመተ 2021፡ ስራሓ ከትቋርጽን ክትዕጾ ምዃናን ተቖጻጻሪት ቤት ትምህርታት ወሲና ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። እዚ ዝተወስደ ውሳኔ፡ ብሰንኪ ርክብ ናይዛ ቤት ትምህርቲ ምስ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ዘለዎም ወገናት ምዃኑን፡ እቶም ተማሃሮ ድማ ንሓደጋ ተቓሊዕም ምህላዎምን እዩ ተባሂሉ። ሚኒትስተር ትምህርቲ ሽወደን፡ ኣና …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 09 11 2020

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com