Friday , May 17 2024

ካብዝን ካብትን

መንግስቲ ሽወደን ንብሕታውያን ዝኾና ሃይማኖታውያን ቤት ትምህርታት ክዓጹ መደብ ይገብር

ንሃይማኖታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝዋሃብ ካብ ምትካል እግሪ ስጋብ መካየዲ ተባሂሉ ብመንግስቲ ዝግበር ደገፍ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ምዃኑ መንግስቲ ከምዝወሰነ ሓቢሩ። ዝተፈላልዩ ትካላት መንግስቲ ሽወደን እኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ኣብያተ ትምህርቲ ቆልዑ ኣብ ኣተሃናንጸኦም፣ ብፍላይ ከኣ ገለ ገለ ጉጅለታት ንሃይማኖታዊ ኣኽራርነት ይጥቀምሉ ኣሎዉ ዝብል መረረ እንዳዓበየ ምስምምጽኡ ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ጸብጻባት ኣመልኪቶም።

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ንቅልውላው ሃገረ ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ተበግሶ ይወስድ

ኣብቲ ንመበል ሻድሽይ ማዓልቲ ኣቑጺሩ ዘሎ ዉግእ ሕድሕድ ኢትዮጵያዉያን ተኸቲሉ ፈጢርዎ ዘሎ ከቢድ ዞባዊ ስግኣት ንምፍታሕ፡ ሃገረ ሽወደን፡ ምስ ኩሎም ወገናት ክትዘራረብ ከም ትደልን፣ ነዚ ድሌት ዘማልእ ብመገዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኣምባሳደር ሽወደን ትሰርሕ ከምዘላ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ኣን ሊንደ ገሊጻ። ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ዞባዊ መንግስቲ ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ዉግእ ይቕጽል ከምዘሎን፣ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቀኛ ሓበሬታ …

Read More »

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ከይወሰኸ ቀንዩ

ኣብ ሽወደን ዘሎ ቁጽሪ ደለይቲ ስራሕ፡ ብዙሕ ለውጢ ከይገበረ፡ ኣብ ዘለዎ ደዉ ኢሉ ምህላዉ፡ ሎሚ ንግሆ፡ ዝተፈነወ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ዋላ’ኳ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 12 ሽሕ ዝኣኽሉ ሓደሽቲ ደለይቲ ስራሕ ኣብ መላእ ሃገር እንተተመዝገቡ፡ እቲ  ብሃገር ደረጃ ተመዝጊቡ ዘሎ  ቁጽሪ ደለይቲ ስራሕ ማለት  456 ሽሕ ከምዘይቀየሮ ካብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝወጸ ሰሙናዊ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ ኣሎ።  ብዘይካ እዚ፡ ቁጽሪ መንሰያት ደለይቲ …

Read More »

ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት፡ ኣብ ናእሽቱ መዓስከራት ክውዝዑ ከምዝግባእ፡ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ገበናት ጸዊዑ

ኣብ ሽወደን ንሓተቲ ዑቕባ ተባሂሉ ዝተመደበ ናይ ሓባር መንበሪ ቦታታት፡ ዝፍጸሙ  ጎነጻዊ ባእስታትን ካብኡ ሓሊፉ ዓበይቲ ሁከትን ዕግርግርን፣ ቀንዲ ጠንቆም፡ ብሰንኪ ዘሎ ጽበት መንበርን ዝፈጥሮም ንኣሽቱ ግርጭታት ምዃኖም፣ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ገበን ሽወደን ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ናብ ፖሊስ ካብ ዝመጹ 600 ዝኣኽሉ ጎነጻዊ ገበናት፡ ቀንዲ መበገሲኦም፡ ኣብ ናይ ሓባር መንበሪኦም ዘጋጥሙ …

Read More »

ዕድል ምስ ሃደመ

ሓቐኛ ዛንታቐዳማይ ክፋልብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ኣብ ዓለም ብስራሕ ዝርከብ ክብሪ’ዩ ሰብ ዝገብረካ፣ ኪኖ እቲ ብሕብረተሰብ ክብሪ ዝህበካ መንገዲ ምኻድ ግና መወዳእትኡ ከም’ዚ ናተይ’ዩ…” ርእሱ እናሓኸኸ ንኽብሪ ስራሕ ከብርሃለይ ፈተነ። ኣብ ዓለም ብዘይ ስራሕ ክብሪ ከም ዘይርከብ ሽዑ እዋን ዝተሰዎጦ ይመስል። ‘ነታ ስራሕ’ዩ ክብሪ’ እትብል ልምድቲ ኣዘራርባ ሕብረተሰብና ድማ ካብ መፈለምትኡ ደጋጊሙ ኣድመጻ።ኣብ ሓደ መዛናግዒ ማእከል ኢና ብወዝቢ ተራኺብና፣ ምስ ስነ ጥበበኛ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም: ብኣማኒኤል ሳህለ : ጽሑፍን መልእኽቱን (The Evolution of Writing)

ብ ኣማኑኤል ሳህለ ወድሰብ ዘረባ ምስ ተማህረ፡ ነዊሕ ጸኒሑ ኪጽሕፍ ጀመረ። ዕላማኡ ድማ ነቶም ብዘረባ ዘይርድኡ ተግሳጽ’ውን ዘይስቈሮም ሰባት ነባሪ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ነበረ። ዘረባ ሓላፊ፡ ቀለም ተራፊ። ብፍላይ ኣባላት ቤተመንግስትን ቤተክህነትን ነቲ ልኡላውን ኣምላኻውን ዝኾነ ትእዛዛቶምን ሕግታቶምን ኣብ ጽሑፍ ከንብሩዎ ግድን ነበረ። በቲ ዘይሃፍፍ ጽሑፍ ገይሮም ግዴታኻን ግቡእካን ወትሩ የዘክሩኻ ኣለዉ ማለት እዩ። ገለ መንግስታውን ቤተክህነታውን ምስጢራት ከኣ ካብ ብቓል …

Read More »

Användbara svenska fraser & meningar Del 2 ንዝርርብ ዝሕግዙና ምሉኣት ሓሳባትን ሓረጋትን ቋንቋ ሽወድን ካልኣይ ክፋል

Read More »

መልሲ መበል 45 ሰሙን ሕቶታት ክልሰ ሓሳባዊ መምርሒ መኪና

Read More »

ኩባንያ ቮልቮ፡ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ናይ ጽዕነት መካይን ንምፍራይ ይምድብ

ሽወደናዊ ኩባንያ ቮልቮ (AB Volvo)፡ ሓደስቲ ዝዓይነተን ብኤሌክትሪክ ዝስርሓ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ዝርከብ ፋብሪክኡ ምፍራይ ክጅምር ምዃኑን እዚ ድማ ናይ ስራሕ ዕድላት ክኸፍት ከምዝኽእል ተገምጊሙ ኣሎ። ኩባንያ ቮልቮ፡ ነዘን ካብ ዞባ ናብ ዞባ ክጓዓዛ ዝኽእላ ናይ ጽዕነት መካይን ከፍሪ ምጅማሩን እዘን መካይን ድማ ሓንሳብ ብኤሌክትሪክ ምስ ተመልኣ፡ ክሳብ 300 ኪሎ ሜትሮ ክጓዓዛ ከምዝኽእላ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ …

Read More »

መንግስቲ፡ ወለዲ ህጻናት ንዝፍጽምዎ ናይ ምትላል መስርሕ ንምግታእ ድሌት ከምዘለዎ ሓቢሩ

ደቆም ከይሓመሙ፡ ደቅና ሓሚሞም ብምባል፡ ደቆም ንኽናብዩ ዕረፍቲ ዝወስዱ ወለዲ (VAB)፡ ንዝፍጽምዎ ናይ ምትላል መስርሕ ብኸመይ ኣገባብ ንምቁጽጻሩ ንምጽናዕ፡ መንግስቲ፡ ወግዓዊ መርመራ ከምዝጀመረን ንህሉው መስርሕ ካሕሳ ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዕረፍታት ዝምልከት ድማ ምሕዳስ ከምዘድልዮም ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። ወለዲ ንዝሓመሙ ደቆም ንኽኣልዩ ዘኽእል መሰል ቅድሚ 40 ዓመታት ካብ ዝውሰን ኣትሒዙ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ሂወት፡ ብዙሕ ለውጢታት ተፈጢሮም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com