Monday , April 29 2024

ዕድል ምስ ሃደመ

ሓቐኛ ዛንታ
ቐዳማይ ክፋል
ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“ኣብ ዓለም ብስራሕ ዝርከብ ክብሪ’ዩ ሰብ ዝገብረካ፣ ኪኖ እቲ ብሕብረተሰብ ክብሪ ዝህበካ መንገዲ ምኻድ ግና መወዳእትኡ ከም’ዚ ናተይ’ዩ…” ርእሱ እናሓኸኸ ንኽብሪ ስራሕ ከብርሃለይ ፈተነ። ኣብ ዓለም ብዘይ ስራሕ ክብሪ ከም ዘይርከብ ሽዑ እዋን ዝተሰዎጦ ይመስል። ‘ነታ ስራሕ’ዩ ክብሪ’ እትብል ልምድቲ ኣዘራርባ ሕብረተሰብና ድማ ካብ መፈለምትኡ ደጋጊሙ ኣድመጻ።
ኣብ ሓደ መዛናግዒ ማእከል ኢና ብወዝቢ ተራኺብና፣ ምስ ስነ ጥበበኛ መሳርሕተይ ኮፍ ኢለ እናዋጋዕኩ ከለኹ’ዩ፣ ምውቕ ሰላምታ ለጊሱ ዝተላለየና፣ ግዜ ከይሃበ ድማ ምሳይ ከዕልል ከም ዝደሊ ፍቓደይ ዝሓተተ፣ ኣነ ብወገነይ ብዘየዋላውል መንገዲ ስለ ዝተቐበልክዎ፣ ንጽባሒቱ ብቖጸራ ተፈላሊና፣ ተራኺብና ድማ።
ኣብ’ታ ብሕት ኢልና ከነዕልለላ ዝተቛጸርናያ ካፌ ሰዓታት ስራሕን ቕድሚ ቐትሪን ብምንባሩ፣ ዋሕዲ ሰብ ብምንባሩ ሃዲእና ከነዕልል ኣኽኢሉና’ዩ። ንእስነት’ዚ መልቐሊኡ ኣብ ሓደ እኹል ሰብ ክትርእዮ ዘይትብህግ ተካል ዕብዳን’የ ኣብ ዛንትእ ኣስተማቒረ፣ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝድይድ ሕማቕ ኣካይዳ….።
“ስለምንታይ ኮፍ ኣቢለ ህድእ ኢለ ከዕልለካ ወሲነ መስለካ?” ጌና ወግዑ ከይጀመረ፣ ብሓውሲ ሕቶ ዓይኒ ዓይነይ ጠመተኒ።
“እንድዒ!” ስለምንታይ ከዕልለኒ ከም ዝመረጸ ኣነ’ውን ስለ ዘይተረድኣኒ፣ ከረድኣኒ ደለኹ።
“ሓደ ሕማቕ ልምዲ ጽቡቕ ይመስለካ ትለምዶ’ሞ፣ ኣብ መወዳእታ ግና ክብርኻን ነብስኻን ለኪሙ’ዩ ዝኸይድ፣ ኣነ ድማ ናይ’ዚ ኣብነት’የ፣ ንኽብሪ ስራሕ ኪኖ ሓጹር ደርብየ፣ ነብሰይ ዘመራሳሕኩ’የ፣ ናይ ሕማቕ ኣብነት ድማ ጽቡቕ ይወልድ ይኸውን፣ ናተይ ግና ሕውስውስ ዝበለ ዛንታ’ዩ ዘለኒ፣ ነዚ መጨበጢ ዘይነበሮ ሕሉፈይ ድማ፣ ሰብ ክፈልጦ ኣነ ድማ ክናሳሓሉ፣ መንእሰያት ድማ ከም’ዚ ከም ዘሎ ፈሊጦም ክምሃሩሉ’የ ደልየ ዘዕልለካ ዘለኸ፣ ኣብ ዓለም ኣበር ዘይብሉ ሰብ የለን፣ ግና እንታይ ዓይነት ኣበር ወይ ጌጋ’ዩ ሓደ ሰብ ዝፍጽም ግና ወሳኒ’ዩ፣ ናተይ ኣበር ባዕለይ ዘምጻኽዎን፣ ምጥፍኡ ዝኣበየንን’ዩ፣ ኣብ ሕጂ ድማ ሳዕቤኑ ኣብ ዝባነይ ይጽሂ ኣሎ…”
“ከመይ ኣበር ድዩ ነይርካ?” ናብ’ቲ ክብሎ ዝደሊ ዝነበረ መሰረታዊ ነጥቢ ክመርሖ ስለ ዝደለኹ፣ ንዕላሉ ኮሊፈ ኣብ ሓሳበይ ከርዕሞ ደለኹ።
“ናይ ትህኪት መንፈሰይ ካብ ፈለማ ምሳይ ዝተወልደ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ፣ ስራሕ ጥቕሙን ረብሕኡን ንዓይ ኣይንታየይን’ዩ፣ ግና ዳርጋ ኣብ መዓልቲ ከባቢ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ናቕፋ ይረክብ ነይረ…”
“እእ!” ስንብድ ኢለ መለስክሉ። “ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኣብ መዓልቲ ትኽፈል እንኔርካ ድኣ፣ ካብ’ዚ ዝዓቢ ክፍሊትን ስራሕን ድኣ እንታይ ደሊኻ?” ትሃዋኽ ሓዊሰ መብርሂ ክህበኒ ተወከስክዎ።
“እህ!” ብግርህነተይ ግዲ መዝሚዙ ሃሳስ ፍሽኽታ መጠወለይ።
“ወረይ እቲ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ንመዓልቲ ዝብለካ ዘለኹስ፣ ሓንሳብ ሓንሳብ’ሲ ልዕሊኡ’ዩ…” ጌና ብዛዕባ ስርሑ ኣፍልጦይ ከየዕበኹ ከለኹ፣ ንተምሳጠይ ናህሩ ዝውስኽ ዘረባ ወሰኸለይ።
“ከመይ ዓይነት ስራሕ ድዩ ነይሩካ?” ክንድ’ዚ ኣታዊ ዘለዎ ስራሕ እናሰርሐ፣ ባህሊ ስራሕ ኣይነበረንን ምባል ዘረብኡ ክልተ ዘይራኸብ ጫፋት ኮነኒ።
“ቀንዲ መራኸቢና ድኣ ንሱ እንድዩ፣ ብዛዕባ ስርሐይን ውድቐተይን ንሱ ዘምጽኦ ሳዕቤንን ከዘንትወልካ ስለ ዝደለኹ እኳ’የ ዓዲመካ ዘለኹ፣ ስርሐይ ዋላ’ኳ ልዕሊ ዓቐን ደሞዝ ይረኸቦ፣ ንኽብረይ ግና ባይታ’ዩ ኣዝቢጥዎ፣ እንድዒ ወደይ…” ምስ ነብሱ ተታርዐ።
“ከመይ ማለት? ኣብ መጀመርታ ከተዕልለሊ ከለኻ ስራሕ ክብሪ’ዩ ኢልካኒ፣ ኩሉ ስራሕ ድማ ዓይነቱ ብዘየገድስ ክብሪ ኣለዎ…”
“ተረዲአካ…” ንዘረባይ ኮሊፉ፣ ሓሳበይ ከም ዝበርሃሉ ኣተንብሃለ።
“እንታይ ዓይነት ህይወት ትመርሕን፣ ከመይ ዓይነት ስራሕ ትሰርሕን ግና ወሳኒ’ዩ፣ በል ካብ መጀምርታ ከዘንትወልካ’የ ጽን ኢልካ ስምዓኒ…” ነቲ ክልተ ኣንጻር ገይሩ ዘዘንትወለይ ዝነበረ ዛንትኡ መእሰሪ ክገብረሉ ጀመረ።
“ሓራይ ቀጽል…” ደገፈይ ገለጽኩሉ።
“ስመይ ኣማን ኣበራ’የ ዝብሃል፣ ዝያዳ ድማ በታ ‘ሸጠ’ ትብል ሳጓ’የ ዝፍለጥ፣ ኣብ 1974 ኣብ ኣስመራ ከባቢ ዕዳጋ ሓሙስ ተወሊደ ኣብኡ ድማ ዓብየ፣ ኣደይ ንዓይ ምስ ወለደት፣ ምስ ኣቦይ ክረዳድኡ ስለ ዘይክኣሉ ተፋቲሖም፣ ጠንቒ ፍትሕ ድማ ኣባይ ሳዕቤኑ ብግልጺ ክትርእዮ ኢኻ፣ ኣነ ክገብርመካ ኣብ ዓለም ሓደ ጽኑዕ እምነት’ዩ ዘለኒ፣ ዝኾነ ሰብ ክፋታሕ የብሉን፣ እንድሕር ዝፋታሕ ኮይኑ ድማ ክምርዖ የብሉን፣ እዚ ማለተይ ፍትሕ ካብ’ቲ ክሰምዖ ዘይደሊ ነገር’ዩ፣ እንተወሪድ ድማ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ክትሓስበሉ ይግባእ….” ኣብ ሓሳቡ ዘለኒ ርእይቶ መታን ክገልጽ፣ ሓሳባት ካባይ ተጸበየ።
“ሓራይ ቀጽል ተቐቢለካ ኣለኹ…” ኣብ ርእይትኡ ዘለኒ ደገፍ ገሊጸ፣ ንኽቕጽለለይ ሓበርክዎ።
“ከም’ቲ ዝበልኩኻ ኣነ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከለኹ’የ፣ ስድራይ ተፈላልዮም፣ ኣነ ድማ ካብ ፍቕሪ ኣቦ ዝይዳ ፍቕሪ ናይ ኣደ እናስተማቐሩ’የ ዓብየ፣ ኣደይ ንዓይ ከተዕቢ ድሕሪ ምፍታሓ ካብ ፈለማ’ያ ናብ ስራሕ ዓለም ተዋፊራ፣ ኣብ ከባቢ ገዛውትና ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ኣውቶብስ ድማ ዝተፈላለየ ቀንጠ-መንጢ እናሸጠት ናብራና ትመርሕ ነይራ፣ ኣነ ድማ ምስ ደቒ ገዛውተይ ክጻወት ይውዕል፣ በዚ ምኽንያት ከይኮነ ኣይተርፍን፣ ካብ ፈለም ንእስነተይ ግዜ ኣብ ጸወታ ዝሕልፎ ዝነበርኩ…”
“ትምህርቲ’ኸ?” ጉዳይ ምጅማር ትምህርቱ ክፈልጥ ተወከስክዎ።
“ክገርመካ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ምስ ኮንኩ፣ ኣብ’ዚ ሎሚ ቤት ትምህርቲ ኣዱሊስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ፣ ትምህርቲ ጀሚረ ነይረ፣ ግዳ ካብ ሳልሳይ ክፍሊ ንላዕሊ ክቕጽል ኣይክኣልኩን ኣቓሪጸዮ…”
“ስለምንታይ?” ዘረብኡ ኮሊፈ ተወከስክዎ።
“ሳክት!”
“ከመይ ማለት ስቕ ኢለ?” ምኽንያት ዘይምቕራቡ ኣይተዋሕጠለይን።
“ከም’ቲ ዝበልኩኻ’ዩ ካብ ቖልዓይ ጀሚረ ዝያዳ ኣብ ጸወታ’የ ዘድህብ ነይረ፣ ንሱ ጥራይ ድማ ኣይኮነን ናይ ኣደይ ሸለልትነት’ውን ነይርዎ’ዩ፣ ከም’ዚ ‘ሓደ ዝወለደ ዳርጋ ዘይወለደ’ ኮይንዋ፣ ኪኖ ምሕንቓቕ ኣብ ትምህርቲ ትግደሰለይ ኣይነበረትን፣ ናብ ትምህርቲ ኢለ ወፊረ ኣብ ጸወታ’የ ዝኸይድ ነይረ፣ ብፍላይ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ እንተሎ፣ ትምህርቲ ይብርሃኒ ኣይነበረን፣ ኣደይ ድማ ከይኩርያ እናፈርሐት ሸለል’ያ ትብለኒ ነይራ፣ በዚ ናይ ዘይተገዳስነት መንፈስ ኮይኑ ይስማዓኒ፣ ትምህርቲ ኣቛሪጸ…”
“ኣቦኻ’ኸ?” ጉዳይ ኣቦ ኣብ ምኹስካስ ዉሉድ ዘለዎ ተራ ብምግንዛብ፣ ጉዳይ ኣቡኡ ክፈልጥ ወሰንኩ።
“ኣቦይ ምስ ካልእ ሰበይቲ ስለ ዝተመርዓወ ዳርጋ ናብኣ’ዩ ኣድሂቡ፣ ኪኖ ወርሓዊ ቀለብ ቖልዓ ምሃብ፣ ኣብ ሓዳሩ’ዩ ኣድሂቡ፣ በዚ ምኽንያት’የ ድማ ፍትሕ ሳዕቤኑ ከቢድ’ዩ ዝበልኩኻ። ብዝኾነ ድሕሪ ትምህርቲ ምቑራጸይ ክሳብ ወዲ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ዝኸውን፣ ግዜ ኣብ ጸወታ ምሕላፍ ጥራይ ምስ ኮነ፣ ኣደይ ገለ እንተሓገዝክዋ ብምባል፣ ኣብ’ቲ ንሳ ትሽቕጠሉ ከባቢ ሸቐጥ ከም ዝጅምር ገይራትኒ። ካብቲ ከባቢ ገዛውትና ተበጊሰን ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሃገርና ዝኸዳ ኣውቶብሳት እናደየብኩ ብሽኾቲ ባስተ ኣብ ጎማ ዝእሰር ወዘተ ክሽይጥ ጀሚረ፣ ኣብ’ቲ ፈለማ’ኳ ዘዝሸጥክዎ ቖጺረ ነደይ የረክባ እንተነበርኩ፣ እዚ ግና ዕምሩ ሓጺር’ዩ ነይሩ፣ ክሳብ’ታ ምስ ዳዊት ዝብሃል መሳርሕተይ ዝላለ…”
“ዳዊት’ከ መን’ዩ?” ኣብ ዕላልና ዘይነበረ ሰብ ምጥቓሱ ሃንደበት ኮነኒ።
“ከም’ቲ ኣቐድም ኣቢለ ዘዕለልኩኻ፣ ኣብ’ቲ ፈለማ ዘዝሰራሕክዎ ንኣደይ’የ ዘረክባ ነይረ፣ ድሓር ግና ልክዕ ከማይ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝሽቕጥ ንዓይ ብኸባቢ ሰለስተ ዓመት ዝዓብየኒ ዳዊት ዝብሃል ሰብ ይላለየልካ፣ ኣይትኣምነንን ትኸውን እቲ ወዲ ሓንሳብ ልግብ ምስ በለኒ ልክዕ ከም ማስትሺ’ዪ ለጊቡኒ፣ ዘዝሸቐጥክዎ ድማ ምስኡ ኮይነ፣ ኮካ ኮላ ፓኒኖ ጹማቕ ወዘተ ክንሰትዮ ጀሚርና፣ ገዛና ዋላ ሓንቲ ዘይብሉ ኣነ ጸጽብቑ እናበላዕኩ ነብሰይ ከስብሕ ጀሚረ፣ ዘዝሰራሕናዮ ድማ ኣክንዲ ንገዛ ንነብስና ጥራይ ኮይኑ፣ ሽግር ገዛና ረሲዕና ነብሰ ፍትወት ኣብ ነብስና ኣትዩ፣ እዚ ዝመበገሲኡ ነብሰይ ንፋስ ክኣትዋ ጀሚሩ…” ሃዲኡ ከዕልለኒ ከም ዘይጸንሐ፣ ሃንደበት ገጺ ኣሲሩ ተማጣልዐ።
“ንፋስ ኣቲዋ ነብሰይ ክትብል ከለኻ…”


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com