Friday , April 26 2024

ሓድሽ መልክዕ ዝሓዘ መንበሪ ፍቓድ ወረቐት (ካርድ) (uppe­hålls­till­stånds­kort) ተሰሪሑ

ኣብ ሽወደን ንኽነብሩ ዝተፈቕደሎም ሰባት፡  መንበሪ ፍቓድ ወረቐት ከምዝወሃቦም ይፍለጥ።

ኣብ ቀጻሊ፡ መንበሪ ፍቓድ ወረቐት (ካርድ)፡ ኣብ ትወሃበሉ እዋን፡ ፍልይ ዝበለ ሓድሽ ካርድ ክኸውን እዩ። እዚ ብመምዘኒታት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝተሰርሐ ካርድ፡ ንኽትምየን፡ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ እዩ ዝሕበር። ብተወሳኺ ድማ፡ ዜጋታት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ሓደ ዓይነት መልክዕ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ወረቐት ንኽህልዎም ዝዓለመ እዩ።

ቅድሚ 01 ታሕሳስ 2020 ዝወጸ (ዝተረከብካዮ) መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ሃልዩካ፡ ምቕያር ኣየድልየካን እዩ። መንበሪ ፍቓድ ወረቐትካ ክሳብ ዝወድቀሉ ዕለት ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። መንበሪ ፍቓድካ እንተድኣ ተናዊሑ ወይ መንበሪ ፍቓድ ወረቐትካ ዝወድቀሉ ዕለት ምስ ኣኸለ፡  እዚ ሓድሽ መንበሪ ፍቓድ ወረቐት፡ ብመንገዲ ተመዝጊቡ ዘሎ ኣድራሻኻ ክበጽሓካ እዩ ክብል ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com