Tuesday , May 7 2024

ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና፡ ጸላም ዓርቢ (Black Friday) ብኣግኡ ጀሚራ

ኣብ ሽወደን፡ ብስም ጸላም ዓርቢ (Black Friday) ዝፍለጥ እዋን፡ ዓመታዊ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር እትርከብ ዓርቢ ከምዝውዕል ይፍለጥ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንግዳውያን ትካላት፡ ዋጋታት ትሕዝቶአን ኣሕሲረን ዘቕርባሉ እዋን ኮይኑ ክሳብ ሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ እዩ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ግን፡ ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ገለ ንግዳውያን ትካላት፡ ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚረን ምህላወን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ወላ’ኳ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ንጽቕጥቅጥን ምትእኽኻብ ናይ ሰባት ዝቋወም እንተኾነ፡ እዘን ንግዳውያን ትካላት፡ መደባተን ከቛርጻ ሓሳብ ከምዘይብለን ይገልጻ ክትብል ጠበቓ ማሕበር ንግዳውያን ኩባንያታት ሽወደን፡ ሶፍያ ስቲግማር፡ ድሕሪ ምግላጻ፡ እዚ ናይ ጸላም ዓርቢ መሸጣ፡ ነዘን ብንጽል ዝሸጣ ትካላት፡ ብጣዕሚ ዘገድሰን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ንድሕሪ ቅልውላው ዘሎ እዋን ንኽቕጽላ ዝሕግዘን እዩ ኢላ።

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ተባሂሉ እቲ ናይ ምጅማር መዓልቲ ከምዝተሳሕበን፡ እቲ ናይ መሸጣ መዓልታት ድማ ካብ 3 ናብ 11 መዓልታት ከምዝወሰኸ፡ ኣብ መንጎ ዓማዊልን ስራሕተኛታትን ድማ መፈላለይ ቪትሮ ከምዝተገብረ፡ ብዝሒ ናብተን ንግዳውያን ትካላት ዝኣትዉ ዓማዊል ምቁጽጻርን ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ዝሕብሩ ታቤላታት ምቕራብን ዝኣመሰሉ ቅድመ ኩነታት ተዳልዮም ከምዘለዉ፡ ስቲግማር፡ ብምውሳኽ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com