Friday , May 17 2024

ካብዝን ካብትን

ኣብ መስመር ዮቶቦሪ፡ ሓደገኛ ጽዕነት ዝሓዘት ባቡር ተገምጢላ

ኣብ ሰቨናስ፡ ዮቶቦሪ፡ ክልተ ናይ ጽዕነት ባቡር ብምግጫወን ሓደገኛ ጽዕነት ዝሓዘት ባቡር ከምተገጠለትን ሰብ መዚ መጓዓዝያ ድማ ነቲ መስመር ድሕሪ ምዕጻው ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ቤት ትምህርቲ ቶርፓስኮላን (Torpaskolan) ሓንቲ መዋእለ ህጻናትን ዝነበሩ ተማሃሮን ሰራሕተኛታትን ነቲ ቦታ ሓዲጎም ከምዝወጹ ገይሮም ክብል SVT ሓቢሩ። ፖሊስ’ቲ ከባቢን ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓውን ኣብ ከባቢ ሰዓት 5:35 ወጋሕታ ሓበሬታ ከምዝበጸሖምን ዓሰርት ዝኾና ኣሃዱታት ፖሊስ ናብቲ …

Read More »

ኣብ ያርቫ፡ ጎነጽ ገበናውያን ጭፍራታት ጥርዙ በጺሑ ተባሂሉ

መጠን ጎነጽ ገበናውያን ጭፍራታት ኣብ ከባቢ ያርቫ፡ ጥርዙ ከምዝበጸሐን ከምሳዕቤኑ ድማ ብዙሓት ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ’ኳ እንተኣተዉ፡ ፖሊስ ግን ነቶም መራሕቲ እዘን ጭፍራታት ዝኾኑ ሰባት ኣብ ምህዳን ኣቶኪሩ ይሰርሕ ምህላዉ ምክትል ሓላፊ ፖሊስ ስቶክሆሎም፡ ሮበርት ካርልሶን፡ ምስ መርበብ ሓበሬታ SVT ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኣብ ከባቢ ያርቫ፡ ኣስታት ዓሰርተ ምስ ገበናውያን ጉጅለታት ምትሕሓዝ ዘለዎም ናይ ቅትለት ፍጻሜታት …

Read More »

ምምሕዳር ማልመ፡ ኣብ ማልመ ዝተላዕለ ናዕቢ፡ ሃይማኖታዊ ድርኺት ከምዘይነበሮ ሓቢሩ

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣኽረርቲ የማናውያን፡ “ቁርኣን” እናኣንደዱ እንከለዉ ዘርኢ፡ ብማሕበራዊ መራኺቢታት ዘመሓላለፍዎ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ኣብ ከተማ ማልመ፡ ዓቢ ናዕቢ ከምዝተላዕለ ፖሊስ ሓቢሩ። ብመሰረት ክኢላ ጸጥታዊ ጉዳያትን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ስትራተጂ ከተማ ማልመ፡ ፒር ኤሪክ ኢፒስቶል፡ እቲ ፍጻሜ ናዕቢ፡ ሃይማኖታዊ ድፊኢት ዘይብሉ እዩ ክብል ከምዝገለጾን ምምሕዳር ከተማ ድማ ንገለ ካብቶም ኣብ ናዕቢ ዝተስተፉ ሰባት ከምዘለለዮምን ዝኾነ ዓይነት ሃይማኖታዊ ዝምባለ ዘለዎም ሰባት …

Read More »

ምሕሳው

”ሓሶት ኣብ ናብራና ኣገዳሲ ተራ ምሓዙ ዘርእዮ ነገር እንተሎ ኣገባብ ህይወትና ኣዝዩ ሓሚቑ ምህላዉ እዩ“   ፍሬድሪች ኒቸ ኣብ ዓውዲታት ፖለቲካን ምሕደራን ሓቂ ተቘንጥራ እያ ትዕደል። ብፍላይ ኣብ ዘመንና ክልቲኡ ብዘይ ምሕሳው ክሳኻዕ ዝኽእል ክሳብ ዘይመስል ሓቂ ተጀሊሓ ኢና ንረኽባ። ኣብ ማሕበራዊ መስተጋብርና እውን ገለ ነገራት ደይ መደይ ተባሂሉ ከይግለጽ ፡ ክሽምረር ወይ ውን ብውጹእ ሓሶት ካብ ዕዳጋ ዕላል ከም …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ:ዕድል ድዩ?

ራብዓይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ከም’ቲ ዝበልኩኻ’ዩ። ምስ ዳዊት ንሕጸ ምስ ተቛጸርና፡ ክዳን ክንዕቀን ምስ ሓፍቱ እናኸድና ከለና ኢና ጉድ ዳዊት ዝኽሻሕ ዘሎ፡” ነዊሕ ኣስተንፊሳ ዝን በለት። “ሓፍቱ ሃንደበት ብገርሃ’ያ ነጊራትኒ። ድቦላ’ዩ ነይሩ፡ ዳዊት በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ምዃኑ ሃንደበት ኣርዲኣትኒ።” “እንታይ ደኣ በልኪ?” ዝፈጥረላ ስንባደ ካብ ኣጠማምታኣ ክርዳኣ ግዜ ኣይወሰደለይን። ካልእ ጸገም ኣብ ርእሲ’ውን ተደረበ፡ ሓደ ካልእ ዓቢ ጸገም …

Read More »

ትምህርቲ ቛንቛ ሽወደን ሻውዓይ ክፋል ብ መም ሃገር ተክላይ SFI NYBÖRJARE

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ቋንቋን ዘረባን (language and speech)

ኣማኑኤል ሳህለ ቋንቋ ኪብሃል ከሎ ሓፈሻዊ ናይ ሓበሬታ ምትሕልላፍ ሜላ እዩ። እዚ ድማ ብምንቅስቓስ ኢድን ካልእ ክፍሊ ኣካላትን፡ ብመልክዕ ስእልን፡ ብሽታን፡ ብሓጸርቲ ድምጽታትን፡ ካብ ኣፍ ካብ ዚወጽእን ኣገባብ እተኸተለን ድምጺ (ዘረባ) ወዘተ ይትግበር። ዘረባ (speech) ኪብሃል ከሎ ግን ናይ ቋንቋ ዝለዓለ ደረጃ ኾይኑ ኣብ ወድሰብ ጥራይ ዚርከብ ብናውቲ ኣፍን በቲ ዚቆጻጸሮክፍሊ ሓንጎልን ዚኽሰት ድምጻዊ ተርእዮ እዩ። ወዲሰብ በቲ ካብ ጎረሮ …

Read More »

ሓበሬታ ካብ ክፍሊ ኤሚግሬሽን ሽወደን

ጉዳይ፡ ብጌጋ ዝተላእከ ጽሑፍ ዘይብሉ ኤሌክትሮኒካዊ መልእኽቲ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ኢሚግሬሽን፡ ነቶም ብመንገዲ ኤሌክትሮኒካዊ መልእኽቲ ኣቢሎም መንበሪ ፍቓድ ናይ ምንዋሕ ጠለብ ዘቕረቡ ሰባት፡ ብጌጋ፡ ጽሑፍ ዘይብሉ ኤሌክትሮኒካዊ መልእኽቲ ክመጾም ከምዝጀመረ ሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ክፍሊ ኢሚግሬሽን፡ ሓድሽ ኤሌክትሮኒካዊ ኣገልግሎት ከተኣታቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ዘጋጠመ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ነቶም ፍቓድ ናይ ምንዋሕ ጠለብ ዘቕረቡ ሰባት፡ ክፍሊ ኢሚግሬሽን፡ መልእኽቶም ከምዝተቐበሎ ዝሕብር ኤሌክትሮኒካዊ …

Read More »

ቆልዑ፡ ኮሮና ቫይረስ ኣየማሓላልፉን እዮም ተባሂሉ

ክሳብ ቀረባ እዋን፡ ቆልዑ፡ ኣብ ምምሕልላፍ እዚ ሕማም ብዛዕባ ዘለዎም ተራ ኣከራኻሪ ሓበሬታታት ምጽንሑ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ ገለ ሓካይም ናህሪ ለበዳ ንምውጋድ ህጻናት ናይ ኣፍ ማስክ ክገብሩ ኣለዎም ዝብል መጐተ ከቕርቡ ምጽንሖም ገሊጹ። ቆልዑ፡ ቫይረስ ኮሮና ኣየማሓላልፉን እዮም፡ ወይ ድማ እቲ ንሳቶም ዘውርድዎ መጠን ምስፍሕፋሕ ኣዝዩ ዝወሓደ እዩ ክብሉ ሓካይም ፊንላንድ ገሊጾም። ንሳቶም ኣብ ልዕሊ 11 ሽሕ ቆልዑ ድሕሪ ዝገበርዎ …

Read More »

ፖሊስ፡ ኣንጻር እስልምና ዝጽውዕ ምትእኽኻብ ንምግባር ዝቐረበ ሕቶ ከምዝነጸጎ ሓቢሩ

ጽባሕ ዓርቢ ኣብ ማልመ፡ ብመሪሕነት ርሑቕ (ጫፍ) የማናዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ዴኒማርካዊ ፖለቲከኛ፡ ንኽግበር ቀሪቡ ዝነበረ ናይ ምትእኽኻብ ጠለብ፡ ብፖሊስ ማልመ፡ ፍቓድ ክምዘይረኸበ ተሓቢሩ። እቲ ዝተመደበ ፍጻመ፡ ንስርዓትን ጸጥታን እቲ ከባቢ ኣስጋኢ’ዩ ኢሉ ስለዝኣመነ፡ ፖሊስ ማልመ፡ ነቲ ዝቐረበ ጠለብ፡ ከፍቅድ ከምዘይከኣለ፡ በዓል መዚ ፖሊስ፡ ኣብ ኤሌክትሮኒካዊ ገጻቱ ሓቢሩ። ነቲ ምትእኽኻብ ዝወደቡ ሰባት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብቲ ምትእኽኻብ፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገራት ሰሜን ኤውሮፓ ዘሎ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com