Monday , April 29 2024

ሓቐኛ ዛንታ:ዕድል ድዩ?

ራብዓይ ክፋል

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“ከም’ቲ ዝበልኩኻ’ዩ። ምስ ዳዊት ንሕጸ ምስ ተቛጸርና፡ ክዳን ክንዕቀን ምስ ሓፍቱ እናኸድና ከለና ኢና ጉድ ዳዊት ዝኽሻሕ ዘሎ፡” ነዊሕ ኣስተንፊሳ ዝን በለት። “ሓፍቱ ሃንደበት ብገርሃ’ያ ነጊራትኒ። ድቦላ’ዩ ነይሩ፡ ዳዊት በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ምዃኑ ሃንደበት ኣርዲኣትኒ።”

“እንታይ ደኣ በልኪ?” ዝፈጥረላ ስንባደ ካብ ኣጠማምታኣ ክርዳኣ ግዜ ኣይወሰደለይን። ካልእ ጸገም ኣብ ርእሲ’ውን ተደረበ፡ ሓደ ካልእ ዓቢ ጸገም ድማ ደበኽ በለ።

“ሓፍቱ ኩሉ ነገር ዝፈልጥ’ዩ መሲሉዋ ነጊራትኒ። ኣነ ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ ኣይነበረንን – ናይ ብሓቂ ሰንቢደ። እንተኾነ ኣብ ውሽጠይ ገይረ ስቕ ኢለ። ግና ክቆጻጸሮ ዝፈተንኩ ስንባደ ካብ ሓፍቱ ዝሕባእ ኣይነበረን። ሃንደበት ክቀያየር ዝጀመረ ገጸይ ተዓዚባ ኲነታተይ ክትፈልጥ ኣይተጸገመትን። ኢሂ ሰላም ብዓል ሓዳር ውላድ ከም ዘለዎን ኣይትፈልጥን ዲኺ? ኢላ ምስ ሓተተትኒ ዝብሎ ጠፊኡኒ ቐልባዕባዕ ኢለ። እዋእ! ከየጽናዕኪ ዲኺ ኣቲኽዮ እንተበለትኒ እንታይ ክብል?”

“እንድሕር ብዓል ሓዳር ኮይኑ፡ ከመይ ገይሩ ንዓኺ ክምርዖ ይሓስብ?” ዘረባይ ከይወዳእኩ ኮለፈትኒ።

“እቲ ሓቂ ምስ ነገረትኒ፡ መጀመርታ ብስንባደ ክወድቕ’የ ደልየ። ዳሕራይ ግና ስንባደይ ኣብ ውሽጠይ ገይረ ክዋሳእ’የ ፈቲነ። ውላድ ይኹን ሓዳር ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ከም ዘይብለይ ነጊረያ። ንሳ’ውን ልክዕ ከማይ ብሕርቃን ክትትኮስ’ያ ደልያ። ብዝኾነ ብሃንደበት ብዝተበገሰ ዕላል ብዛዕባ ዳዊት ፈሊጠ። ክገርመካ ምስ ሓፍቱ ናይ ሓጺር እዋን ሌላ’ዩ ዘለና፡ ስለዚ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ኣይተዛረብኩዋን። ክንቀያየም ስለዘይደለኹ ሕማቕ ኣይተዛረብኩን። ዘድልየና ክዳን ተዓቂንና ጥራይ ኢና ናብ ገዛና ተመሊስና።”

“ሕቶይ ግና ኣይመለስክለይን?” ዘረባኣ ወዲኣ ዓይኒ ዓይነይ ስለዝጠመተትኒ፡ ናብቲ ሓቲተያ ዘይመለሰትለይ ሕቶ ተመለስኩ።

“ሓቅካ፡ ረሲዐዮ እንድየ። ሓንቲ ሓፍቱ ዘረጋገጸትለይ ነጥቢ እንተነይራ፡ ብሰንኪ ዘይምርድዳእ ምስ በዓልቲ-ቤቱ ከም ዝተፋትሐ’ዩ። እዚ ክብለካ ከለኹ ግና፡ ምሳይ እናዘረ ከሎ ብዓል ሓዳር’ዩ ነይሩ። ኣታ ወዲ፡ ደቂ ተባዕይትዮ’ኳ….” ኣብ ቅድሚኣ ወዲ ተባዕታይ ምህላወይ ዘንጊዓ ምረታ ገለጸት።

“እሂ ደኣ ሰላም?”

“ፍቕሪ መናብርትና’ዩ ኣብ ዓለም ብዘይ ፍቕሪ ክንሰርር ኣይንኽእል ኢና። እንተኾነ ሓቀኛ ፍቕሪ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ዝበዝሐ ኣጋጣሚ ዘጋጥመንን ዝዕዘቦን ኣሎ። ዳርጋ ዝበዝሑ ደቂ ተባዕትዮ ምስጢራቶም ሓቢኦም’ዮም ዝቐርቡኻ። ዳዊት ኣብ ፍቕሪ ምስ ኣውደቐኒ ኣመዛዚነ ክሓስብ ይጽገም ነበርኩ። ብዙሓት ከማይ ክህሉዋ ድማ ናይ ግድን’ዩ።”

“ናብ ዕላልና በሊ ንመለስ፡ እዚ ምስ ሰማዕኪ ምስ ዳዊት ተፈላሊኺ ዶ?” ኣንፈት ዕላልና ከይቅየር ብምስጋእ ናብ ታሪኻ ክትምለስ ደፋፋእኩዋ።

“ቀጺልና! ዘፍቀረ ዕዉር’ዩ ዝብሉዎ ሓቂ ምዃኑ ኣረጋጊጸ። ብሕርቃን ተደፋፊአ ክዛረቦ ምስ ከድኩ፡ ኢሚዴትሊ ከም ዝዝሕል’ዩ ገይሩኒ። ‘ሰላመይ ኣነ ተፋቲሐ’የ። ከማኺ ለባምን ዓባይ ሰብን ክረክብ ስለዘይክእል ድማ ሓቢኤልኪ ጸኒሐ። ክብረ ንጽህናኺ ደፊረ ናበይ ክኸይድ ሰላመይ፡ በቃ ኣነ ስለዘፍቅረኪ’የ ውዒለዮ፣ ውላድ ኣለኒ እንተኢለኪ ከይትርሕቅኒ ፈሪሐ። ንሱ’ዩ እቲ ሓቂ…’ ወዘተ ብምባል ንልበይ ኣርጊኡዎ። ኣነ ድማ ልቢ ጓል ኣንስተይቲ ኮይኑኒ ቦቕቢቐሉ፡ ይቕረ ኢለሉ።”

“እቲ እምነት’ከ ከም ቀደሙ ቀጺሉ?” ዳዊት ኣብ ቦታኣ ዘለዎ ስፍራ ክፈልጥ ደለኹ።

“ዳግማይ ኣሚነዮ፡ በቃ እምን ኣቢለዮ!”

“ሕጸ’ሞ ተፈጺሙ’ዩ?”

“ተፈጺሙ ጥራይ፡ ማራ ደስ ዝብለካ ሕጸ እምበር ገይርና። ድሕሪ ሕጸና ዘይንቕነቕ ፍቕሪ ኢና መስሪትና።”

“ትምህርትኺ’ኸ?” ተረሲዑ ዝነበረ ኣርእስቲ ኣልዓልኩዎ።

“ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ’ዩ፡ ኣቦይ ኣብ ትምህርቲ ከይሓምቕ’ኳ ስግኣት እንተነብሮ፡ ኣነ ግና በንጻሩ’የ ዝያዳ ነፊዐ።”

“እንታይ ዓውደ ትምህርቲ ኢኺ ትወስዲ ነይርኪ?”

“ቢዝነስ ማናጅመንት’የ ዘጽንዕ ነይረ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብዲፕሎማ ተመሪቐ። ኣቦይ ዝተሓጎሶ ክነግረካ ኣይክእልን እየ። ቃል ኣቦይ ኣየዕበርኩን። ትምህርተይ ወዲአ ድማ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኽዋፈር ኣብ ምድላው እንከለኹ’ያ ድማ ኣደይ…”

“ኣብ ብዙሕ ዕላላት ኣደይ ክትብሊ ኣይሰምዓክን’የ፡ ሐራይ ናይ ኣደኺ በሊ ቀጽሊ?”

“ከም’ቲ ዓንተቦይ ዘዕለልኩካ ኣደይ ምስኪን’ያ፡ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ኣይትዛረብን’ያ እንትርፎ መሪቓ ምፍናው። ትምህርተይ ወዲአ ምስ ተመረቕኩ’ያ ብሞት ካብ’ዛ ዓለም ተፈልያ። ካብታ ደቒቕ ጀሚረ’የ ድማ ቅሳነት ስኢነ ዘለኹ።”

“ስለምንታይ?”

“ኣደይ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልየት፣ ኣቦይ ጥዕና ስለዘይነበሮ ‘እዛ ጓለይ ተመርዓዊ’ እናበለ ክህውኸኒ ጀሚሩ። ሞት ናይ ኣደይ ግዲ ኣፍሪሑዎ መርዓኺ ከይርኣኹ ከይመውት እናበለ ምእታውን ምውጻእን ይኸልኣኒ…”

“ትምህርትኺ ካብ ዛዘምኪ ደኣ ንምንታይ ዘይትምርዓዊ?”

“መጀመርታ ሰርቪስ ክውድእ’ዩ ነይሩ መደበይ፡ ማራ ምስ ረበሸኒ ግን ኣገልግሎተይ እናፈጸምኩ ንምንታይ ምስ ዳዊት ዘይምርዖ ብምባል ሓሲበ። ምስ ዳዊት ዝነበረኒ ፍቕሪ ድማ እናሓደረ የሐጉሰኒ ብምንባሩ ንምውናኑ ዝያዳ ክሃርፍ ጀሚረ።”

“ግቡእኪ እናፈጸምኪ’ኳ ኩሉ ከተርክብሉ ትኽእሊ ነይርኪ ኢኺ።”

“በቲ ነቦይ ከሐጉስ፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ እናሓደረ ፍቕሩ ዝደግሰኒ ዝነበረ ዳዊት ክውንን፡ ምስ ሓሳብ ኣቦይ ተሰማሚዐ። ኣይትኣምነንን ትኸውን ኣብ ዓለም ፍቕሪ ከመይ ክኸውን ኣለዎ እንተተባህለ ከም ናተይን ናይ ዳዊትን ምበልኩኻ። እንታይ’ሞ….” ሃንደበት ብብኽያት ተነኽነኸት።

“ሰላም፡ ጽቡቕ ምሽ ጸኒሕኪ እንታይ ደኣ ሃንደበት?” ንብዓታ እናሓንሰሰት ቁሊሕ ኢላትኒ። ኣነ’ውን ብዓይኒ ድንጋጸ ጠመትኩዋ።

“ዘገርም’ዩ….” ምኽኣል ስኢና ሕንቕንቕ በለት።

“መርዓ ተቖጺሩ፡ ስድራ ተሓጒሶም ግና ኣይሰመረለይን። ጽቡቕ ፍቕሪ ምስ ዳዊት ኣሕሊፈ ግና ኣይተመርዓኹዎን…. መርዓይ ፈንጢሐዮ።”

“ስለምንታይ? እንድሕር ትፈትውዮ ኮይንኪ፡ ንምንታይ ዘይትምርዓውዮ?” ነገራታ ምርዳእ ኣበየኒ።

“ከቢድ ጸገም ገጢሙኒ… ድቦላ’ዩ ዘይተጸበኹዎ ናጤባ!”

“ኣብ ዓለም ጸገም ዘየጋጥሞ ሰብ የለን፣ ንዓኺ ዘጋጠመኪ ጸገማት ድማ ንኹሉ ሰብ ዘጋጥሞ ጸገም’ዩ።”

“ከምኡ’ዩ እንታይ ደኣ!” ኣዕሚቛ ድሕሪ ምስትንፋስ ዛንታኣ ቀጸለት።

“ብዝኾነ ምስ ዳዊት ተረዳዲእና መርዓ ቆጺርና፡ እቲ ድቦላ ዝበልኩኻ ጸገም ድም ሽዕኡ’ዩ ዝኽሰት፡” ብዝንታ ተዋሒጣ። ንሱ ድማ መርመራ ኤች.ኣይ.ቪ ንግበር ምስ በልኩዎ ከድሓርሕር ይጅምር…”

“ግና ኣቐድም ኣቢልኪ ስጋዊ ርክብ ትፍጽሙ ከም ዝነበርኩምን፡ ክብረ ንጽህናኽን ንዳዊት ከም ዘረከብክዮን ሓቢርክኒ ነይርኪ።” ኣቐዲማ መርመራ ገይሮም ነጻ ከም ዝተባህሉን ርክብ ፈጺሞም ምንባሮም ሓቢራትኒ ብምንባራ ኣዘኻኸርኩዋ።

“እወ! ክገርመካ ኣብ ፍቕሪ ዓለም ብሓባር እናዘርና ከለና፡ መርመራ ንግበር ኢለ ዝደፋፋእኩዎ ኣነ’የ። ሓሳብ ክልቴና ክፍጸም ግዲ ኢሉ ኮይኑ ክልቴና ነጻ ተባሂልና። እንተኾነ ኣብ ዳዊት ሕማቕ ትዕዝብቲስ ነይሩኒ’ዩ። ዋላ ነጻ ንብሃል ብመከላኸሊ ርክብ ንፍጽም ስለ ዝነበርና ግን ፈሪሐ ኣይፈልጥን። እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ዳዊት ገለ ዕቃበታት ነይሩኒ’ዩ።”

“እንድሕር ነጻ ተባሂልኩም ድኣ እንታይ ከየጋጥም ፈሪሕኪ?”

“ዕድል የብለይን በጃካ! ድሕሪ ሕጸና ይኹን ፍቑራት ኮይንና ንጓዕዘሉ ኣብ ዝነበርና እዋን መስተ ይሰቲ ነይሩ’ዩ። መስተ እንተሎ ድማ ጌጋ ኣሎ፡ ከም ተወሳኺ ድሕሪ ሕጸና ምስ ሓንቲ ጓል ይዘውር ምንባሩ ፈሊጠ። ኣብ ዳዊት ልዑል ራኢ ስለ ዝነበረኒ ካብ ጸጋም መገዲ ንምእላይ ዘይተጠቀምኩሉ ሜላ ኣይነበረን። ካብ መስተ ከናግፎ ልዑል ጻዕሪ’የ ኣካይደ፡ መታን መስተ ክገድፎ ምሉእ ምሸት ክብረይ ኣሕሲረ ኣብ ቤት መስተ የምሲ ነይረ። ቢዚ ክገብሮ’ዩ ዕላማይ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ተዓዊተ። ኣድርረኒ እናበልኩ ቤት መግቢ ከም ነምሲ ይገብሮ ነይረ። ኣብ ካፈታት’ውን ብተመሳሳሊ። ካብ’ታ ዝቐርባ ዝነበረ ጓል’ውን ኣገላጊለዮ’የ። ንፍቕሪ ዳዊት ክብል መስዋእቲ’የ ከፊለ። እንታይ’ሞ….” ናብ ትካዘ ሰገረት።

“ቀጽልለይ በሊ!”

“እንተኾነ ቅድሚ መርዓና ንመርመር ምስ በልኩዎ ምድሕርሓር ኣብዚሑ። ኣነ ድማ ፍቕሪ ህይወተይ ስለዘገድሰኒ ዘይትምርመር እንተኾይንካ ክንቅጽል ኣይንኽእል ኢና ኢለዮ።”

“ተፈላሊኹም?” ንምውናኑ ዘሕለፈቶ መስገደል ተራእዩኒ ብልቢ ደንገጽኩላ።

“ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ኢና ብሓባር ዘይርና። ኣብ ዕድመ ጓል ኣንስተይቲ ክትርእዮ ከለኻ ማዕረ ክንደይ ሃስያ ምዃኑ ኣይትስሕቶን ኢኻ፡ ድሕሪ ነዊሕ ግና ኣእሚነዮ።”

“ንፍዕቲ!”

“መንፍዓት’ መወዳእታ እንተዘይብሉ እንታይ ዋጋ ኣለዎ። ሰባት ብኹሉ እንተነፋዕና’ዩ ጽቡቕ እምበር ብሓደ ሸነኽ ነፊዕና ብኻልእ እንተሓመቕና እንታይ ዋጋ ኣለዎ?”

“በዚ ተዕልልኒ ዘለኺ ግና ክሳብ ሕጂ ዝረኣኹልኪ ሕመቕ የለን። እታ መርዓ ፋሕ ከብላ’የ ትብል ዘረባኺ ኣይፈተኹዋን።”

“ናብኣ እንድየ ክመጽኣካ ደልየ ዘለኹ። ሓንቲ መዓልቲ ንዳዊት እቖጽረልካ …….” ዓይኒ ዓይነይ ጠመተትኒ። “ምስ ተራኸብና ድማ ዳዊተይ ብዘይብኣኻ ክነብር ኣይደልን’የ፡ ዋላ ተሰካሚ ኤች.ኣይ.ቪ ኩን ኣይጠልመካን’የ፣ ስለዚ ንዓይ ደስ ክብለኒ ንመርመር’ ኢለዮ።”

“እንታይ’ሞ በለኪ?”

“ሕራይ ኢሉ ናይ መወዳእታ ቆጸራ ሒዝና። ግና እንታይ ገይሩ መስለካ?”

ከይትኾልፈኒ ተሃወኽኩ። ዘሕለፈቶ ፍቕሪ ኣብ ዓወት ከብጽሓ እናተመነኹ ክትቅጽለለይ ተረበጽኩ።

“ቅድም ንብሕቱ ከይዱ ተመርሚሩ መጺኡ፡ እዚ’ኳ ጌጋ እንተኾነ ደላዪት ብምዃነይ ኣይጸላእኩዎን። ሽዑ ንዓይ ረኺቡ በይኑ ከም እተመርመረን ነጻ ከም እተባህለን ሓቢሩኒ። ብሓንሳብ ምኻድ ትርጒም ከም ዘይብሉ’ውን ነጊሩኒ። ኣነ ግና ኣይተቐበልኩዎን፡ ምስ’ቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ምኽንያት ኣተኣሳሲረ ክምርመር ኣይደለየን’ዩ ዝብል ጥርጣረ’ዩ ሒዙኒ። ብሓንሳብ ከይድና ክንምርመር ኣለና ኢለ ድማ ኣብ መትከለይ ደሪቐ። ዓመታት ብፍቕሪ ተጓዒዘ ንዳዊት ወኒነ ምልእቲ ሰብ ክኸውን ከም ዘይተመነኹ ሓደጋ ወዲቑኒ። ሓደጋ…..ተመርሚርና!” ነታ ቃል ብሓይሊ ፈነወታ።

“ውጽኢትኩም’ከ!”

“ዘገርም’ዩ ዕድለይ ሕማቕ ምዃኑ ሽዑ ፈሊጠ።”

“ኢሂ ተሰካሚ ኮይኑ ጸኒሑ?”

“ግልብጥሽ’ያ ዓለም በጃኻ! ዳዊት ነጻ ጸኒሑ፡ ኣነ ግና ጸኒሑኒ…”

“ከመይ ኢሉ ይኸውን?” ሰንበድኩ። ካልእ ሚስጥር ድማ ተቓልዐ፡ ዘሰንብድ ሚስጥር።

ይቕጽል—


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com