Friday , May 17 2024

ካብዝን ካብትን

ሽወደን፡ ኣብ መበል 10ይ ደረጃ ትስራዕ

ካብ ኣባላት ውድብ ቁጠባዊ ምዕባለን ምትሕግጋዝን (OECD) ዝኾና 38 ሃገራት፡ ብኣታሓሕዛ ጥዕናን ኩነታትን ህጻናት፡ ሽወደን፡ ኣብ መበል 10ይ ደረጃ፡ ተሰሪዓ ከምትርከብ ካብ ዩኒሴፍ (UNICEF) ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ ሓቢሩ። ሃገረ ሆላንድ ንዴኒማርክን ኖርወይን ቀዲማ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክትስራዕ እንከላ ፊንላንድ ድማ ኣብ መበል 5ይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ። ኣብ ሽወደን፡ እኹል ዝኾነ ኢኮኖምያዊ፡ ማሕበራውን ከባብያውን ትሕተ ቅርጺ እናሃለወና ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዘይንስረዓሉ …

Read More »

ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ጾታዊ ርክብ ንኽፍጽማ ይግደዳ ኣለዋ ተባሂሉ

ቤት ጽሕፈት ሽማግለ ከተማ ስቶክሆሎም ኣብ ዘካየዶ ሓድሽ ዳህሳስ፡ ቁጽሪ ናይተን ጾታዊ ርክብ ንኽንፍጽም ተገዲድና ዝብላ ደቂ ኣንስትዮ ይበዝሕ ከምዘሎ ሓቢሩ ክብል ስቬኒስካ ዳግብላደት ከምዘቃለሐ TT ሓቢሩ። እቲ ዳህሳስ ከምዝሕብሮ፡ 5% ካብተን ኣብ 9ይ ክፍሊ ዝመሃራን፡ 8% ካብተን ኣብ 2ይ ዓመት  ናይ ማእከላይ ደረጃ (11 ክፍሊ) ዝመሃራን ደቂ ኣንስትዮ፡ ጾታዊ ርክብ ንኽፍጽማ ተገዲድና ከምዝብላ ሓቢሩ ኣሎ። ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት …

Read More »

ኩሎም ኣብ ሽወደን ዝርከቡ መማህራን፡ ብዛዕባ ጾታዊ ዝምድናታት፡ ትምህርቲ ክወስዱ ክግደዱ እዮም ተባሂሉ

መንግስቲ ሽወደን፡ ንኹሎም ኣብ ቤት ትምህርታት ዝርከቡ መምህራን፡ ብዛዕባ ጾታዊ ዝምድናታት፡ ትምህርቲ ብምሃብ ዓቕሞም ክብ ከብሎ መዲቡ ከምዘሎ  ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ። ቆልዑን መንእሰያትን፡ ብዛዕባ ጾታዊ ዝምድናታት፡ ጥዕና ዘለዎ ኣተሓሳስባ ከማዕብሉ ምእንቲ፡ ኣብ ክንዲ ካብ ፖርኖግራፊ ኣብ ቤት ትምህርታት ብስርዓታዊ ኣገባብ ክመሃሩ ይግባእ ክትብል ሚኒስተር ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ማቲልዳ ኤርንክራንስ፡ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ። ካብ መባእታ …

Read More »

ከቢድ ክሳራታት ዘውረደ ሓደጋ ባርዕ

ትማሊ ረቡዕ ለይቲ፡ ኣብ ከባቢ ማዮና (Majorna)፡ ዮቶቦሪ፡ ከቢድ ክሳራታት ዘውረደ፡ ኮነ ኢልካ ዝተሳወረ ተባሂሉ ዝንገረሉ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ ክብል TT ሓቢሩ። እቲ ሓደጋ ባርዕ፡ ኣብ ሓደ ህንጻ ምስ ጀምረ ስዒቡ ድማ ናብተን ኣብቲ ከባቢ ዓሺገን ዝነበራ መካይን ልሒሙ፡ ኣብ ልዕሊ 15 መካይን ከቢድ ክሳራታት ከም ዘውረደን ገሊአን ድማ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነዋን ወሃብ ቃል ፖሊስ’ቲ ከባቢ ሓቢሩ። ነበርቲ ናይ ዓሰርተ …

Read More »

ንዝኸሰራ ኩባንያታት ዝወሃብ ዝነበረ መንግስታዊ ሓገዝ ከምዘቛረጸ ተሓቢሩ

ሽወደናዊ ዋኒን ቀረጽ (Skatteverket)፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ንዝሳዓበ ክሳራ ንምትካእ፡ ብኩባንያታት ዝቐርብ ዝነበረ ናይ ሓገዝ መሕተቲ ምልክታ፡ ምቕባል ከምዘቋረጸ ሓቢሩ። ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ካብ ዝቐረቡ 23,289 ናይ ሓገዝ ሕቶታት፡ ዋጋ 186 ሚልዮን ክሮን ዝሓቱ 1100 ሕቶታት ክንጸጉ እንከለዉ፡ ዋጋ 1.3 ቢልዮን ክሮን ዝሓቱ 17,700 ሕቶታት ኣወንታዊ መልሲ ከምዝረኸቡ ተፈሊጡ ክብል ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሽወደናዊ ዋኒን ቀረጽ፡ …

Read More »

ሚዛን ገንዘብ (budget) ሃገረ ኖርወይ፡ ኣብ 25 ዓመታት ንፈለማ ግዜ ሕጽረት ኣርእዩ

ኣብ ካልኣይ ርብዒ ናይዚ ዓመት፡ ሚዛን ገንዘብ ሃገረ ኖርወይ፡ ናይ 83 ቢልዮን ኖርወጃዊ ክሮን ሕጽረት ከምዘርኣየ መንግስቲ ሓቢሩ። እዚ ተርእዮ፡ ድሕሪ 1994 ንፈለማ ግዜ ዘጋጥም ዘሎ ምዃኑ ክብል፡ መንግስቲ ኖርወይ፡ ምግላጹ TT ሓቢሩ። ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይዚ ዓመት፡ መንግስቲ ኖርወይ ናይ 22 ቢልዮን ኖርወጃዊ ክሮን ፈሰስ ከምዝገበረ ይዝከር። ቅኑዕነት ናይዞም ዝተጠቕሱ ኣሃዛት ምምሕያሽ ዝግበረሎም እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት፡ …

Read More »

ኣብ ምምሕዳራት ሽወደን ዝርከባ ኣብያተ ፍርድታት፡ ምሸታዊ ስርሐን ክጅምራ እየን

ካብ ሰሉስ፡ ዕለት 1/09/2020 ጀሚረን፡ ኣብ ምምሕዳራት ሽወደን ዝርከባ ኣብያተ ፍርድታት፡ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ንኽሰርሓ ምድላዋተን ኣጻፊፈን ተዳልየን ከምዘለዋ ተሓቢሩ። ፍሉይን ህጹጽን ጉዳያት ኣብ ዝርከበሉ እዋናት፡ ቤት ፍርዲ፡ ካብ ልሙድ ሰዓታት ስራሕ ወጻኢ፡ ህዝባዊ ጠበቓ ኣብ ዝርከበሉ ኣጋጣሚ ውሳኔታቱ ከመሓላልፍ ክኽእል እዩ። ሓደ ዝተኸሰሰ ሰብ፡ ድሕሪ ሰዓታት ስራሕ፡ ህዝባዊ ጠበቓ ክምደበሉ እንተድኣ ክኢሉ፡ እቲ ናይ መርመራ ሕቶታት ኣቐዲምካ ክግበር ክከኣል …

Read More »

ሓደጋ ባርዕ ሊንሾፒን፡ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ

ትማሊ ለይቲ፡ ኣብ ከባቢ ስካጅቶርፕ (skäggetorp)፡ ሊንሾፒን፡ ሓደ መንበሪ ህንጻ ብሓደጋ ባርዕ ብምቅጻሉ፡ ፖሊስ ድማ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ክኸውን ይኽእል እዩ ብምባል ምጽራይ ከምዝጀመረ TT ሓቢሩ። ብላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ህንጻ ዝጀመረ ባርዕ ሓዊ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፡ ናብ ብዙሕ ክፍልታት ክልሕም ክኢሉ። ብምሉኦም ነበርቲ ካብቲ ህንጻ ተቐላጢፎም ከም ዝወጹ ስለዝተገብረ፡ ዝወረደ ሰብኣዊ ክሳራ ከምዘይነበረ ተሓቢሩ። ብሰንኪ እዚ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ፡ …

Read More »

ዳህሳስ፦ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ጉዳይ ክርክር ሞግዚትነት፡ ንህጻናት ሸለል ይብል ተባሂሉ

ኣብ መንጐ ወለዲ፡ ብጉዳይ ሞግዚትነት ክርክር ኣብ ዝለዓለሉ እዋን፡ ህጻናት ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝወሓደ ሓገዝ ከም ዝረኽቡ ኤኮት ዘዳለዎ ሓዲሽ ዳህሳስ ገሊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ከምዚ ዝበሉ ጉዳያት ኢዱ ካብ ምእታው ስለ ዝቑጠብ እዩ። እዚ ይኹን እምበር፡ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንጉዳይ ህጻናት ሸለል ከይበለ ኣቓልቦ ክህብ ከም ዝግባእ ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ።   ኣብ እዋን ክርክር ሞግዚትነት፡ …

Read More »

ኣብ ሓደ ከባቢ ዝርከቡ 30 ኣባይቲ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልታት ተሰሪቖም

ኣብ ሰሜን ሽወደን፡ ናይ ስርቂ ገበናት እናወሰኹ ይኸዱ ምህላዎም ክፍለጥ እንከሎ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ምምሕዳር ቬስትርቡተን፡ ካብ 10 ነሓሰ ክሳብ እዚ እዋን፡ ፖሊስ፡ 30 ናይ ስርቂ ጥርዓናት ከምተቐበለ ምሕባሩ SVT ኣቃሊሑ። ተቐማጦ እቲ ከባቢ፡ ኣጠራጣሪ ዝኾነ ምንቅስቓስ ክርእዩ እንከለዉ፡ ክሕብሩ ከምዘለዎም ፖሊስ ጸዊዑ። ብዙሓት ተቐማጦ ናይቲ ከባቢ ዝኾኑ ሰባት፡ ንሰረቕቲ ዝተጠቀምሉ ኣገባባት ዝሕብር መግለጺታት ዝጠርጠሩወን ዓይነት መካይን፡ ብፍላይ ናይተን ካብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com