Saturday , May 4 2024

ከቢድ ክሳራታት ዘውረደ ሓደጋ ባርዕ

ትማሊ ረቡዕ ለይቲ፡ ኣብ ከባቢ ማዮና (Majorna)፡ ዮቶቦሪ፡ ከቢድ ክሳራታት ዘውረደ፡ ኮነ ኢልካ ዝተሳወረ ተባሂሉ ዝንገረሉ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ ክብል TT ሓቢሩ።

እቲ ሓደጋ ባርዕ፡ ኣብ ሓደ ህንጻ ምስ ጀምረ ስዒቡ ድማ ናብተን ኣብቲ ከባቢ ዓሺገን ዝነበራ መካይን ልሒሙ፡ ኣብ ልዕሊ 15 መካይን ከቢድ ክሳራታት ከም ዘውረደን ገሊአን ድማ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነዋን ወሃብ ቃል ፖሊስ’ቲ ከባቢ ሓቢሩ።

ነበርቲ ናይ ዓሰርተ ኣብቲ ዝተቓጸለ ህንጻ ዝርከባ ኣፓርትመንታት፡ ተቐጢፎም ካብ መንበሪታቶም ብምውጻእ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሆቴል ተዓቚቦም ምህላዎም TT ብምውሳኽ ገሊጹ።

ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 1፡00 ናይ ለይቲ፡ ሓበሬታ ናይቲ ሓደጋ ምስ በጽሖ፡ 12 መካይን መጥፋእቲ ሓዊ ብምልኣኽ ነቲ ብሓይሊ ዝጀመረ ባርዕ ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣቱ ገይሩ።

ክሳብ ሕጂ፡ መበገሲ ናይቲ ባርዕ እንታይ ምዃኑ ዝፍለጥ እኳ እንተዘይኮነ፡ ፖሊስ፡ ካብ ሰዓት 3:00 ወጋሕታ ጀሚሩ፡ ቴክኒካዊ ምጽራይ ንምክያድ፡ መሰኻኽር ይሓትት ከምዘሎ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com