Saturday , May 4 2024

ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ጾታዊ ርክብ ንኽፍጽማ ይግደዳ ኣለዋ ተባሂሉ

ቤት ጽሕፈት ሽማግለ ከተማ ስቶክሆሎም ኣብ ዘካየዶ ሓድሽ ዳህሳስ፡ ቁጽሪ ናይተን ጾታዊ ርክብ ንኽንፍጽም ተገዲድና ዝብላ ደቂ ኣንስትዮ ይበዝሕ ከምዘሎ ሓቢሩ ክብል ስቬኒስካ ዳግብላደት ከምዘቃለሐ TT ሓቢሩ።

እቲ ዳህሳስ ከምዝሕብሮ፡ 5% ካብተን ኣብ 9ይ ክፍሊ ዝመሃራን፡ 8% ካብተን ኣብ 2ይ ዓመት  ናይ ማእከላይ ደረጃ (11 ክፍሊ) ዝመሃራን ደቂ ኣንስትዮ፡ ጾታዊ ርክብ ንኽፍጽማ ተገዲድና ከምዝብላ ሓቢሩ ኣሎ። ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ናይዚ ዓመት ዝተመዝገበ ቁጽሪ፡ ማለት 3%፡ ዝለዓለ ምዃኑ ገሊጹ።

ነዚ ኣብ ስቶክሆሎም ዝረአ ዘሎ ቅቡል ዘይኮነ ተግባራት ንምዕጋት እንታይ ክግበር ከምዝኽእል ክፈልጥ ብጣዕሚ እየ ዝደሊ ክትብል ሓላፊት ቤት ትምህርታት ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ኢዛቤላ ፓልመክፊስት፡ ገሊጻ።   


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com