Saturday , May 4 2024

ኣብ ሓደ ከባቢ ዝርከቡ 30 ኣባይቲ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልታት ተሰሪቖም

ኣብ ሰሜን ሽወደን፡ ናይ ስርቂ ገበናት እናወሰኹ ይኸዱ ምህላዎም ክፍለጥ እንከሎ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ምምሕዳር ቬስትርቡተን፡ ካብ 10 ነሓሰ ክሳብ እዚ እዋን፡ ፖሊስ፡ 30 ናይ ስርቂ ጥርዓናት ከምተቐበለ ምሕባሩ SVT ኣቃሊሑ።

ተቐማጦ እቲ ከባቢ፡ ኣጠራጣሪ ዝኾነ ምንቅስቓስ ክርእዩ እንከለዉ፡ ክሕብሩ ከምዘለዎም ፖሊስ ጸዊዑ። ብዙሓት ተቐማጦ ናይቲ ከባቢ ዝኾኑ ሰባት፡ ንሰረቕቲ ዝተጠቀምሉ ኣገባባት ዝሕብር መግለጺታት ዝጠርጠሩወን ዓይነት መካይን፡ ብፍላይ ናይተን ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተመዝገባ፡ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝመስረትዎ ጉጅለታት፡ ሓበሬታታት ክለዋወጡ ተራእዮም።

ካብ ህዝቢ ብዙሕ ዓይነት ምኽርታት ይመጹና እዩም። ንገለ ካብቶም ምኽርታት፡ ብቐጥታ ክንነጽጎም እንከለና፡ ገሊኦም ግን ብጣዕሚ ጠቐምቲ ዝኾኑ ምኽርታት ብምስዳዶም ይሕጉዝና እዮም ክብል ሓላፊ ፖሊስ’ቲ ከባቢ፡ ላሽ ቬስተርማርክ፡ ገሊጹ።  

ንዝጠርጠርካያ መኪና ብዘይ ፍቓድ ክትስእል ምፍታን ሓደገኛ’ዶ ኣይኮነን ንዝብል ሕቶ፡ ቬስተርማርክ፡ እቲ ስእሊ ናብ ፖሊስ ጥራይ እንተሰዲድካዮ ሓደገኛ ኣይኮነን ክብል መሊሱ።

እቶም ሰረቕቲ፡ መኾስተርን ካልእ ናይ ጽሬት መሳርሒታትን ሒዞም ኣብ ቅድሚ ክሰርቅዎ ዝመደቡ ኣባይቲ ብምንቅስቓስ ሰባት ከምዘታልሉ፡ ሓደ ካብቶም ናብ ፖሊስ ዝበጽሑ ናይ ህዝቢ ምኽርታት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com