Saturday , May 4 2024

ሓደጋ ባርዕ ሊንሾፒን፡ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ

ትማሊ ለይቲ፡ ኣብ ከባቢ ስካጅቶርፕ (skäggetorp)፡ ሊንሾፒን፡ ሓደ መንበሪ ህንጻ ብሓደጋ ባርዕ ብምቅጻሉ፡ ፖሊስ ድማ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ክኸውን ይኽእል እዩ ብምባል ምጽራይ ከምዝጀመረ TT ሓቢሩ።

ብላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ህንጻ ዝጀመረ ባርዕ ሓዊ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፡ ናብ ብዙሕ ክፍልታት ክልሕም ክኢሉ። ብምሉኦም ነበርቲ ካብቲ ህንጻ ተቐላጢፎም ከም ዝወጹ ስለዝተገብረ፡ ዝወረደ ሰብኣዊ ክሳራ ከምዘይነበረ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ እዚ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ፡ ገለ ካብቶም ክፍልታት ክትነብረሎም ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ ይርከቡ። ተቐማጦ ናይቲ ህንጻ፡ ሓገዝ ንኽረኽቡ፡ ምስታ ወናኒት ናይቲ ህንጻ ዝኾነት ኩባንያ ብተሌፎን ይራኸቡ ኣለዉ ክብል ሓላፊ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ሊናርት ኦግሪን፡ ሓቢሩ።

ኣሃዱታት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ኣብ እዋን ለይቲ፡ ነቲ ባርዕ ከጥፍእዎ’ኳ እንተኸኣሉ፡ ትኪ ግን፡ ክሳብ ሎሚ ንግሆ ዒግ ክብል ከምዝሓደረ ምንጭታት ይሕብሩ።

ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ህንጻ፡ ተባራዒ ባእታ ዝሓዘት መኻዚኖ ስለዝነበረት፡ እቲ ትኪ ንቁሩብ እዋን ዒግ ክብል ከምዝኽእል፡ ኦግሪን፡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com