Friday , May 3 2024

ሓንቲ ዓለም፣ቋንቋን ዘረባን (language and speech)

ኣማኑኤል ሳህለ

ቋንቋ ኪብሃል ከሎ ሓፈሻዊ ናይ ሓበሬታ ምትሕልላፍ ሜላ እዩ። እዚ ድማ ብምንቅስቓስ ኢድን ካልእ ክፍሊ ኣካላትን፡ ብመልክዕ ስእልን፡ ብሽታን፡ ብሓጸርቲ ድምጽታትን፡ ካብ ኣፍ ካብ ዚወጽእን ኣገባብ እተኸተለን ድምጺ (ዘረባ) ወዘተ ይትግበር።

ዘረባ (speech) ኪብሃል ከሎ ግን ናይ ቋንቋ ዝለዓለ ደረጃ ኾይኑ ኣብ ወድሰብ ጥራይ ዚርከብ ብናውቲ ኣፍን በቲ ዚቆጻጸሮክፍሊ ሓንጎልን ዚኽሰት ድምጻዊ ተርእዮ እዩ።

ወዲሰብ በቲ ካብ ጎረሮ ዚብገስ እተፈላለየ ድምጽታት ብምውሳእ መልእኽቲ ከተሓላልፍ ዝጀመረ ካብ ኣስታት 500 ሽሕ

ዓመታት ኣይበዝሕን እዩ። ቅድሚኡ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ብናይ ገጽን ኣእዳውን ምንቅስቓስ፡ ብሓጸርቲ ድምጽታት ገይሩ እዩ መልእኽቱ ዘመሓላልፍ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ እዩ፡ ህጻናት ካብቲ ናይ ኣፍ ቋንቋ ንላዕሊ ነቲ ናይ ኣካላዊ ቋንቋ (bodylanguage) ዝያዳ ኣተኩሮ ዚህቡዎ፡ ከመይሲ ካብ ኣፍኣዊ ቋንቋ ንላዕሊ እቲ ኣካላዊ ቋንቋ እዩ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎን ኣብ እእምሮ ሰብ ድማ ብፍሉይ መልክዕ ዝሰረጸን።

ቋንቋ ኪብሃል ከሎ፡ ዝኾነ ዓይነት ናይ መልእኽቲ መተሓላለፊ መሳርሒ እዩ። ናይ ኣእዳው ምንቅሳቕስ፡ ሓጸርቲ ድምጽታት፡ ናይ ገጽ ምልውዋጥ፡ ኣካላዊ ሕብርታት ብምልዋጥ፡ ፍሉይ ኣካላዊ ሽታ ብምዝርጋሕ፡ ብምዝርጋሕን ብምጭባጥን ኣካላት፡ ከምኡውን ብእተፈላለዩ መሳርሒታት ዚፍጠር እተፈላለየ ድምጽታት ብምግባር ወዘተ ዚመሓላለፍ ሓበሬታ ቋንቋ ይብሃል ።በዚ መሰረት እዚ፡ ኩሉ ፍጡር (ካብ ኣሜባ ጀሚርካ ክሳዕ ኣታኽልትን እንስሳታትን ሰብን)፡ ብእተፈላለየ መገዲ፡ ቋንቋ የዘውትር እዩ ክንብል ንኽእል።

ሓደ ከልቢ፡ ንሓደ ኣብ ትሕቲ ኦም ወይ ኣብ ገለ ኣእማን ዚረኽቦ ናይ ካልእ ከልቢ ተረፍ ሽንቲ ደጋጊሙ ኪሽትቶ ከሎ፡ ነቲ

ብናይቲ ካልእ ከልቢ ”ኣተጻሕፈ”  ሓበሬታ የንብቦ ኣሎ ማለት እዩ። ገለ ሊቃውንቲ ከም ዚብሉዎ፡ እቲ ዝሽትት ዘሎ ከልቢ፡ ነቲ ሽንቲ ብምሽታት ጥራይ፡ ነቲ ናይቲ ሽንቲ ወናኒ ከልቢ እንታይነት፡ ማለት ጾታኡ፡ ወሲባዊ ድልውነቱ፡ ሚዛኑ፡ ግዝፉ፡ መኣስ ከም ዝሸኖ፡ ወዘተ ”ከንብብ” ይኽእል።

ዘረባ (speech) ኪብሃል ከሎ ግን፡ ኣብ ወድሰብ እተሓጽረ ፍሉይ ናይ መራኸቢ ዓቕሚ እዩ። ዘረባ፡ ካብቲ ብሳንቡእ ዚረኽቦ ኣየር ድፍኢት ብምርካብ፡ ካብ ጎረሮ ነቒሉ ብሓገዝ መልሓስን ትንሓግን ስንን ከናፍርን ኣፍንጫን ተሰኒዩ፡ ብናይ ሓንጎል ቁጽጽር ተወሃሂዱን ተመስሪሑን ዚወጽእ እተሓላለኸን ጽንኩርን ረቂቕን መልእኽቲ ዘሕልፍ መሳርሒ እዩ። ንሰብ ካብ እንስሳ ካብ ዚፈልዩዎ ዓበይቲ ነገራት፡ ምዝራብ ሓደ እዩ። ብዘይካ ሰብ ኪዛረብ ዚኽእል ካልእ ፍጡር የልቦን።

ገለ እንስሳታት፡ ብሰብ ስልጠና ተዋሂቦም፡ ኪዛረቡ ይፍትኑ እዮም፡ ንኣብነት ገለ ጎሪላታት ወይ ቺምፓንዚ (ህበይ)። እንተኾነ፡ እዚኣቶም በዞም ዚስዕቡ ኽልተ ምኽንያት ኪቕጽሉ ኣይክእሉን፥

1. እቲ ናይ ኣፎም ናውቲ ከምኡውን ጭዋዳታት ንፍሉይን ውሑድን ድምጽታት እንተ ዘይኮይኑ ኣይሰርሕን እዩ።

2. እቲ ኣብ ሓንጎል ኮይኑ ንኣፍኣዊ ቋንቋ ዚከታተልን ንናይ መዛረቢ ጭዋዳታት ዚቆጻጸርን ክፍሊ፡ ኣብ እንስሳታት የሎን።

ስለዚ፡ እንስሳታት (ከም ባባጋሎ፡ ጎሪላ) ምናልባት ገለ ቃላት ይደግሙ ይኾኑ፡ ወይ ድማ ይፍትኑ ይኾኑ፡ ግን ኣዚዩ ድሩትን፡ ንረቐቕቲ ነገራት ኪገልጽ ብዘይክእል መገድን ጥራይ እዩ።

ናይ ወድሰብ ቋንቋ፡ ማለት ከም ሓበሬታ መተሓላለፊ ዚጥቀመሉ መሳርሒ፡ ተመሳሳሊ እዩ ክንብል ንኽእል። ስለዚ ድማ ኣብ ዘይንፈልጦ ህዝቢ ኣቲና እውን ብገለ ድምጽን ብናይ ኣካላትን ገጽን ምንቅስቓስን ሓሳባትና ከነመሓላልፍ ንኽእል ኢና።

ከምቲ ሓደ ሰብ ኣብ ሃገር ቻይና ከይዱ ኣብ ቤትመግቢ ምስ ኣተወ መግቢ ምእዛዝ ጸጊሙዎ፡ ነቲ ኣሰላፊ ጸዊዑ፡ ኣእዳዉ ናብ ኣፉ እናኣመልከተ፡ ኪኪሪኪ ዚብል ናይ ደርሆ ድምጺ ምስ ኣስመዐ፡ እቲ ኣሰላፊ ብወገኑ ዉ ዉ ዚብል ናይ ከልቢ ድምጺ ኣስሚዑዎ። ጸብሒ ደርሆ የብልናን፡ ጸብሒ ከልቢ እዩ ዘሎና ማለቱ እዩ።

ቋንቋ ከም ዩኒቨርሳላዊን ንኹሉ ፍጡር ዚምልከትን መተሓላለፊ ሓበሬታ፡ ተመሳሳልነት ኪህሉዎ ከሎ፡ ናይ እተፈላለዩ ህዝብታትን ዓሌታትን ቀቢላታትን ዘረባ ግን ኣይመሳሰልን እዩ። ሓደን ጥሙርን ኮይኑ ዝነበረሉ እዋን እውን ኣይነበረን። ኩሉ ሰብ፡ ኣብ ዘዝነበረሉ ጀዮግራፊያዊ ቦታ፡ ነናቱ ዘረባ ኣማዕቢሉ እዩ። ገለ ዓሌታት’ውን ነቲ ምስ ካልኦት ዘራኽቦም ዝነበረ ሓባራዊ ዘረባ ብፍላጥ ይልውጡዎ ነይሮም እዮም፡ ከምዚ መግበሪኦም ድማ፡ ንበይኑ ማሕበረሰብ ብምፍጣር ምስጢራቶም ኪሕለወሎምን ካብ ጸላኢ ኪዕቀቡን ስለ ዝደለዩ እዩ።

በዝን ክንድዝን ድማ እቲ ዘረባዊ ቋንቋ እናተፈላለየ ከይዱ። ከምቲ ዩኒቨርሳላዊ ወይ ሓባራዊ ባህሊ ዚብሃል ዘየልቦ፡ ዩኒቨርሳላዊ ወይ ሓባራዊ ዘረባ ከኣ የልቦን።

ነዚ ክስተት እዚ ኣብ መንእሰያት ከይተረፈ ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ናትካ ዘረባ ምፍጣር ብጥንቲ ናይ መንነት መደልደሊ እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ኩሉ ናይ ዓለም ሕብረተሰብ እንተ ተመልኪትና፡ እቲ በቶም ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ዘለዉ ሓለፍትን ኣካየድትን ዚዝረብን፡ እቲ በቶም መንእሰያት ዚዝረብ ላህጃዊ ዘረባን ዓቢ ፍልልይ ከም ዘለዎ ንርእይ። እዚ ድማ ብፍላጥ ዚግበር ነገር እዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ጓሶት፡ ካብቲ ሕብረተሰብ ፍልይ ንኺብሉ፡ ናታቶም ፍልይ ዝበለ ላህጃ ከም ዚፈጥሩ ሰብ ገጠር ይፈልጡ እዮም።

እቲ ንዘረባን ቋንቋን ዚቆጻጸር ክፍሊ ሓንጎልና፡ ብሮካ አረያ ኢዩ ዚብሃል። እዚ ክፍሊ ሓንጎልና እዚ ብገለ መገዲ ምስ ዚንካእ ወይ ምስ ዚጉዳእ፡ ክንዛረብ ኣይንኽእልን፡ ወይ ድማ ዘረባና ይኮላተፍን ይሰባበርን። ንኣብነት ሓደ ሰብ ብኣልኮላዊ መስተ ምስ ዚሰክር ዘረባኡ ይኮላተፍ እዩ። ከምዚ መኾኒኡ ድማ፡ እቲ ንዘረባ ዚቆጻጸር ክፍሊ ሓንጎል (neurons)፡ ብሰንኪ ኣልኮል፡ ስርሑ ብስርዓት ኣየካይድን ኣሎ ማለት እዩ።

ብገለ ሓደጋ፡ ኣብ ርእሶም ማለት ኣብቲ ናይ ዘረባ ክፍሊ ሓንጎሎም እተሃርሙ ሰባት፡ ኪዛረቡ ከም ዘይክእሉ፡ ወይ ኮልተፍተፍ ከም ዚብሉ፡ ኣብ ሕክምና ዓለም ፍሉጥ ተርእዮ እዩ።

ግን ከኣ፡ ብዘይካ ኣልኮልን መጕዳእትን፡ እቲ ናይ ዘረባ ክፍለ-ሓንጎልና፡ ብኻልእ ምኽንያት እውን ኪጽሎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ገለ ሰብ ዛር፡ ወይ ጠንቆልቲ፡ ወይ ድማ ነቲ ጥንታዊ ሃይማኖቶም ብዳንኬራን ሳዕስዒትን ከበሮን ጭራሕምራሕን ኣሰንዮም ብኣእምሮኦም ምስ ኣምላኾም ኪራኸቡ ዚደልዩ ሰባት፡ ብምኽንያት ብርቱዕ ስምዒት ብዘጋጥም ናይ ውኖ ምጥፋእ (trance)፡ እቲ ናይ ዘረባ ክፍለ-ሓንጎሎም ይትንከፍ ስለ ዝኾነ፡ ዘይስማዕ ወይ መትሓዚ ዘይብሉ ቃላት የውስኡ እዮም። እዚ ኩነት እዚ ብሳይኮሎጂ፡ ግሎሶላሊያ (glossolalia) ይብሃል። ከምዚ ዝበለ ንጥፈታት፡ ኣብ ብዙሓት ባህላውያንን ማሪታውያንን ሃይማኖታዊ ቅዳሴታትን ስብከትን (ኣብ ገሊኡ ዘመናዊ ሃይማኖት’ውን ከይተረፈ) ኣዚዩ ዝውቱርን ፍሉጥን እዩ።

ናይ ዘረባ ተኽእሎ ክስተት፡ ንወድሰብ ካብ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ኣድሒኑዎ እዩ። ነቲ ብኣእዳውን ገጽን ብሓጺር ድምጽታትን ዘተግብሮ ዝነበረ ናይ ሓበሬታ ምትሕልላፍ ንጥፈት፡ ከይተንቀሳቐሰ፡ ኮፍ ኢሉ ይኹን ወይ ኣብ ዓራቱ ኮይኑ፡ ወላ`ውን ኣብ ዘይረኣየሉ ቦታ ኮይኑ፡ መልእኽቱ ከመሓላልፍ ኣኽኢሉዎ እዩ።

ወድሰብ፡ ቀሊል መልእኽቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ እተሓላለኸን ረቂቕን ፍልስፍናውን ሳየንሳውን መልእኽቲ ከተሓላፍን ከሰጋግርን ብምኽኣሉ (ከምኡውን ነቲ ዘረባኡ ብጽሑፍ ከቕርቦ ብምኽኣሉ)፡ እነሆ፡ ኣብዚ ግዜና እዚ ኣብቲ ዝለዓለ ናይ ስልጣነ ደረጃ በጺሑ ንርእዮ ኣሎና።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com