Saturday , May 4 2024

ኣብ መዋእለ ህጻናት፡ ዕጸ-ፋርስ ተረኺቡ

ኣብ መውዓሊ ህጻናት ዝኾነ ጀራዲን ናይ ብርክት ዝበላ ኣብ ሶደርታልያ ዝርከባ መዋእለ ህጻናት፡ ዕጸ-ፋርስ ዝሓዘ ሑጻ ዝመልአ ሰናዱቕ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ተቐቢሩ ምጽንሑን ብሰራሕተኛታት ቤት ትምህርቲ ከምተረኽበ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ጸገም ኣብ መላእ ምምሕዳር ሶደርታልያ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት’ታ ምምሕዳር ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ከም በዓል ግሩሶሰን (Grusåsen)፡ ምዕራብ ግኔታን (Geneta) ብሩንሴንግን (Brunnsäng) ዝኣመሰሉ ከባቢታት ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ዕጸ-ፋርስ ከምተረኽበ ይፍለጥ።

ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ነቲ መውዓሊ ህጻናት ዝኾነ ጀራዲን ንምሕላው፡ ብመንገዲ ምምሕዳር፡ ተወሰኽቲ ክልተ ዋርድያታት ከምተቖጽሩ ይፍለጥ። ናይ መቆጻጸሪ ካሜራታት ውን ከም ተወሳኺ ተተኺለን ኣለዋ።

ምምሕዳር ሶደርታልያ፡ ኣብ ግዜ ቀውዒ፡ ነቲ ጸገማት ንምፍታሕ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com