Saturday , May 4 2024

ካብቲ ንሓገዝ ዝወሃብ ገንዘብ፡ ቤት ማእሰርታት ንኽህነጹ፡ ኢባ ቡሽ፡ ትጽውዕ

ሽወደን፡ ንብዙሓት ሃገራት ብመልክዕ ገንዘብ ሓገዝ ከም እትህብ ዝፍለጥ እዩ። ምስተን ሓገዝ ሽወደን ዝወስዳ ሃገራት ፍሉይ ስምምዕ ንኽትገብር፡ ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራትና፡ ኣብ ዘመሓላለፈ ሓድሽ እማመ ሓቢሩ። ገለ ክፋል ካብቲ ንሓገዝ ተባሂሉ ዝተዋህበ ገንዘብ፡ መስርሒ ሓደስቲ ህንጻታት ቤት ማእሰርቲ ንክኸውን፡ እቲ ሓድሽ እማመ ይሕብር። በዚ ድማ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ሽወደን ገበናት ዝፍጽሙ ወጻእተኛታት፡ ናብተን ሃገራት ብምስዳድ፡ ናይ ማእሰርቲ ግዜኦም ኣብኡ ንኸሕልፍዎ ዘኽእል እዩ። ዕላማ ናይዚ እማመ፡ ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርታት ዝረአ ዘሎ ዕልቕልቕ ንምምቅላል እዩ ክትብል ኢባ ቡሽ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢራ።

ቤት ማእሰርታት ሽወደን፡ ብብዝሒ ገበነኛታት ኣዕለቕሊቑ ብምህላዉ፡ ኣስታት 30% ካብዞም ገበነኛታት ድማ ወጻእተኛታት እዩም። ስለዝኾነ ድማ፡ እዞም ገበነኛታት፡ ናይ ማእሰርቲ ግዜኦም ኣብ ሃገሮም ከሕልፍዎ ይግባእ ዝበለት ቡሽ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ናይዞም እሱራት ንኸየጋጥም፡ ዝግባእ ምክትታል ክግበር ከምዘለዎ፡ ገሊጻ።

እዞም ገበነኛታት ዝኾኑ ወጻእተኛታት፡ ናብቲ እንተ ተምሊሶም ንሂወቶም ኣስጋኢ እዩ ዝብልወን ከም ሶማልን ኣፍጋኒስታንን ዝኣመሰላ ሃገራት ብግዴታ ከም ዝምለሱ ክኾኑ ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ቅድሚ ኣብ ሽወደን መጺኦም ገበናት ምፍጻሞም፡ ክሓስሉ ዝግበኦም ዝነበሩ ብምዃኑ ክትብል ቡሽ ዘረባኣ ዛዚማ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com