Friday , May 17 2024

ካብዝን ካብትን

ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ሕክምናዊ ቆጸራታተን ኣብኲረን

ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ ጡብ መንሽሮ መርመራ ንኽካይዳ ሒዘንኦ ኣብ ዝነበራ ቆጸራ ከምዘይተረኽባ ብምሕባር፡ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን መጺአን መርመርአን ከካይዳ፡ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ጸዊዑ ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። መብዛሕትአን ኣብ ቆጸረአን ዘይተረኽባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብኮሮና ቫይረስ ንኸይልከፋ ስለ ዝፈረሃ እየን ክብል ኣብ ምምሕዳር ሃላንድ፡ ሓላፊ ክፍሊ ኤክስሬይ፡ ኢንገር ሃሊን፡ ገሊጹ። ኣብ እዋን ቅልውላው ቫይረስ …

Read More »

ኣባል SD ዝኾነ ፖለቲከኛ፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ሒዙ ብምጽንሑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ

ኣባል ሰልፊ SD ን ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ስቶክሆልም ዝኾነ ፖለቲከኛ፡ ዘይሕጋዊ ኣጻዋር ሒዙ ብምጽንሑ፡ ፖሊስ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዎ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ገዛ እዚ ፖለቲከኛ፡ ፖሊስ፡ እንተዋሓደ ሓደ ብረት ከምዝረኸበ ሓቢሩ ክብል ጋዜጣ ዳጊንዝ ኒሂተር ኣረጋጊጹ። ቤት ፍርዲ፡ ትማሊ ምስቲ ፖለቲከኛ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣቱ ገይሩ። እዚ ፖለቲከኛ፡ ኣብዛ ቤት ፍርዲ ንነዊሕ ዓመታት ስለዝሰርሐ፡ ጉዳዩ ናብ …

Read More »

ፖሊስ ማልመ፡ ነቶም ኣብ እዋን ናዕቢ፡ ኣብ ጎድኖም ደው ዝበሉ ነበርቲ ሞጒሶም

ቅድሚ ክልተ ቅነ፡ ኣብ ሮዘንጎርድ፡ ድሕሪ እተፈጸመ ምቅጻል ቁርኣን ኣብ ዘሰዓቦ ናዕቢ፡ ብርክት ዝበሉ ተቐማጦ ማልመ፡ ኣብ ጎድኒ ፖሊስ ደው ምባሎም ተሌቪዥን ሽወደን ኣረጋጊጹ። ኣነ ኣባል ናይዚ ማሕበረኮም ከም ምዃነይ መጠን፡ ኢደይ ጠሚረ ክርኢ ኣይክእልን እየ ክብል ኢብራሂም እተባህለ ሰብ ብቐዳም ን ኣገልግሎት ዜና SVT ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ኢብራሂምን ዮሱፍ ዝተባህለ ሰብን፡  ናዕቢ ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ …

Read More »

ኣብ ዓመተ 2021፡ መጠን ክራይ ኣባይቲ ክውስኽ እዩ ተባሂሉ

ኣብ ዓመተ 2021፡ መጠን ክራይ ኣባይቲ፡ ብ2.5% ክውስኽ ተኽእሎታት ከምዘሎ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ወነንቲ ዘይተንቀሳቓሲ ንብረት ንምኽርታት፡ ሃገራዊ ውድብ ወነንቲ ዘይተንቀሳቓሲ ንብረት፡ ብምጥቃስ ገሊጾም። ነዚ ብዝምልከት፡ ብደረጃ ምምሕዳራት ዘተ ተጀሚሩ’ኳ እንተሃለወ፡ እቲ ዘተ ብደረጃ ሃገር ክቅየር ከምዝኽእል እቶም ወነንቲ ገሊጾም ክብል TT ሓቢሩ። ኩነታት ክራይ ኣባይቲ ንምውሓስን ተኽእሎታት ምህናጽ ሓደስቲ ዘይተንቀሳቐስቲ ንብረት ንምዕዛዝን፡ መጠን ክራይ ገዛ፡ ምስ ገንዘባዊ ናይ ምግዛእ …

Read More »

ደለይቲ ስራሕ፡ ናብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ይዋፈሩ::

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 2020፡ ኣስታት 475 000 ምዝጉባት ደለይቲ ስራሕ ከምዝነበሩን እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ 2019 ክነጻጸር ከሎ ኣስታት 126 000 ዝያዳ ደለይቲ ስራሕ ከምተመዝገቡ፡ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሽወደን ይሕብሩ።  እዚ ድማ ሽቅለት ኣልቦነት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካብ 7% ናብ 9.1 % ከምዝውስክ  ጌርዎዩ። ከፋፊልካ ምስ ዝረኣይ፡ ኣስታት 72 000 ደለይቲ ስራሕ መናእሰያት ምኻኖም …

Read More »

ግላዊ ደገፍ (Personliga assistenter) ዝህቡ ሰራሕተኛታት፡ ወሰኽ ደሞዝ ረኺቦም ተባሂሉ

ካብ ዝቕጽል ዓመት ጀሚሩ፡ ግላዊ ደገፍ ዝህቡ ሰራሕተኛታት፡ ስሩዕ ክፍሊት ኣበሎም ብ3.5% ክውስኽ ምዃኑ ተሓቢሩ። እዚ ወሰኽ፡ ነቲ ናይ መገሻ፡ ምምሕዳራውን ውሕስነትን (ኢንሹራንስ) ወጻኢታትን ንኽሽፍን ተባሂሉ ዝኽፈል ዘሎ ምዃኑ ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ። መንግስቲ ሽወደን ምስ ሰልፍታት ማእከልን ሊበራልን ብምዃን ነቲ ውሳነ ከም ዝተሰማምዕሉ ተፈሊጡ ኣሎ።    ግላዊ ደገፍ ዝህቡ ሰራሕተኛታት፡ ከምቲ ንኻልኦት ሰራሕተኛታት ዝግበር ወሰኽ ደሞዝ፡ ንነዊሕ ዓመታት፡ ወሰኽ ደሞዝ …

Read More »

ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝግበር መገሻ፡ ፍቑድ ምዃኑ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ሓቢሩ

ካብ ሎሚ ዕለት 14/09/2020 ጀሚሩ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝግበር መገሻ፡ ፍቑድ ምዃኑ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ከምዝሓበረ TT ገሊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ነቶም ካብ ሽወደን ዝመጽዋ በጻሕቲ፡ ካብ መስርሕ ውሸባ ነጻ ምዃኖም ድሕሪ ምሕባራ ምዃኑ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ናብ ኣንዶራ፡ በልጂም፡ ቡልጋርያ፡ ሳይፕረስ፡ ዴኒማርክ፡ ፈረንሳ፡ ግሪኽ፡ ኣይስላንድ፡ ዓዲ ጣልያን፡ ክሮኤሽያ፡ ሌሽተንስታይን፡ …

Read More »

ፒኤስጂ ሰለስተ ነጥብን ሰለስተ ተጻወትን ትኸስር

ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ገለ ካብ ዓበይቲ ሊጋት ከም ፕሪመር ሊግ ኢንግሊዝ፣ ላሊ ጋ ስጳኛ ከምእውን ሊግ ሓደ ፈረንሳ ውድድራት ዝዓመት ዝፈለሙን ዘተካየደን ኾይኑ ዝተፈላለየ ኣደናቅን ኣገራምን ውጺኢት ኣመዚጊቡ ይርከብ። ኣብ ውድድር ፕሪመርሊግ ብግጥም ኣርሰናል ፉልሃምን ዝተኸፍተ ኮይኑ ኣርሰናል ብ ዓብላልነት ጸወታ ነታ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ናብ ፕሪመር ሊግ ዝተመልሰ ጋል ከተምኣ ፉልሃም 3 ብ 0 ብምርታዕ ጉዕዞ ውድድር እዚ ዓመት …

Read More »

16 ተማሃሮን መምህራንን ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ፡ ተገምጢላ

ሎሚ ንግሆ፡ ሰዓት 7:44፡ ካብ ኦረብሮ ውጽእ ኢልካ ዝርከብ፡ ላና ኣብ ዝበሃል ኣከባቢ፡ ሓደጋ ናይ ትምህርቲ ኣውቶቡስ ከምዘጋጠመ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። እታ 16 ናይ ማእከላይ ደረጃ ተመሃሮን መምህራንን ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ናይ ትምህርቲ ኣውቶቡስ ካብ መንገዲ ድሕሪ ምውጻእ ከምተገምጠለትን ሽዑንሽዑ ድማ ኣባላት ህጹጽ ረዲኤት ሓበሬታ ከምዝበጸሖምን ተፈሊጡ። እታ ኣውቶቡስ፡ ብሸነኽ ማዕጾ ስለዝተገምጠለት፡ ኣባላት ህጹጽ ረድኤት፡ ነቶም ተሳፈርቲ ብመስኮት ናይታ መኪና …

Read More »

ፍሉይ መደብ 50 ደቒቕ 12 መስከረም 2020

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com