Saturday , May 4 2024

ፒኤስጂ ሰለስተ ነጥብን ሰለስተ ተጻወትን ትኸስር

ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ገለ ካብ ዓበይቲ ሊጋት ከም ፕሪመር ሊግ ኢንግሊዝ፣ ላሊ ጋ ስጳኛ ከምእውን ሊግ ሓደ ፈረንሳ ውድድራት ዝዓመት ዝፈለሙን ዘተካየደን ኾይኑ ዝተፈላለየ ኣደናቅን ኣገራምን ውጺኢት ኣመዚጊቡ ይርከብ።

ኣብ ውድድር ፕሪመርሊግ ብግጥም ኣርሰናል ፉልሃምን ዝተኸፍተ ኮይኑ ኣርሰናል ብ ዓብላልነት ጸወታ ነታ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ናብ ፕሪመር ሊግ ዝተመልሰ ጋል ከተምኣ ፉልሃም 3 ብ 0 ብምርታዕ ጉዕዞ ውድድር እዚ ዓመት ብጹቡቅ ፈሊማቶ ትርከብ። ቀጺሉ ካብ ዝተኻየደ ጸወታ ናይ ዓሚ ክብራ ንምዕቃብ  ምስ ኣብዚ ውድድር ጽቡቅ ስም ዝነብራ ግን ምስ ወረደት ድሕሪ ክንዳይ ዝተመልሰት ሊድስ ዩናይትድ ብ ኣንጻባራቃዊ ብቅዓት ን ቻምፒዮን ሊቨርፑል ብምምካት ብጸቢብ 4 ብ 3 ዝተሳዓረትሉን ን ክለብ ሊቨርፑል ዳግማይ መሳርዓ ክትፍሽን ዘለዋ ሃጋፋት ከትመልእ መልእክቲ ዘመሓላለፈትሉ ግጥም ኮይኑ ሓሊፉ። ካልእ ተጠማቲ ጸወታ ቶተንሃምን ኤቨርተን ክኸውን ከሎ፣ ሎሚ ዓመት ብሙኹር ዓላሚ ካርሎስ ኣንቸሎቲ ዳግማይ ተሓዲሳ ዘሎ ኤቨርትን ካብ እተን በዳህቲ ክለብ ኮይኑ ኣብ መኽፈቲ ን ክለብ ቶተንሃም ፈላሚ 3 ነጥቢ ዘኸስረትሉን፣ ን ሰልጣኑ መሪኖ ኣብ ታሪኹ ኣብ መኽፈቲ ጸወታ ፈላሚ ስዕረት ዝቀሰሙሉ ዝኾነሉ እዩ።

ኣብ ላሊ ጋ ዓበይቲ ጋንታታት ሪያል ማድሪድን ባርሶሎናን ግጥማተን ኣብ ዝተሰጋገረሉ ቫለንሽያ ን ለቫንተ 4 ብ 2፣ ርያል ቫላዶሊ ምስ ሪያል ሶሰይዳ 1 ብ 1፣ ረያል ቤትስ ኣብ ልዕሊ ዲበርቲቮ ኣላቩስ ድማ 1 ብ 0 ብምዕዋት ውድድራተን ፈሊመን።

ካልእ ኣገራሚ ጸወታ ኣብ ሊግ 1 ፈረንሳ ዝተኻየደ ኮይኑ ንሱ ድማ ቻምፒዮን ክለብ ፒኤስጂ ምስ ማርሰይ ኣብ ዝነብረ ጸወታ ኣብ ታሪኽ እዚ ሊግ ታሪኽ ሰኒዱ ሓሊፉ።  እዘን ክለተ ክለብ ቀንዲ መተሃላልኽቲ ሊግ ፈረንሳ ኮይኑ ኣብ ቀዳማይ ግጥማ ብስንኪ ኮሮና ቫይረስ ቡሉጻተ ተጻወቲ ዝኸሰረ ኣሰልጣኒ ቱሸል ብ ካብ ተሓተዋይ ዲቪዝዮን ዝደየበት ክለብ ለንስ ሰለስተ ነጥቢ ከሲሩ እዩ ናብ ግጥም ምስ ማርሴ ዝኣተወ። ኣብዚ ከቢድ ጸወታ ዝተኻየደሉ ግጥም ብድምር ካብ ክልትኤን ጋንታታት 13 ብጫ መጠንቀቅታ ክወሃብ ከሎ ነይማር ዝርከቦም 3 ተጻወቲ ካብ ፒኤስጂ 2 ካብ ማርሴ ብቀይሕ ተባሪሮም ን ክለብ ፔስጂ ድማ ካብ ክለተ ጸወታታት ብ ባዶ ነጥቢ ኣብ መበል 18 ደረጃ ትርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com