Monday , May 13 2024

16 ተማሃሮን መምህራንን ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ፡ ተገምጢላ

ሎሚ ንግሆ፡ ሰዓት 7:44፡ ካብ ኦረብሮ ውጽእ ኢልካ ዝርከብ፡ ላና ኣብ ዝበሃል ኣከባቢ፡ ሓደጋ ናይ ትምህርቲ ኣውቶቡስ ከምዘጋጠመ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ።

እታ 16 ናይ ማእከላይ ደረጃ ተመሃሮን መምህራንን ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ናይ ትምህርቲ ኣውቶቡስ ካብ መንገዲ ድሕሪ ምውጻእ ከምተገምጠለትን ሽዑንሽዑ ድማ ኣባላት ህጹጽ ረዲኤት ሓበሬታ ከምዝበጸሖምን ተፈሊጡ። እታ ኣውቶቡስ፡ ብሸነኽ ማዕጾ ስለዝተገምጠለት፡ ኣባላት ህጹጽ ረድኤት፡ ነቶም ተሳፈርቲ ብመስኮት ናይታ መኪና ከምዘውጽእዎም ሓላፊት ኣሃዱ ህጹጽ ረድኤት፡ ኒና ቢጋሎ፡ ገሊጻ።

ሓደ ተማሃራይ ጥራይ መጉዳእቲ ወሪድዎ፡ እቶም ዝተረፉ ግን ብሰላም ወጺኦም ክብል ዋሃብ ቃል ፖሊስ፡ ከነስ ዮሃንሰን ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com