Friday , May 17 2024

ካብዝን ካብትን

ኣብ ሽወደን ዝርከባ ኣብያተ ሲኔማታት ክኽፈታ እየን ተባሂሉ

ኣብ መብዛእትኡ ከባቢታት ሽወደን ዝርከባ ኣብያተ ሲኔማታት ከምተኸፍታን፡ እንተኾነ ግን ዋሕዲ በጻሕትን ዓበይቲ ኣሜሪካውያን ፍልሚታትን ኣጋጢምወን ከምዝርከብ ክብል መርበብ ሓበሬታ TT ሓቢሩ። ኣብ ኣደራሻት ኣብያተ ሲኔማታት፡ ልዕሊ 50 ሰባት ከነአንግድ ክንጅምር ኣለና ክብል ኣካያዲ ስራሕ ኣብያተ ሲኔማታት ሽወደን፡ ፒተር ፎርንስታም፡ ገሊጹ። ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምግታእ ተባሂሉ፡ ኣብያተ ሲኔማታት ኣፍደገታተን ዓጽየን ከምዝነበራ ይፍለጥ። ካብ’ዚ ሰሙን ጀሚረን ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ …

Read More »

ኣብዘን ዝሓለፋ ሽድሽተ ኣዋርሕ 1310 ኤርትራውያን ዜግነት ሽወደን ወሲዶም

ብመስረት ጸብጻብ ክፍሊ ኢመግረሽን ሽወደን ኣብ መፋርቅ ዓመተ 2020 ማለት ካብ ወርሒ ጥሪ ስጋብ ወርሒ ሰነ 37204 ብዝሒ ሰባት ዜግነት ሽወደን ንክወስዱ ከምዘመልከቱ  ኣብ መርበብ ሓበሬታ እዚ ክፍሊ ዝወጸ ጸባጻብ ኣመልኪቱ። ብመሰረት ሓበሬታ እዚ ክፍሊ ምስ እዞም 37204 ዘመልከቱ ሓዊስካ ኣብዘን ዝሓለፋ ሽድሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ብጠቅላላ ናይ 40 259 ኣመልከቲ ጉዳዮም ከምዝርኣየን፣ ካብዚኦም ድማ 57 % ማለት 1310 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 33594 …

Read More »

ቛንቋ ሸወደን ምስ ሃገር ተኽላይ ንመሃር

Read More »

ሊቨርፑል ን 30 ዓመታት ዘማዕደወታ ጽዋእ ፕርመርሊግ ኢዳ ተንብረላ።

ሊቨርፑል ነታ ን 30 ዓመታት ኣማዕድያ ክትርእያ ዝጸንሔት ጽዋእ ፕርመርሊግ ብ ገፊሕ ዓወት 5 ብ 3 ኣብ ልዕሊ ቸልሲ ተሰንያ ኢዳ ኣንቢራትላ። ኣብዚ ጸወታ ሓንቲ ንሸቶ ካልእ ቀረብ ዝገብረ ተኸላኻላይ ኣሌክሳንደር ኣርኖድ በዚ ናይ ሎሚ ምሸት ቀረብ ተሓጊዙ ሓድሽ ክብረ ወስን ማለት ኣብ ሓደ ዓመት 13 ቀረብ ዝገብረ ተኸላኻልይ ብሙዃን ሓድሽ ክብረ ወስን ብሽሙ ጺሒፉ።

Read More »

ጽምብል ሽልማት ኖብል 2020፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ከምዝተርፍ ኮይኑ

ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልውላው፡ ናይ ሎሚ ዓመት ጽምብል ሽልማት ኖብል ከምዘይካየድ ኮሚቴ ኖብል ሓቢሩ። ጽምብል ሽልማት ኖብል፡ 1956 ካብ ዝጅምር፡ ንፈለማ ግዜ ከይተጸምበለ ምውዓሉ ተፈልጡ ኣሎ። ቅንያት ኖብል ናይዚ ዓመት፡ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልውላው ከምቲ ልሙድ ኣይክኸውንን እዩ። እዚ ዓመት’ዚ ፍሉይ ስለዝኾነ፡ ነፍሲ ወከፍና መስዋእቲ ክንከፍልን ምስቲ ዘሎ ኩነታት ክንወሃሃድን ከድልየና እዩ ክብል ሓላፊ ኮሚቴ ሽልማት ኖብል፡ ላርሽ …

Read More »

ግሬታ ሶንቤሪ፡ ዓለምለኻዊ ሽልማት ወሲዳ

ኣብ ጉዳያት ኣከባብን ክሊማን እትነጥፍ ሽወደናዊት፡ ግሬታ ሶንቤሪ፡ ንእትገብሮ ዘላ ኣበርክቶ ብምምጓስ ካብ ተጣባቒ መሰል ደቂ ሰብ ዝኾነ ፖርቱጋላዊ ውድብ፡ ጎልበንክያን፡ ሽልማት ምርካባ ተሓቢሩ። ዋጋ ናይቲ ሽልማት፡ ብሚልዮናት ክሮነር ዝግመት ኮይኑ፡ ግሬታ፡ ነተን ኣብ ጽላት ኣከባብን ጸረ ክሊማዊ ለውጢ ዝቃለሳ ውድባት  ከተወፍዮ ምዃና ሓቢራ። ሽልማት ክትወስድ ምብቃዓ ሕጉስቲ ምዃና፡ ብዝያዳ ንኽትሰርሕ ከምዘተባብዓን ዓቢ ትርጉም ከምዘለዎን፡ ግሬታ፡ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢኣ፡ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ 20 ሓምለ 2020 Swedish News in tigrigna 20 juli 2020

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ 17 ሓምለ 2020 Swedish News in tigrigna 17 juli 2020

Read More »

ሄኖግን ኣብርሃም ኣብ ዝደሞቅሉ ጸወታ ክለብ ኣይኮ ነጥቢ ትማቀል

ክለብ ኣይኮ ኣብ መስመር ምጥቃዕ ብ ክልተ ኤርትራውያን ዝመበቖሎም ሄኖግ ጎይቶምን ጳውሎስ ኣብርሃምን ተመሪሓ ምስ ክለብ ቫርበርይ ቦልስ ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ፣ ክልትኦም ተጻወቲ ብዘመዝገብወን ሸቶታት እካ መሪሓ ተወዓለት ኣብ ምበል 90 ደቂቅ ክለብ ቫርበርይ ብዝርከበታ ፍጹም ቅላዕ ነጥቢ ክትማቀል ተገዲዳ። ኣብዚ ጸወታ ሄኖግ ኣብ መበል  ዝወዓለ 12 ደቂቅ መርሓ እካ ተነበረት ድሒራ ብዝተመዝገበታ ሸቶ ብምዕርራያ፣ መመሊሱ ብቅዓቱ እንዳ ኣመስከረ ዝደምቕ …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ፣ቐዳማይ ክፋል ሰብ ስኢነ

ጸጋብርሃን ጎይትኦም ብመንገዲ ሓደ ካብ ጋዜጠኛ ቲቪ ኤረ’የ ቕድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኣስመራ ብቖጸራ ክትረኽበኒ ክኢላ፣ ነቲ ኣብ መስርሕ ህይወታ ዘጋጠማ ዕንቕፋት፣ መፍትሒ ስኢና ምዕልባጣ ምስ ዛዘመት’ያ ድማ፣ ነቲ ከማይ መንእሰያት ክምሃራሉ ኣለዎ እትብሉ መሳጢ ዛንትኣ ክትጸውየኒ ዝተበገሰት። ልዝብ ዝበለ ኣዘራርብኣን መሳጢ መልክዓን ብማዕዶ ኮይኑ ንዝርእዮ፣ ጸገም ዘሕለፈት ኮይኑ ኣይስማዓካን፣ ሃዲኣ ምስ ኣዘንተወትልካ ግና፣ ልቢ ዝትንክፍ ጸገም’ዩ ገጢምዋ፣ ኣብ ካልኦት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com