Thursday , May 2 2024

ኣብዘን ዝሓለፋ ሽድሽተ ኣዋርሕ 1310 ኤርትራውያን ዜግነት ሽወደን ወሲዶም

ብመስረት ጸብጻብ ክፍሊ ኢመግረሽን ሽወደን ኣብ መፋርቅ ዓመተ 2020 ማለት ካብ ወርሒ ጥሪ ስጋብ ወርሒ ሰነ 37204 ብዝሒ ሰባት ዜግነት ሽወደን ንክወስዱ ከምዘመልከቱ  ኣብ መርበብ ሓበሬታ እዚ ክፍሊ ዝወጸ ጸባጻብ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት ሓበሬታ እዚ ክፍሊ ምስ እዞም 37204 ዘመልከቱ ሓዊስካ ኣብዘን ዝሓለፋ ሽድሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ብጠቅላላ ናይ 40 259 ኣመልከቲ ጉዳዮም ከምዝርኣየን፣ ካብዚኦም ድማ 57 % ማለት 1310 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 33594 ስባት ንኩሉ ጠለባት ዘማሉኡ ብሙኻኖም ዜግነት ከምዝሃቦም ገሊጹ። ብደርጃ ብዝሒ ክርኤ እንከሎ ድማ ሶርያውያን ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ኮይኖም 11549 ስባት ዜግነት ክረኽቡ ከለዉ፣ 1705 ሶማልያውያን ከምእውን 347 ኢትዮጵያውያን ይርከብዎም።  እዚ ክፍሊ ኣብዚ እዋን ናይ ኣስታት 97604 ኣመልከቲ ጉዳይ ይርኢ ከምዘሎ ወሲኹ ይገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com