Sunday , April 28 2024

ሓቐኛ ዛንታ፣ቐዳማይ ክፋል ሰብ ስኢነ

ጸጋብርሃን ጎይትኦም

ብመንገዲ ሓደ ካብ ጋዜጠኛ ቲቪ ኤረ’የ ቕድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኣስመራ ብቖጸራ ክትረኽበኒ ክኢላ፣ ነቲ ኣብ መስርሕ ህይወታ ዘጋጠማ ዕንቕፋት፣ መፍትሒ ስኢና ምዕልባጣ ምስ ዛዘመት’ያ ድማ፣ ነቲ ከማይ መንእሰያት ክምሃራሉ ኣለዎ እትብሉ መሳጢ ዛንትኣ ክትጸውየኒ ዝተበገሰት። ልዝብ ዝበለ ኣዘራርብኣን መሳጢ መልክዓን ብማዕዶ ኮይኑ ንዝርእዮ፣ ጸገም ዘሕለፈት ኮይኑ ኣይስማዓካን፣ ሃዲኣ ምስ ኣዘንተወትልካ ግና፣ ልቢ ዝትንክፍ ጸገም’ዩ ገጢምዋ፣ ኣብ ካልኦት ከጋጥም ዘይትምነዮ ሃንደበታዊ ጸገም።
ብመሰረት እቲ ጋዜጠኛ ቲቪ ኤረ ዝገበረልና ቖጸራ ኢና፣ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኣስመራ ካብ ዝርከባ መዛናግዒ ማእከላት ሓንቲ ዝኾነት ሲቲ ፓርክ ተራኺብና። ሰንበት መዓልቲ እሞ ድማ፣ ኣብ ስዓታት ቕድሚ ቐትሪ ብምንባሩ፣ ምስ ዝነበረ ጽምዋ ናይ’ቲ ቦታ ቀሲና ከነዕልል ኢና ተቐሲብና፣ ነቲ ኣጋጣሚ ዝፈጠረ ጋዜጠኛ ፎኺስና መታን ከነዕልል፣ ገዲፍና ድሕሪ ምኻዱ ድማ፣ ዝያዳ ነጻነት ተሰመዓና።


“ቅድሚ ዝኣገረ ስመይ ክላለየካ’ዩ እቲ ዝበለጸ…” ጽዓዲት ኣስናና ጋሊሃ፣ ብፍሕሹው ገጽ ዕላላ ብምጅማራ፣ንዓይ’ውን ብኣግኡ ፈኾሰኒ።
“ስመይ ራሄል ኣብርሃ’የ ዝብሃል፣ ንሓደ ሰብ ጸገም’ዩ ዝምህሮ፣ ከምቲ ገለ ፈላጣት ዝብልዎ ‘ጸገም ዘየስተማቐረት ነብሲ ራህዋ ኣይንታያን’ዩ’ ዝብል ብሂል ብልክዕ’የ ዝኣምነሉ፣ ጸገም ኣብ ገለ እዋን መምህር’ዩ፣ ግና ዓቐኑ ዝሓለፈ ጸገም ምስ ዝኸውን ክምህረካስ ይትረፍ ድሕሪ ሰብ’ዩ ዘትርፈካ፣ ሩፉታይ ዘሪጉ ኣብ ጠልጠል ሰንዱይኒ ዘሎ ጸገም ድማ፣ ካብቲ ክምህር ዘይክእል ጸገም’ዩ፣ ግና ናተይ ጸገም ናተይ ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ’የ ድማ፣ ናብ ካልኦት መምሃሪ እንተኾነ ክረኽበካ ዝወሰንኩ…” ዕላላ ኣቓሪጻ ዓይኒ ዓይነይ ጠመተትኒ።
“ሓራይ ጽቡቕ!” ጸገም ከም ዘየለ ብዘይ ቀልዓለም ሓበርክዋ።
“በል ሓዘኒ…” ተቐሚጣታ ዝነበረት ወንበር ኣመቻቺኣ ድሕሪ ምትዕርራይ፣ ተዛንያ ኮፍ በለት።
“ስመይ ከም’ቲ ኣቐዲመ ዘዕለልኩኻ ራሄል ኮይኑ። ብ1985 ኣብ ኣስመራ ከባቢ ፊያት፣ እዚ ሕጂ ናቕፋ ሃውዝ ዝብሃል ዘሎ ከባቢ’የ ተወሊደ ዓብየ፣ ኣቦይ ጌና ጓል ሸውዓተ ዓመት ከለኹ ስለ ዝሞተ፣ ዳርጋ ምስ ኣደይ’የ ዓብየ። እዚ ክብለካ ግና ኣቦይን ኣደይን ሰብ ሓዳር ኣይነበሩን፣ ኣቦይ ንዓይ ብወሰን’ዩ ወሊዱኒ….”
“የሕዋትከ ኣለውኺ’ዶ?” ንዘረብኣ ኮሊፈ ተወከስክዋ፣ ጌና ዕላላ ከይዛዘመት ከላ ብሕቶ ኣመኽንየ ምኹላፈይ ግና ንነብሰይ ከም ህውኽቲ ቖጸርክዋ።
“ሓንቲ ኣነ ጥራይ’የ ንኣደይ፣ ወለደይ ካልኣይ ውላድ ዘይመድገሚኦም ምኽንያት ድማ ኣቦይ ንዓይ ምስ ወለደ ምስ ካልእ ምምርዓዉ’ዩ እቲ ጠንቒ፣ ማለት ኣቦይን ኣደይን ኣብ ፍቕሪ ዓለም ከለዉ ወሊዶምኒ፣ ድሕሪ ምውላደይ ድማ ተፈላልዮም…” “ኣቦኺ ግና ጓል ሸውዓተ ዓመት ከለኺ’ዩ ሞይቱ፣ ድሕሪ ሞት ኣቦይ ግና ዳርጋ ምስ ኣደይ’የ ዓብየ ኢልክኒ ኣቐዲምኪ፣ ከመይ ምኻኑ ኣይበርሃለይን?” ድሕሪ ሞት ኣቡኣ ብፍቕሪ ናይ ኣዲኣ ጥራይ ከም ዝዓበየት ኣቀዲማ ስለ ዝነገረትኒ ምድንጋር ፈጠረለይ።
“ከመይ ማለተይ’ዩ መስለካ፣ ኣቦይ ንዓይ ምስ ወለደ ምስ ካልእ ሰብ’ዩ ሓዳር ገይሩ፣ ግና ንዓይን ነደይን ክሳብ’ታ ዝሞተላ እዋን ረሲዑና ኣይፈልጥን’ዩ፣ ኩሉ’ቲ ንደቑ ዝገብረሎም ዝነበረ ነገራት ካብ’ታ ብዓልቲ ኪዳኑ ዝውለዱ ኣሕዋተይ ማለተይ’ዩ፣ ንዓይ’ውን ይገብረለይ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይጎድለኒ ገይሩ’ዩ ዘዕብየኒ ነይሩ፣ ንኣደይ ድማ ልክዕ ከም ብዓልቲ እንድኡ’ዩ ዘኽብራ ነይሩ፣ ብዓል ሩቡሕ ኣታዊ ብምንባሩ ንኣደይ’ውን ንሱ’ዩ ኣብ ማእከል ከተማ ገዛ ተኻርዩ ዘንብራ ዝነበረ፣ ንሱ ምስ ሞተ ግና ነገራት ተቐያይሩ…” መግለጺ ከም ዝስኣነትሉ፣ ዕላላ ኣወንዚፋ ዓይኒ ዓይነይ ጠመተትኒ።
“እስከ ኣብርህለይ?” እንታይ ከም ዘጋጠመ ንምፍላጥ ሕቶ ሓቲተ መልሲ ተጸበኹ።
“እቲ ኣቦይ ዝህበና ዝነበረ ሓገዝ ደው ምስ በለ ናብራ ኣመና’ዩ ከቢዱና፣ ክገርመካ ኣደይ ካብ ፈለማ ፍቕሪ ስራሕ ነይርዋ’ዩ፣ ኣብ ሓደ ትካል ትሓዚት ሕሳብ ኮይና’ያ ትሰርሕ ነይራ፣ ምስ ኣቦይ’ውን ኣብ’ዚ ትካል ተላልያ’ያ ንዓይ ወሊዳትኒ፣ ምስ ወለዳ’ኳ ትቕመጥ እንተነበረት፣ ንዓይ ምስ ወለደት ግና ነብሰይ ክኽእል’የ ኢላ’ያ ናይ በይና ገዛ ተኻርያ ንዓይ ከተዕብየኒ ጀሚራ፣ ኣነ ተወሊደ ክሳብ መዋእለ ህጻናት ዝጅምር ድማ፣ ስራሕ ገዲፋ ንዓይ ንምዕባይ’ያ ትቓለስ ነይራ፣ ቅድሚ ኣቦይ ሙማቱ ድማ ስራሕ ጀሚራ፣ ካብ ኣቦይ ሓገዝ ምርካባስ ናይ ስራሕ መንፈሳ ኣየዝሓሎን፣ ድሕሪ ሞት ባባ ግና ዝህበና ዝነበረ ገንዘብ ስለ ዘይረኸብናዮ፣ ብዓቢኡ’ውን እቲ ኣብ ከተማ ዝነበረ ገዛና ወርሓዊ ክራይ ንምኽፋል ደሞዝ ኣደይ እኩል ስለ ዘይነበረ፣ ገዛ ናብ ጻዕዳ ክርስትያን ክንቕይር ኢና ተገዲድና፣ ኣደይ ድማ ንዓይ ናብ ትምህርቲ ሰዲዳ ብቐጥታ ናብ ስርሓ’ያ ትወፍር፣ በዚ ምኽንያት ጣዕም ናይ ናብራ ክሳብ ጓል ሸውዓተ ዓመት’የ ኣስተማቒረዮ፣ ድሕሪ’ዚ ግና ከም ዓቕምኻ ኮይኑ…” ንሕቶይ ከም ዝመለሰትለይ ከተረጋግጽ፣ ንጽውያ ዛንትኣ ገዲፋ ዓይኒ ዓይነይ ጠመተትኒ፣ ኣነ ድማ ከም ዝበርሃለይ ከረጋግጽ፣ ርእሰይ ላዕሊ ታሕቲ ብምንቕስቓስ ከም ዝበርሃለይ ኣረጋገጽኩላ።
“ኣብ ትምህርቲ’ኸ ከመይ ነበርኪ?” ዝጀመረቶ ጉዕዞ ትምህርቲ፣ ከመይ ከም ዝቐጸለቶ ተወከስክዋ።
“ይገርመካ’ዩ…” ፍሩያት የዒንታ ጋሊሃ፣ ብፍሽኽታ ክትምልሰለይ ፈተነት። “ካብ መጀመርታ ጀሚረ ኣብ ትምህርቲግድስቲ ኣይነበርኩን፣ እዚ’ውን ምኽንያት ነይርዎ’ዩ፣ ጥቕሚ ናይ ዓለም ካብ ትምህርቲ ከም ዝርከብ ዘረድኣኒ ኣይረኸብኩን፣ እዚ ክብለካ ከለኹ ግና ደርገፍገፍ እናበልኩስ ክሳብ 2003 ዓመተ ምህረትስ ሻምናይ ክፍሊ መጺሐ’የ፣ ጓል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ምስ ኮንኩ ግና፣ ትምህርቲ ኣቓሪጸ ኣብ ሓደ ቤት ቑርሲ ክሰርሕ ጀሚረ፣ ጽልኣ ትምህርቲ ኣሕዲረ፣ በቲ ሓደ ገጽ ድማ ንኣደይ ወላዲተይ ክሕግዛ ኣለኒ ኢለ፣ ናብ ስራሕ ዓለም ተጸንቢረ…” ነታ ጽልኣት ትምህርቲ ትብል ቃል ምስ ኣድመጸት፣ ገጸይ ክኣስር ግዲ ትዓዚባ፣ ብዓይኒ ስክፍታ ጠመተትኒ።
“ትምህርቲ ድኣ ይጽላእ ድዩ?”
“ሓደ ብሂል’ኳ ኣሎ፣ ‘ኣደ ኸላ ቐላል’ያ፣ ምስ ሓለፈት ግና ሓልዮታ ይርድኣካ’ ዝብል ብሂል፣ እዚ ኣበሃህላ ናብ ትምህርቲ’ሞ ንቐይሮ እቲ ዕድል ኣብ ኢደይ ከሎ ኣቕሊለ ርእየዮ፣ ኣብ ሕጂ ኮይነ ክርእዮ ከለኹ ግና፣ ወዲ ሰብ ኣብ ዓለም ብዘይ ትምህርቲ ከም ዘይከብር ተረዲኡኒ፣ ሕጂ እንዶ እነኹልካ ፊደላት እንግሊዝ ከማን ምቑጻሮም ስኢነ፣ ኣብ ሕጂ ኮይነ ብጣዕሳ’የ ዝሕመስ…” ጣዕሳኣ ኣብ ገጻ ከንብቦ ኣይተጸገምኩን።
“ሕራይ ቐጽሊ?” ቐስ ብቐስ ኣንፈቱ ዝቕይር ዝነበረ ጉዕዙኣ መዛዘሚኡ ክሰምዕ ብሃኩ። እቲ ዝያዳ ተንካፊ ዛንትኣ
ድማ ካብዚ እዩ ዝጅምር።
ዝመጽእ ዘሎ ሰምበት ይቕጽል—-


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com