Tuesday , April 30 2024

ሓጺር ዛንታ፣ መዘዘኛ ዕለት

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም
ካልኣይ ክፋል

 ሄለን፡ ኣብ ስራሕ ገዛ’ውን ማዕረ ወላዲታ ትሳተፍን፡ ኣብ ኩሉ’ቲ ብወላዲኣን ኣሕዋተን ዝፍጸም ትእዛዝ፡ ብዘይ ነግ ፈረግ ትምእዘዝ ብምንባራ፡ ብኹሎም ስድራ ፍትውቲ ነበረት። ምርቓ ወለዳን፡ ወትሩ ጽላል ዝኾንዋ ኣሕዋታን ድማ ኣብ ምዕዋት ትምህርታ ሓጋዚ ነበረ። እዚ ምስጉን ጠባይ ኣብ ገዝኣን ከባቢኣን እናንጸባረቐት’ያ ድማ፡ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርታ ከም ዝሓለፈ ብሉጽ ውጽኢት እናመዝገበትን ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ብኣብነት እናተጸውዐትን፡ ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ
ኣስመራ ሓፈሻዊ ዝሰገረት። ኣብ’ዚ ደረጃ ምስ በጽሐት ግና ንእስነት’ዚ መንቐሊኡ ዘይንቡር ጠባያት ከተንጸባርቕ ጀመረት፡ ናይ ሻሙናይን ታሽዓይን ክፍሊ ትምህርታ ምስ መንፍዓታ’ኳ እንተዛዘመቶ፡ ድሕሪ’ዚ ግና ናይ ተወዳዳርነት መንፈሳ ባይታ ዘቢጡ፡ ናብ ነበረ ተቐየረ፡ ኩሉ ፈላጢኣ ድማ፡ ብኣኣ ጥራይ ኮነ ዘረባኡ. . .።
“ክሳብ ታሽዓይ ክፍሊ ዝበጽሕ ኣብ ትምርተይ ብልጽቲ’የ ነይረ፡ ኣብ ክፍለይ ሽልማት ከይወሰድኩ ዝሓለፍኩላ እዋን ኣይትዝከረንን። ዓስራይ ክፍሊ ምስ በጻሕኩ ግና፡ ሓንቲ ሳምራዊት ትብህል መሓዛ ይሕዝ፡ እዛ ጓል ኣብ’ቲ መጀመርታ’ኳ ኣብ ልበይ ቦታ ትረክብ እንተዘይነበረት፡ ምስ ግዜ ግና ቀንዲ መሓዛይ’ያ ኮይና፡ ኣብ ኣካይዳና ግና ነንበይንና ኢና ነይርና፡ ንሳ ካብ ትምሃሮ ዘይትምሃሮ’ዩ ዝበዝሕ፡ ኣነ ድማ በንጻሩ ግድስቲ፡ ሌላና ካብ ታሽዓይ ክፍሊ ዝጅምር’ኳ እንተኾነ፡ ዝያዳ ዝተረረ ግና ኣብ ዝስዓበት ዓመት’ዩ፡ ድልዱል ምሕዝነት ምስ መስረትና፡ ብተምጽኦ ዝነበረት ዕላላትን ፍጻሜ ክምሰጥ ጀመርኩ፡ ትምህርቲ ኣብኪራ ኣበይ ትውዕልን እንታይ ትገብርን ብተመስጦ ከተውግዓኒ ከላ፡ ሃህ ኢለ ክሰምዓ ጀመርኩ፡ ነቲ ናታ ከም ናይ ሓጎስ መንገዲ እትቖጽሮ ህይወታ ድማ፡ ናብ ጥፍኣት ድዩ ልምዓት ዝወስድ ከይሓሰብኩ፡ ብግብሪ ክፍጽሞ ደለኹ፡ ዕላላ መኣዝን ህይወተይ ይልውጦ ከም ዘሎ ይርዳኣኒ ኣይነበረን፡ ጽልኣት ትምህርቲ’ኳ ክሳብ ሽዑ እንተዘይነበረኒ፡ ምስኣ ግና ሳሕቲ ትምህርተይ ገዲፈ ክዘውር ጀሚረ፡ ብርግጽ ድማ ኣብ’ቲ ሽዑ እውን ከም ጽቡቕ ዝወስዶ መቐረት ረኺበሉ’የ፡ ንሳ ምስ ብርክት ዝበሉ ደቒ መዛምርታ ኣወዳት ተላልያ ብምጽንሓ፡ ካብን ናብን ኣብ ዝተፈላለየ መዘናግዒ ቦታታት ክንኮልል ጀሚርና፡ ብኡ መንጽር ኣብ ትምህርቲ ዝነበረኒ ተገዳስነት ጎዲሉ፡ ምስ ግዜ ድማ ካብ ትምህርቲ ዝውዕሎ፡ ንትምህርቲ ኢለ ወፊረ ኣብ ካልአይ ዝውዕሎ በዚሑ፡ በዚ ድማ ብቕዓተይ ካብ ላዕሊ ናብ ባይታ ብዘይ እመን መንገዲ ወሪዱ፡ መምሃራነይን ከባብየይን ብኣይ ጥራይ ኮይኑ ዘረብኡ፡ ስድር ግና ነቲ ሃንደበታዊ ለውጢ ክርድእዎ ኣይክኣሉን፡ ሓንሳብ እምነት ኣባይ ምስ ገበሩ፡ ትምህርታ ትገብር ኣላ ጥራይ’ዮም ዝብሉ ነይሮም፡ በንጻሩ ግና ኣብ ምዝዛም ዓመተ ትምህርቲ ኣክንዲ ሽልማት ተሪፈ’የ ተመሊሰዮም፡ ሽዑ ዘንጸባረቕዎ ስንባደ ኣነ ጥራይ’የ ዝፈልጦ፡ ባህሪ ወለደይን ኣሕዋተይ ጽቡቕ ገይረ’የ ዝፈልጦ፡ ቀልጢፎም ኣብ ውሳኔ ዝበጽሑ ኣይኮኑን፡ ሽዑ ግና ዘይተጸበይዎ ግዲ ኮይኑ፡ መግለጺ ዘይብሉ ስንባደ’ዩ ወሪርዎም፡ ግና ከብዲ ወላዲ ኮይኑ ኣብ ውሽጦም ገይሮሞ. .።

እዚ ኣብ 2005 ዓመተ ምህረት ኮይኑ፡ ጓል ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነይረ። ኩሉ ንውሽጠይ ገይረ፡ እንደገና ንዓስራይ ክፍሊ ንምድጋም ቖሪጸ ተበጊሰ፡ ግና በየናይ መንፈስ? መንፈሰይ ካብ ስጋይ ሃዲሙ ጽቡቕ የሕስበኒ ኣይነበረን፡ ሓንሳብ ናይ ትምህርቲ ሽውሃተይ ስለ ዝትዓጸወ፡ ከም’ታ ዝሓለፈት ዓመት ምስ መሓዛይ ሳምራዊት ደገ ደገ ጥራይ ኮይኑ ናብራይ፡ ካብ ሻሂ ጸባ ቐስ ብቐስ ናብ መስተ ሽፍት(ክቕይር) ጀሚረ፡ ሓደ መዓልቲ ይምሃር፡ ሓደ መዓልቲ ድማ ይቐጽዕ ኮይኑ ኣቲ ህይወት፡ በዚ መንጽር ትምህርትርይ ክቕጽል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሐ ብሰንኪ ጉድለት ጠባይ፡ ክዕረ ብዘይ
ምኽኣለይ ንኻልኦት ኣብነት ክትኮኒ ኣይትኽእልን ኢኺ ተባሂለ ተሶጊገ፡ እዚ ንዓይ ዓቢ ውርደት ክኸውን ከሎ፡ ንወለደይ ድማ ጓሂ ኣብ ውሽጦም ከም ዝኣቱ’የ ገይረዮም፡ ወላዲ ኣብ ዓለም ከሎ ጽቡቕ ናይ ውላዱ ካብ ምርኣይ ዝዓቢ ጸጋ የለን፡ ኣነ ግና ነዚ ጸጋ ከም ዘይርእይዎ’የ ገይረዮም፡ በቓ ማዓንጣ ከብዶም ብትኽ ኣቢለዮ፡ ምዒዶም ምስማዕ ኣብየዮም፡ ንሶም ክገንሑ ኣነ ድማ ደገ ደገ ክብል ተረባሪብና ኢና. . .። ብኹሉ ኹሉ ተስፋ ኣቑሪጸዮም፡ ምውዓለይ ደገ ምሕዳረይ ገዛ ኮይኑ። ኣብ
ከምዚ ዝበለ ጉዕዞ ከለኹ’ዩ ድማ፡ ምስ ሓደ መሓሪ ዝብሃል ወዲ ዝላለ፡ እዚ ወዲ ብመልክዑ ዝወጾ ዘይብሉ ሽኮሪና ወዲ’ዩ፡ ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ሓመስ ዝርከብ ጋራዥ’ዩ ዝሰርሕ፡ ኣብ ስርሑ ክነፍዕ መዓት’ዩ፡ ግና ምስ መስተ ዘለዎ ፍቕሪ መወዳድርቲ ኣልቦ’ዩ፡ መስተ ክሰቲ መዓት’ዩ፡ ንዓይን ንዑኡን ኪኖ ፍቕሪ ኣብ ሓደ ህርመት ዘስመረና ድማ፡ ክልቴና እናሰተና ስለ ንዘናጋዕ ኢና፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ድማ ሳምራዊት መሓዛይ ትጽንበረና፡ በቓ ህይወትና ከም’ዚ ኮይኑ፡ ካብ ቑም ነገር ምሕሳብ ሓንጊድና። ፍቕርና ምስ መሓሪ ጠጢዑ ኣብ ዝበልክሉ ድማ፡ ንእስነት’ዚ መንቐሊኡ ስጋዊ ርክብ ብምፍጻና፡ ድንግልናይ ንመሓሪ ኣረኪበዮ. . .” 
 ሄለን፡ ድሕሪ’ዚ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝዝረግ ዝነበረ ህይወታ ኣክንዲ ምምሕያሽ፡ መቐረት’ቲ ኣንፈትካ ዘጥፍእ መንገድ፡ ከም ጽቡቕ ወሲዳ፡ መወዳእታ ናብ ዘይብሉ መንገዲ ዝመረሸተ። ፍቕሪ ምስ መሓርን መስተን ተደሚሩ ድማ፡ ካብ ገዝኣ ከም ትርሕቕ ኮነት። ብመንፍዓታ ዝዛረብ ዝነበረ ሰብ፡ ክልተ ግዜ ኣዛሪባትና እናበለ ክሓምያ ጀመረ፡ ኣሕዋታ ካብ’ቲ ግጉይ መንገዲ ከውጽዋ ዝክኣሎም ጽዓሩ፡ ገለ መንገዲ ህይወታ እንተትዓረየ ብምባል ድማ ከመርዕዋ ወሰኑ፡ መጀመርታ ከም ሓሳብ ዘምጽኡላ ድማ ምስ’ቲ ከም ኣፍቓሪኣ ኮይኑ ዝዘውር ዘሎ መሓሪ ትምርዖ እንትኾይና ምስ ሓተትዋ፡ ንሳ’ውን እቲ ሓሳብ ንመሓሪ ኣካፊላቶ፡ ንሱ ድማ ዓቕሚ ከም ዘይብሉ ኣእሚኑ፡ ንቑሩብ እዋን ክትጽበዮ ሓቲትዋ። ሄለን ፍቓደኛ ኮይና’ኳ እንተጸበየቶ፡ ንሱ ግና ሓንሳብ ንጽናሕ እናበለ ከደናጉያ ብምጅማሩ፡ ንዓቕላ ተፈታተኖ፡ ባእስን መርገምን ስድራ ምስ በዝሐ ግና፡ ኣሕዋታ ምስ ዘምጹላ፡ ሓደ ብሃብቱን ጠባዩን ዝልለ ዳንኤል’ዚ ስሙ ወዲ ክትምርዖ ወስነት።
ዳንኤል፡ ብትምህርቲ ዝበሰለን፡ ክልተ ትካላት ዘለዎን ንወጻኢ ሃገራት እናኸደ ዝነግድ ዓርኪ ቦኽሪ ሓዋ ብምኻኑ፡ ብመንገዲ ሓዋ’ያ ተላልያቶ፡ ክልቲኦም ተቓሪቦም ምስ ኣዕለሉ ድማ፡ ምስ ዳንኤል ክትምርዖ ኣብ መደምደምታ በጽሐት።
“ንዳንኤል ብመንገዲ ሓወይ’የ ተላልየዮ፡ ናይ ብሓቒ ትሑትን መኽበሪ ሰብን’ዩ፡ ነዚ ወዲ ክምርዖ እንተኾይነ ድማ ቐዳመይቲ ክገብራ ዘለኒ፡ ኣካይዳይ ምዕራይ’ያ፡ ሰብ ክሳብ መዓስ ኣብ ዕብዳን ይነብር ኢለ ምስ ነብሰይ ዘትየ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ነታ ናብ’ዚ ኹሉ ዘእተወትኒ ሳምራዊት መሓዛይ ርሒቐያ፡ ኣካይዳይ ቐይረ ገዛይ ክውዕል ጀሚረ፡ እዚ ምስ ገበርኩ ሓሳበይ ክውን ኮይኑ ድማ ምስ ዳንኤል ተመርዕየ፡ ሰብ ኩሉ እንተርእዩ መወዳእታ ኣለዎ፡ ኣነ ድማ ሰብ ዘዛርብ ሓዳር መስሪተ፡ ዳንኤል ንዓይ መኽበርየይ ኮይኑ፡ ሃብቲ ስለ ዘለዎ፡ ዝኣዘዝክዎ ክፍጽመለይ ጀሚሩ፡ ክልተ ምጭዋት ቖልዑ ወሊድና፡ ካብ’ዚ ዝዓቢ ጸጋን ሃብትን የለን፡ ናይ ብሓቂ ኣብ ገነት ሰፊረ፡ ሰብ ከሎ መልኣኽ’ዩ ንዓይ ዳንኤል፡ እንታይ’ሞ ዓለም ጎደሎ እንድያ ኮይና፡ ህይወተይ ተዓርዩ ብሉጽ ናብራ እናመራሕኩ ከለኹ፡ ደጊሙ ናብ ንፋስ ቀሊዑ ዝህበኒ፡ ንድሕሪት መሊሱ ዝዘራርገኒ ፍጻሜ’ዩ ገጢሙኒ፡ ኣታ መዘዘኛ ዕለት ድማ ኣብ ህይወተይ ዓቢ ጸገም’ያ ኮይናትኒ፡ ኣብ ጽቡቕ ሓዳር ከለኹ ሰይጣን ናቱ ተራ ገይሩ፡  እዚ ኹሉ ካብ ሕማቕ ኣካይዳይ ትኣሪመ፡ ብሃብቲ ተኸቢበ ኣክንዲ ዝኸበርኩ ናብ ጸገም ኣትየ። እታ መዓልቲ ሰንበት’ያ ነይራ፡ ኣነ ምስ ክልተ ደቐይ ኣብ ከተማ እናተዛወርና ከለና፡ እቲ ናይ መጀመርታ ኣፍቓርየይ መሓሪ ኣብ መንገዲ ይረኽበኒ. . . ይገርም’ዩ. . . እዋይ. . .” እቲ ሓደጋኛ ዛንታይ ድማ ካብዚ’ዩ ዝጅምር።
                                                            
                                                                  ይቕጽል. . .


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com