Tuesday , April 30 2024

ሓጺር ዛንታ፣ ሳልሳይ ክፋል መዘዘኛ ዕለት

 ጸጋብርሃን ጎይትኦም
                                                     
ሄለን፡ ‘ዘይጋገ ሰብ የለን እንታይ ድኣ ካብ ጌግኡ ዘይእረም ሰብ’ዩ ሕማቕ’ ዝብል እምነት ተቐኒታ፡ ነቲ ካብ ትምህርታ ዘሰናኸላ ዘይእርኑብ ኣካይዳ ንጸጋም ገዲፋ፡ ምስ ዓርኪ ሓዋ ዝኾነ፡ ዳንኤል’ዚ ስሙ ለባምን ስነ-ስርዓተኛን ሰብ ሓዳር ምስ ገብረት፡ ዝነበራ ዘይቑርዑይ ኣካይዳ ወጊድ ኢላ፡ ብኣካይድኣ ሞራሎም ተሰይሮም ዝነበሩ ወለዳን መቕርባን ዳግማይ ተደቢሶም፡ ምረቕኦም ኣዕረጉላ። ካብ ብዓል ቤታ ብእትረኽቦ ዝነበረት ደገፍ ድማ፡ ነቶም የሐንቒቖም ዘዕበይዋ ስድርኣ ክትጥውሮም ብምጅምራ፡ ዝያዳ ንእድቲ ኮነት። ኣብ ሓዳራ ድማ መኽበሪት ብዓል ቤታን፡ ድሒራ ዝወለደቶም ክልተ ደቓ ብምኻን፡ ዘይምሃር ሰብ ከምዘየለ ከተርኢ ፈተነ። እዚ ግና ክሳብ’ታ ‘መዘዘኛ ዕለት’ ኢላ እትጠቕሳ ሰዓት’ዩ ዝነበረ፡ ድሕሪ’ዛ ዕለት ነገራት መኣዝኑ ቀይሩ፡ ኣንጻራዊ መንገዲ ክኸይድ ግዜ ኣይወሰደን።


“ናብራይ ኩሉ ተማዓራርዩ መመስርዑ ሓዘለይ፡ ኣቦ ደቐይ ብዘይ ምግናን ሰብ መሰል መልኣኽ’ዩ፡ መስተ ኣይሰቲ፡ ኣይጨቓጨቕ፡ ኣብ ልዕሊ ደቒ ሰባት ልዑል ኣኽብሮት ዘለዎ፡ ፍቕሪ ስራሕን ወትሩ ኣብ ጻዕሪ ዝነብርን’ዩ፡ ግዲ ቀንዲ ዓርኪ ቦኽሪ ሓወይ ኮይኑ፡ ንዓይን ንስድራይን ልክዕ ከም ስድርኡ’ዩ ዝርእየና፡ ልዕሊ ዓቐን ዝሓንቐቐት ነብሰይ ግና፡ መወዳእታ ዘዋጽኣን ዘየዋጽኣን ክትፈሊ’ያ ተጸጊማ፡ ‘ጽጋብ ትወልዳ. . .’ ዝብል ምስላ ድማ ብግብሪ ኣባይ ሰሪሑ’ዩ። ነዚ ኹሉ ገዲፈ ኣብ ዘይጌጋይ’የ ኣትየ፡ እዚ ድማ ክሳብ’ታ ንሓቒ ዝቓልዐት መዘዘኛ ዕለት ትመጽእ’ያ። 


 ሰንበት ምድሪ ብምንባሩ፡ ካብ ንግሁኡ’ዩ ተበሪሁኒ ኣርፊዱ፡ ብዓል ቤተይ ብስራሕ ንወጻኢ ሃገር ዝገይሽ ብምኻኑ፡ ኣብ’ታ ዕለት’ውን ኣብ መገሻ’ዩ ነይሩ፡ ምሳሕ ሰሪሐ ደቐይ ድሕሪ ምሕጻብን ምምሳሕን፡ ብቐጥታ ቡን ናብ ምስታይ’የ ኣትየ፡ ኣብ ገዛ ኮፍ ኢለ ድሕሪ ምውዓል ንምሸቱ፡ መማሰዪ ኣንተኾነንን ብኡ ገይረ ደቐይ ከዛውርን ብምሕሳብ’የ ንኸተማ ክዛወር ዝወጻኹ። ጌና ምዝዋረይይ ኣሃዱ ኢለ ከይፈለምኩ ድማ’የ ምስ ናይ ቀደም ኣፍቓርየይ ነበር መሓሪ ዝተራኸብኩ፡ ድሕሪ
ልብኻ ዝሰልብ ናይ ናፍቖት ሰላምታ ድማ፡
“እዋይ ሄለን ነብሲ፡ ንዓይ ራሕሪሕኪ’ባ ከም ዘይትፈልጥኒ ኮይንኪ. . .” በለኒ ምረት ሓዊሱ።
“ከምኡ ዘይኮነ ኣታ መሓሪ ሓወይ፡ ንመርዖ ኢለካ፡ ንጽናሕ እናበልካ ግዜይ በሊዕካለይ፡ ኣነ ድማ በቲ ዕድመ ጓል ሄዋን ኮይንኒ፡ በቲ ሓደ ድማ ስድራይ ረቢሾምኒ. . . ካልኣይ ድማ ናብራ ደገ ደገ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ዝዓቢ ኮይኑ፡ እንድዒ ወደይ ኣነስ ከማኻ ገይረ ዘፍቐርክዎን ዝፈተኽዎን የለን፡ ግና ኩሉ ግዜ ብቑም ነገር ዝሓስብ’ዩ ዘዕውተካ፡ ኣነ ድማ ዘዕውተኒ ሰብ ረኺበ፡ ምስ ጥልመት ግና ኣይትሕሰቦ. . .” ከእምኖ ፈተንኩ። ንሱ ግና ብዓይኒ ጥርጣረ ዝጠመተኒ ዝነበረ ኮይኑ ተሰምዓኒ። ካብዚ ሓሊፈ’ውን ዝብሎ ኣይነበረንን።
“ኣብ ጉዕዞ ፍቕሪ ጸገማት ክህሉ ንቡር’ዩ፡ ግና ንኹሉ ምኽኣል’ዩ እቲ ወሳኒ ነገር፡ ኣነ ድማ ዓቕሚ የብለይን ኣብዚ ሕጂ እውን’የ ኢለ እንበር፡ ኣይምርዓውክን’የ ኣይበልክኹን፡ ኣነ ግና ሃብቲ ኣሚንኪ ዝተመርዓኺ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ፡ ምኽንያቱ ምሳይ እንተዝነብር ልብኺ ቀልጢፍኪ ሓራይ ኣይምበልክን፡ ንስኺ ግና፡ ምሳኻ ኣለኹ ኢልኪ ኢኺ ግዳይ ገይርክኒ፡ ጠሊምክኒ ድማ. . .” ሕርቕ ኢሉ ተዛረበኒ፡ ሞራሉ ድማ ዝተንከፍክዎ ኮይኑ ተሰምዓኒ።
“ከምኡ ዘይኮነ ኣታ መሓሪ ሓወይ፡ ዓቕሚ ሓጺሩኒ ምስ በልካ’የ ዕድለይ ከይሰብር ኢለ ተመርዕየ፡ ሓንቲ ክብለካ ግና፡ ካብ ልበይ ኣውጼካ ከማን ኣይፈልጥን፡ ወትሩ’የ ዝዝክረካ. . .” ዘረባይ ክውድእ ከማን ዕድል ኣይሃበንን።
“ትዝክርኒ እንተትነብሪ ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ ድሃየይ ዘይገበርኪ? ኣበይ ኣሎ መሓሪ ኢልኪ ከማን ኣይሓተትክለይን፡ ብሓንሳብ ከለና ዝገብረልኪ ዝነበርኩ ጽቡቕ ነገር ከማን ክትዝክሪ ነይሩኪ፡ ሓዳርስ ድሓን ገይርክዮ፡ እቲ ድሃይ ምግባር’ከ? ማራ ኢኺ በዲልክኒ. . .” ሕንቕንቕ እናበለ ተዛረበኒ፡ ኣነ ብወገነይ ውሽጠይ ክርበሽ ተፈለጠኒ።
“መሓሪ ሓወይ ዝሓለፈ ጥራይ ኣይትሓዘለይ እምበር ካብ ሎሚ ጀሚረ ክሕግዘካ ክጅምር’የ፡ ጥራይ ንስኻ ኣይትኾሪ፡ ሓቕኻ ኢኻ ሰብ ብሓደ እንተነይሩ፡ ዋላ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ይፈላላ ክረሳሳዕ ግና የብሉን፡ ኣነ ድማ ናብራ ሓዳር ወጢጡኒ ኣምበር፡ ንዓኻ ዘረስዕ ዓቕሚ የብለይን. . .” ከእምኖ ጽዓርኩ።
“እዚ ንስኺ ትብልዮ’ዩ፡ ኣነ ግና ትሃስየ’የ፡ ብዝኾነ ሄለን እዚ ትብልዮ ዘለኺ ሓቒ እንተኾይኑ፡ ንዓይ ክትርስዕኒ ኣይነበረክን፡ እንታይ ድኣ ዋላ ሓዳር ግበሪ ድሃየይ ክትፈልጢ ነይሩኪ፡ ሕጂ ድማ ማይ ኣይሓለፎን ኣብ ዘዘለናዮ ኣይንረሳሳዕ” ኢሉ ቁጽሩ ሞባይሉ ጽሒፉ ምስ ሃበኒ፡ ሓደ ፉሉይ ስምዒት’ዩ ተሰሚዑኒ፡ ኣቲ ምስኡ ዘሕለፍክዎ ህይወት ክልተ ገጻት’ዩ ዘለዎ፡ እቲ ሓደ ናይ ብሓቒ ጽኑዕ ፍቕሪ ነይሩ፡ በቲ ሓደ ሸነኹ ድማ፡ ንሱ ናይ መስተ ግዙእ’ዩ ነይሩ፡ ንዓይ ድማ ለኪሙኒ። ኣውሪድካ ኣደይብካ
ግና፡ እቲ ሳዕቤን ሃሳዪ’ዩ ነይሩ። 
 ካባይ ምስ ተፈለየ ኣብ ከቢድ ሓሳባት’የ ተሸሚመ፡ ንምንታይ ቕድሚ ሕጂ ይረኽቦ ዘይነበርኩ? ስለምንታይ ተንካፊ ዘረባ ተዛሪቡኒ? ወዘተ እናበልኩ ብሓሳብ ሃውቲተ’የ፡ ሓደ ሰብ ሓዳሩ እንተገይሩ፡ እቲ ምዕራፍ ተወዲኡ’ዩ፡ ኣነ ግና ነዚ ዘንጊዐ ክረኽቦ ተወላወልኩ. . .”
 ሄለን፡ ካብ’ታ ምስ መሓሪ ትራኸብ ዕለት እንታይ ከም ትውስን’ዩ ጠፊእዋ። ሓገዛ ይደሊ ከም ዘሎ ምስ ሓበራ በየናይ መንገዲ ከም ትድግፎን፡ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ትገብረሉን ድማ መዋጥር ኮና። ብዓልቲ ሓዳር እሞ ድማ ኣደ ክልተ ቖልዑ፡ ንብሕታ ረኺባ ከተዘራርቦ ዓቐብ ከም ዝኾና ኣሚና፡ ኣብ ነውጺ ኣተወት፡ ንብዓል ቤታ ምምኻር ድማ ከም ንዕቐት ኣብ ልዕሊ ዳንኤል ስለ ዝቖጸረቶ፡ ንዝተፈላለየ ሓሳባት ኣብ ሓደ መደምደምታ ከየብጽሐት ክትዓጽዎ ክኣለት። 

ዳንኤል፡ ካብ’ታ ምስ ሄለን ሓዳር ዝገብረላ እዋን ጀሚሩ፡ ኣብ ናብርኡ ሩኡይ ለውጢ ኣምጽአ። ዋላ’ኳ ቕድሚ ሓዳር ምግባሩ ዘዋር እንተዘይነበረ፡ ኣብ ሓዳር ምስ በጽሐ ግና፡ ዝያዳ ደገ ምስ ደቑ ክጻወት ስለ ዝመረጽ፡ ወትሩ ኣብ ቤቱ ሓጎስ ምስ ተንጸባረቐ’ዩ፡ ነታ ናብ’ዚ ዘብቕዓቶ ሄለን ድማ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ንጽባቔኣ ካብ ምግናጽ ተቖጢቡ ኣይፈልጥን። ‘ናይ ብሓቒ ኣደ ስድራን፡ መጸበቒት ቤታን’ እናበለ’ዩ ዝገልጻ።
 ዳንኤል፡ ካብ ርኹባት ስድራ ዝተወልደ ኣርባዓን ክልተን ዕድመ ረጊጹ ዘሎ መንእሰይ’ዩ፡ ኣብ ትምህርቱ ካብ ህጻኑ ተኾስኪሱ ዝዓበየን፡ ክሳብ ዝልዓለ ደረጃ ትምህርቲ መጺሑ ዝተመረቐ ኣብ ርእሲ ምኻኑ፡ ነተን ካብ ኣብኡ ብመንገዲ ውርሻ ዝተማቐለን ትካላት ብግቡእ ኣማሓዲሩ፡ ናቱ ትካልን መንበሪ ገዛን ክውንን ዝበቕዐ ሰብ’ዩ፡  ምስ መሳርሕቱ ልዑል ናይ ምርድዳእ መንፈስስለ ዘለዎ ዝያዳ ‘ብኣቦ ስራሕ’ዩ’ ዝልለ። ኣብ ሓዳር ምስ ተጸምደ ድማ ዝያዳ ሓላፍነታውን ገዛይ ዝብል ልምዲ ስለ ዘእተወ ሓያልነቱ ብግብሪ ከንጸባርቕ ክኣለ። ህድእ ዝበለ ጠባይ ዝውንን’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዓበይቲ ጌጋታት ግና ምሕረት ዝገብር ኣይኮነን።
“እዚ ዓይነት ባህሪ ዘለዎ ሰብ ኣብ ሎሚ ክትረክብ ናይ ብሓቒ ዕድለኛ’የ፡ ነዚ ዕድል ድማ’የ ክጥቀመሉ ዘይክኣልኩ፡ እቲ ናብ ዘርጊ ዘእተወኒ ድማ ጽጋብ’ዩ። ኣውሪደ ኣደይበ ምስ ሓሰብኩ፡ ምስ መሓሪ ክራኸብ ይውስን፡ ካብትን ካብትን ኢለ ዘጠራቐምክዎ ገንዘን ሒዘ ድማ ብቖጸራ ይረኽቦ፡ በቓ ክሕግዞ ይውስን። ኣብ’ቲ ፈለማ ድማ ክሳብ ዓሰርተ ሽሕ ዝኣክል ገንዘብ ሂበዮ፡ ዝለገሰለይ ምስጋና ክሳብ ሕጂ ዝርስዖ ኣይኮንኩን፡ ግና ድማ ኣብ ልዕለይ ሓደ ዓቢ ድራማ’ዩ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ሰሪሑ፡ ድሕሪ ካባይ ካብ ፍቕሪ ምፍልላዮ ኣብኡን ኣዲኡ ከም ዝሞቱ፡ ንሱ ድማ ዘኽቲሙ ይኸይድ ከም ዘሎ ሰበይ ዝብሎ
ሰብ ከም ዘይብሉ ድንጋጸ ሓዊሱ ምስ ኣዕለለኒ፡ ዝተሰምዓኒ ስምዒት መግለጺ ዝርከቦ ኣይኮነን፡ ብጣዕሚ’ዩ ኣደንጊጹኒ፡ ልብኻ ዝትንክፍ ድንጋጸ ከማን፡ በዚ ምኽንያት ተደሪኸ ክሕግዞ ብምባል፡ ደጋጊመ ክረኽቦ ጀሚረ፡ ምርኻብ ምስ በዝሐ፡ ዕላላቱ ክምስጠንን ናይ ቀደም ፍቅሪ ከዘኻኽረንን ብምጅማሩ፡ ከይተረድኣኒ ኣብ ፍቕሪ ክጽመድ ጀሚረ፡ ዳንኤል ኣብ ዝገሸሉ እዋን ድማ፡ ንደቐይ ኣደቓቒሰ ናብ’ቲ ቀደም ንኣትዎ ዝነበርና መዛናግዒ ቦታታት ብሱትር ክኣቱ ጀሚረ፡ ነቲ ገዲፈዮ ዝነበርኩ መስተ ድማ በብቑሩብ ክጀማምሮ ጀሚረ፡ ገንዘብ ካብትን ካብትን ኢለ ንዑኡ ከሐጉስ ተዓጢቐ ተበገስኩ፡ ከይተረድኣኒ ድማ ኣብ ፍቕሪ ወዲቀ፡ ዘዝረኸብክዋ ትርፊ ግዜ ምስኡ ጥራይ ከሕልፋ ይደሊ፡ ኣብ ሓዳረይ ብዙሕ ነገር ክጎድለኒ ጀሚሩ፡ ግና ሳላ ህዱእ ባህሪ ብዓል ቤተይ፡ ለውጥታተይ ንደገ ኣይወጹን። ኣብ ሓዳር እትርእዮ ዘይንቡር ተርእዮታት ብኣግኡ እንተዘይተፈዊሱ
ሳዕቤኑ ከቢድ’ዩ፡ ናተይ ደገ ደገ ድማ ካብ መፈለምትኡ ዓገብ ኢሉ ዝኣልየኒ ኣይረኸብኩን፡ መመሊሰ ጥራይ ይጽየቕ። ኣብ ገዛ ዘርእዮ ዝነበርኩ ፍሉይ ጠባያት፡ ከም ቕሊል ተወሲዱ ይሓልፍ ብምንባሩ፡ ተሰቲረ ንኽኸይድ ሓጊዙኒ’ዩ። ኣብ ከም’ዚ ሰብን ፈጣርን ዘይፈትዎ ግናይ መንገዲ ከለኹ’ዩ ድማ እታ መዘዘኛ ዕለት ዝመጸት፡ ዕለት 31 ታሕሳስ 2015 ድሮ ሓድሽ ዓመት። ንጉደይ ዝኸሽሐት ግናይ ዕለት።
ይቅጽል. . .


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com