Sunday , May 19 2024

ዜና

“ውዲት ግብረሽበራ ሕሉፋት የማናውያን ዘሰክፍ እዩ” ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፊንላንድ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፊንላንድ ማሪ ራንታነን፡ ፖሊስ ብዛዕባ ውዲት ግብረሽበራ ሕሉፋት የማናውያን ባእታታት ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ ዘሰክፍ ምዃኑ ብምጥቃስ፥ ኣዝዩ ብዕቱብ ክውሰድ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲባ። ንሳ ብዓርቢ ን “ሄልሲንጊን ሳኖማት” ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ “እቲ ፖሊስ ዘመሓላለፍዎ ሓበሬታ ዘተሓሳስብ እዩ። ብዓመጽ ንሕብረተሰብ ከሸብሩ ዝደልዩ ሰባት ኣብዛ ሃገር ምህላዎም ዘቖጥዕ” ክትብል ገሊጻ። ክፍሊ ፖሊስ “ሃሜን” ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት መርመራን፥ ትማሊ …

Read More »

ፈረንሳ፥ ኣመሪካዊ ፓይለት ሰኺሩ ናብ ስራሕ ክኣቱ ብምፍታኑ ተፈሪዱ።

ካብ መዕርፎ ነፈርቲ “ቻርለስ ደ ጎል” ነፋሪት ከብርር ኣብ ዝተመደበሉ እዋን፥ ኣልኮላዊ መስተ ምውሳዱ ብ መርመራ እተረጋገጸ ኣመሪካዊ ፓይለት፥ ተፈሪዱ። እዚ 63 ዝዕድሜኡ ፓይለት ‘መንገዲ ኣየር ዩናይትድ” ናብ ዳላስ–ቴክሳስ– ቅድሚ ምብራሩ እዩ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ “ቻርለስ ደ ጎል” ብፖሊስ መርመራ ትንፋስ ተጌሩሉ። ኣብ ኤውሮጳ ንዝነብሩ ፓይለታት ካብ ዝፍቀድ ሕጋዊ ገደብ፥ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛይድ ኣልኮላዊ መስተ ምስታዩ ከም እተረጋገጸን፥ ዝሓለፈ ብሰሉስ …

Read More »

ኣብ ዮተቦሪ ንሓንቲ ህጻን ብኻራ ዘጥቅዐ ሰብኣይ፥ ን14 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት ኣብ ማእከላይ ዮተቦሪ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል 10 ዓመት ቆልዓ ብዘይ ምኽንያት ብስሕለት መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብኣይ ን14 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። እታ ሆላንዳዊት ህጻን፡ ኣብ ማእከል ከተማ ብሩንስፓርከን እዚ መጥቃዕቲ ዝወረዳ እንዳ ኣባሓጎኣ እንዳ በጽሐት እዩ ኔሩ ። በቲ መጥቃዕቲ ከቢድ መቚሰልቲ እኳ እንተወረዳ ካብ ሞት ድሒና እያ ። እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ወዲ 35 ዓመት …

Read More »

“ጸጥታዊ ኲነታት ሽወደን ይጋደድ ኣሎ”–ኣገልግሎት ድሕነት ሽወደን “ሳፖ”።

ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖ፡ ብሰንኪ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መጽሓፍ ቊርኣን ዘቃጽል ሰልፊታት፡ ኩነታት ጸጥታ እታ ሃገር እናኸፍአ ከም ዝመጸ ገሊጹ። ሽወደን ኲሉ ዓይነት ሓሳባትን ኣረኣእትያታን ተጸዋዊሩ ዝነብረላ ሃገር ተጌራ ክትረአ እኳ እንተጸንሐት፥ ብሰንኪ እዞም ፍጻመታት፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ገለ ክፋላት ዓለም ከም ጸረ ኣስላም ትረአ ኣላ ክትብል ኣብ ሳፖ ምክትል ሓላፊት ኣሃዱ ጸረ ግብረሽበራ ሱዛና ትረሆርኒና ኣመልኪታ። ደረጃ …

Read More »

ሽወደን ዕላማ ዘመተ ጸለመ ትኸውን ኣላ ተባሂሉ።

ረብሓታት ሽወደን ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ዝደልዩ ኣካላት፥ ነታ ሃገር ዒላማ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ይገብርዋ ምህላዎም፥ ሚኒስተር ሲቪል ምክልኻል ካርል ኦስካር ቦህሊን ትማል ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ። እቲ ሚኒስተር፡ ብሩስያ ዝድገፉ ኣካላትን ካልኦትን፡ መንግስቲ ሽወደን ከም ቁርኣን ዝኣመሰሉ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምርኻሶም ተሓታቲ ምዃኑ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ይዝርግሑ ከም ዘለዉ ገሊጹ። ኣብ ኤጀንሲ ምክልኻል ስነ-ልቦና ሽወደን ሓላፊ ርክባት ሚካኤል ኦስትሉንድ'ውን …

Read More »

ላሜራ መርከብ ኤም ኤስ ኢስቶንያ ካብ ባሕሪ ባልቲክ ከም ዝወጽእ ተጌሩ።

ላሜራ ናይ ቅድሚት ኣካል መርከብ ኤም ኤስ ኢስቶንያ ብትእዛዝ ሰብመዚ ሽወደን ካብ ባሕሪ ከም ዝወጽእ ከም እተገብረ ተገሊጹ። ኣብ 1994 ኣብ ማያት ባሕሪ ባልቲክ ዝጠሓለት እዛ መርከብ ምኽንያት ቅዝፈት 852 ሰባት ምዃና ዝፍለጥ እዩ። ኣብ በዓል መዚ መርመራ ሓደጋታት ሽወደን ዮናስ ባክስትራንድ፡ ኣብዚ ላሜራ ዝግበር መርመራ እታ መርከብ ስለምንታይ ከም ዝጠሓለት ዝያዳ ርግጸኛ መልሲ ንምሃብ ክሕግዝ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ንሱ …

Read More »

ኤጀንሲ ስደተኛታት ዝሰረዞ ፍቓድ መንበሪ ብሰለስተ ዕጽፊ ይዓቢ።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ዝሰረዞ ሕቶ ፍቓድ መንበሪ ብሰለስተ ዕጽፊ ምዕባዩ ተፈሊጡ። ካብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣትሒዙ ልዕሊ 6 ሽሕ ሰባት፥ ኣብ ሽወደን ናይ ምጽናሕ መሰሎም ተሰሪዙ’ሎ። ኣካያዲ ፕረስ ኤጀንሲ ስደተኛታት ጀስፐር ቴንግሮ፡ እቲ ውጽኢት ምስቲ መንግስቲ ነቲ ትካል ዝሃቦ መምርሒ ዝሰማማዕ ምዃኑ ይገልጽ። ኣብ ወርሓ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፥ ኣብ ስርዓተ ኢሚግሬሽን ዘሎ ስልጣንካ ብዘይ …

Read More »

ብኣግኡ ምትዕርራይ ግብሪ ክግበረሎም ዘመልከቱ ሽወደናውያን ብቚጽሪ ይውስኹ።

ኣብ ሽወደን ቁጽሪ ናይቶም ብኣግኡ ምትዕርራይ ግብሪ ክግበረሎም ዘመልከቱ ሰባት፥ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይዚ ዓመት ብ 55% ከም ዝወሰኸ፥ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እዚ ብቋንቋ ሽወደን "ስካተር የምክኒንግ” ተባሂሉ ዝፍለጥ መስርሕ ፥ ዝኾነ ሰብ ካብ ዕዳ ግብሪ ሃዲሙ ብዝብል ንኸይሕተት፥ ወይ ድማ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ግብሪ ንኸይከፍል፡ ግብሩ ክስተኻኸል ዝሓተሉ ኣገባብ …

Read More »

ኣብ ከተማ ኤስኪልስቱና ብዝተፈጸመ ናይ ብረት መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ሞይቱ።

ፖሊስ ኣብ ከተማ ኤስ ኪል ስቱና ዝተፈጸመ ናይ ብረት መጥቃዕቲ ንሓድሕዱ ምትእስሳር ኣለዎ እንተኾይኑ ይምርምር ኣሎ። በቲ ብዓርቢ እተፈጸመ ናይ ብረት መጥቃዕቲ ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት ዝርከብ መንእሰይ ክቕተል እንከሎ፡ ሰንበት ምሸት ድማ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ኮቴቴ ብኸቢድ ቆሲሉ’ሎ። ፖሊስ ኤስኪልስቱና ተወሳኺ ተኹሲ ክፍጸም ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም፥ ኣብ ሶርምላንድ እትርከብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ቻነል ሬድዮ ሽወደን …

Read More »

ኣብ ሮስድ ኣብ ዕረፍቲ ዝርከቡ ሽወደናውያን፥ ዘይርግጹነት ከም ዘንጸላለዎም ተገሊጹ።

ኣብ ግሪኽ ድሕሪ ዝተኸስተ ሰፊሕ ባርዕ ጫካ፥ ብዙሓት ሽወደናውያን በጻሕቲ ክወጹ እኳ እንተተገብረ፡ ካልኦት ኣሽሓት ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ኣብ ኣብ ደሴት ሮድስ (ግሪኽ) ከሕልፉ ዝደልዩ ሽወደናውያን ዛጊት ኣብቲ ቦታ ምህላዎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ተወሰኽቲ በረራታት ይመጹ ምህላዎም ነቲ ኲነታት ኣዘራራቢ ጌርዎ’ሎ። ኣብታ ደሴት ኣብ ዕረፍቲ ዝርከቡ ማትስ ኒልሰንን በዓልቲ ቤቱን ብቕድሚ ትማል ሰንበት ረጒድ ትኪ ናብ ሆቴሎም ምብጽሑ ይገልጹ። እዞም ጽምዲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com