Friday , May 3 2024

ዜና

ህሉው ኣዋህባ ፍቓድ ስራሕ ኣብ ሰሜን ሽወደን ዘሎ ልምዓት ኢንዱስትሪ ብኣሉታ ከይጸሉ የስግእ።

ፍቓድ-ስራሕ ረኺቦም ካብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ናብ ሽወደን ንዝመጹ ሰራሕተኛታት፥ ዝወሓደ መጠን ደሞዝ ክውስኸሎም ብምባል መንግስቲ ዘውጽኦ ውጥን እኳ እንተሃለወ፥ ኣሰራርሓ ኢሚግሬሽን ግና ትርር ዝበለ ክኸውን ምግባሩ፥ ኣብ ሰሜን ሽወደን ንዘሎ ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪ ብኣሉታ ከይጸሉ ሻቕላ ከም ዘለዎ “ውድብ ምቚጻር ሰራሕተኛታት ሽወደን” ገሊጹ። ብኻልእ ወገን፥ ኣብ ሰሜን ሽወደን ልምዓት ኢንዱስትሪ ኣዝዩ የስፋሕፍሕ ብምህላዉ፥ ሰራሕተኛታት ብብዝሒ ክቖጽር ከም ዘደሊ ኣብ …

Read More »

ልዕሊ ፍርቂ ካብ ሚኒስተራት መንግስቲ ንገዛእ ርእሶም “ተጣበቕቲ መሰላት ደቀንስትዮ” ኢሎም ይጽውዑ።

13 ካብ 24 ሚኒስተራት መንግስቲ ንገዛእ ርእሶም “ተጣበቕቲ መሰል ደቀንስትዮ” ኢሎም ክጽውዑ ዝኾነ ጸገም ከም ዘይብሎም፥ 7 ግና ከምኡ ተባሂሎም ኢሎም ክጽውዑ ከም ዘይመርጹ፥ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዘካየዶ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። “ንገዛእ ርእስኻ ተጣባቒ መሰል ደቀንስትዮ ኢልካ ትጽውዓዶ?” ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም እዞም ሚኒስተራት፥ ኣብዚ ኣምር ብዘለዎም ኣጣምታ ፍልልያት ኣርእዮም ኣለዉ። ልዕሊ ፍርቂ ካብዞም ሚኒስተራት፥ ንገዛእ ርእሶም በዚ ስም ክጽውዕዋ ጸገም …

Read More »

ፊንላንድ፡ ትሕቲ ዕድመ መስተ ብመንጎኛታት ኣቢሎም ይረኽብዎ ምህላዎም ተፈሊጡ።

መንእሰያት ፊንላንድ ዘህልኽዎ መጠን ኣልኮላዊ መስተ እናንቈልቈለ ምምጽኡ፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ምስካር ዘሎ ኣጣምታ ኣሉታዊ እናኾነ ምምጽኡ “ዳህሳስ ጥዕና ኣብያተ ትምህርቲ” ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ይዂንምበር፥ ኣብ 2021 ኣስታት 35% ካብ ኮተቴ ተማህሮ ፊንላንድ መስተ ከም ዘዘውትሩን፡ 90% ካብዚ ኣልኮላዊ መስተ ብ መንጎኛታት ኣቢሎም ይረኽብዎ ምህላዎም፥ ካልኦት ድማ ካብ ስድራቤቶም ወይ ኣሕዋቶም ከም ዝረኽብዎን እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ ኣረጋጊጹ። "ትምህርቲ ዝዛዘመሉን ምረቓ ዝጽንበለሉን …

Read More »

ውሳነ ቤት ፍርዲ ብብረት ዝፍጸም ገበን ኣብ ምክልኻል ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ዝዕንቅፍ ኣዩ

ብረት ዝሕዙ ሰባት ንምሓዝ ፖሊስ ዝጥቀሙሉ ዝቐለለ ኣገባብ፡ ነቲ ብረት ብተመሳሳሊ ብረት ብምልዋጥ፡ ድሕሪዚ ካሜራታት ምክትታል እናተጠቐምካ፥ እቲ ብረት ከም ዝምለስ ምግባር ምዃኑ ተገሊጹ። ፖሊስ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ቅድሚ ምጥቃሞም፥ ወናኒ ብረት ነቲ ብረት ክጥቀመሉ ውጥን ከም ዝነበሮ ምርግጋጽ ከም ዘድልዮም ብምጥቃስ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሽወደን ሓድሽ ሕድሽ ውሳነ ኣመሓላሊፉ’ሎ። ነዚ ጒዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዝወሰደ ጠበቓ ኒምናር ፖሊ፥ ነዚ …

Read More »

ኲናት ዩክሬይንን ለበዳን ን ጽላት ቱሪዝም ባህሪ ባልቲክ ኣጸቢቑ ከም ዝሃሰዮ ተፈሊጡ።

ኲናት ዩክሬይንን ለበዳን ን ጽላት ቱሪዝም ባህሪ ባልቲክ ኣጸቢቑ ከም ዝሃሰዮ ተፈሊጡ። ምስ ቅድመ ለበዳ ብምውድዳር ኣብዚ ዓመት ስቶክሆልም 60% መራኽብ መዘናግዒ ጥራይ ከተአንግድ እያ። እዚ እናኾነ ብወገን ምዕራባዊ ገማግም ዮተበሪ ዝያዳ መራኽብ መዘናግዒ ትቕበል ምህላዋን ኣብዚ ሳመር ክሳብ 100,000 በጻሕቲ መራኽብ ከተአንግድ ምዃና ተፈሊጡ’ሎ።

Read More »

ኮተቴ ተመሃሮ መጠን ውጥረቶም እናወሰኽ ይመጽእ ኣሎ–“ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን”

ኮተቴ ተመሃሮ መጠን ውጥረቶም እናወሰኽ ምምጽኡ፡ “ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን” ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዮተበሪ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ፥ ምስ ዕብይ ዝበሉ ተመሃሮን፥ ነባር ኣማኻሪት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲን ኣዕሊላ ኔራ። ብመሰረት ዝረኸበቶ ሓበሬታ መርመራ ዝርከበሉ ናይ ግዜ ገደብ (ዴድላይን)፥ ጽቡቕ ውጽኢት ንምምጻእ ዘሎ ጸቕጢ፥ ከምኡ’ውን ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ተመሃሮ፥ ውጥረት ንኽልዕል …

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝዓበየ ወሰኽ ክራይ ይምዝገብ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 82% ወሰኽ ክራይ ሽወደን ምዝዛሙን፡ ኣብዚ ዓመት ዘሎ ወሰኽ ብማእከላይ ገምጋም ከባቢ 4.2% ምዃኑን “ማሕበር ተኻረይቲ ሽወደን” ገሊጹ። “እዚ ወሰኽ ክራይ ርትዓዊ እዩ” ዝበለ ሓላፊ እዚ ማሕበር ኤሪክ ኤልምክረም፥ ይዂንምበር ብርክት ዝበሉ ኣባላት ብምኽንያት ዝቕባበን ልዑል ዋጋታት መግቢን ኣብ ኣሸጋሪ ኲነታት ምጽንሖም ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ንኲባንያታት ኣባይቲን ኮርፖሬይትን ዝውክል ውድብ ኢንዱስትሪ ብወገኑ ካብዚ ዝልዕል ወሰኽ ክራይ ደልዩ …

Read More »

ኖርወይ ን ዘዋሪ ፕረሲደንትነት “ቆንስል ኣርክቲክ” ተረኪባ።

  ኖርወይ ዘዋሪ ፕረሲደንትነት “ቆንስል ኣርክቲክ” ዝሓለፈ ሓሙስ ካብ ሩስያ ተረኪባ። “ቆንስል ኣርክቲክ” ሸሞንተ ሃገራት ዝኣባላቱ በይነ-መንግስታዊ ኣካል እዩ፡፡ እንተኾነ ግና፡ ብምኽንያት ቅሉዕ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን፥ ብዝተኸስተ ምልሕላሕ ርክብ እዘን ሃገራት፥ እዚ ውድብ ኣብ ከባብያዊ ዕቀባ ዝጸንሖ ተገዳስነት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል እዩ ዝብል ሻቕላ ፈጢሩ’ሎ። ሾብዓተ ካብ ኣባላት እዚ ውድብ ሃገራት ምዕራብ ኮይነን፡ ዝያዳ ኣብ ዕቀባ ኣከባቢ …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሓደስቲ እገዳታት ክጸዓን ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፈጸመቶ ቅሉዕ ወራር ከቢድ ዋጋ ከኽፍላ እዩ ክብል ቀ/ሚ ሪሺ ሱናክ ገሊጹ። ኣብ ሂሮሺማ (ጃፓን) ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዋዕላ ሃገራት G7 ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሓደስቲ እገዳታት ክጸዓን ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ። ከም መርኣያ ናይዚ ድማ ኣብ ብሪጣንያ ዝሽየጥ ዝነበረ ማዕድን ኣልማዝ ሩስያ እገዳ ክግበረሉ እዩ። ሩስያ ካብዚ ሰደድ ክሳብ 4 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከም እትረክብ ዝፍለጥ …

Read More »

ብሪጣንያ “ማዕከን ዕቃበ ጫካ ኣማዞን” ንምስሳን፥ ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ን ብራዚል ተመባጺዓ።

ብሪጣንያ ማዕከን ዕቃበ ጫካ ኣማዞን ንምስሳን ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ን ብራዚል ተመባጺዓ። ሓድሽ መራሒ ብራዚል ሉላ ዳሲልቫ ኣብ ዕቃበ ጫካ ኣማዞን ጽንዕ ዝበለ መርገጺ ሒዙ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። ቀ/ሚ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ከምኡውን ፕረሲደንት ብራዚል ዳልቫ ኣብ ከተማ ላንደን ድሕሪ ምርኻብ እዮም ብዛዕባ እዚ ንማዕከን ዕቃበ ኣማዞን ዝኣተወ ሓገዝ ገንዘብ ገሊጾም ዘለዉ። ኣብ ኣህጒር ላቲን ኣመሪካ ዝርከብን “ሳንቡእ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com