Friday , May 3 2024

ዜና

ሎሚ ሰኑይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ኣድማ ተሰሪዙ።

ሎሚ ሰኑይ ኣብ ሓያሎ መዓርፎ ነፈርቲ ሽወደን ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ኣድማ ተሰርዙ። እዚ ውጥን ክስረዝ ዝተገብረ ኣብ መንጎ ማሕበር ሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ሽወደንን ኣካል ኢንዱስትሪ ኣልመጋ ዝኾነ ኲባንያ ድሕነትን ኣብ ምምሕያሽ ደሞዝን ፖሊሲታት ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሖም እዩ። እዚ ኣድማ ከምቲ ዝተወጠኖ ተኻዪዱ እንተዝነብር መዓርፎ ነፈርቲ ስቶክሆልም፡ ዮተበሪን ማልምን ብኣሉታ ምተጸልዋ ኔረን። እዚ ስምምዕ ካብቲ ዝደልይዎ ብገለ መዳይ ጎደሎ እንተኾነ ዓብይ …

Read More »

ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ፥ ዝጸንሑሉ ማእከላት መምለሲ ክህነጽ እዩ።

ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽገ ሰባት ዝጸንሑሉ ማእከላት መምለሲ ከቕውም ብሰልፊ ዲሞክራሲ ዝድገፍ መንግስቲ ሎሚ ቅልጡፍ ዕማም ሂብዎ። ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ማርያ ማልመር ስቴነርጋርድ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ዕላማ ምህናጽ እዚ ማእከላት ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽገ ሰባት ናብ ዓዶም ክምለሱ ንምግባር ምዃኑ ሓቢራ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕቶ ዕቚባ ካብ ዘቕረቡ እቶም 74% ጠለቦም ከም እተነጽገ ስተነጋድ ወሲኻ ኣመልኪታ። እንተኾነ ግና …

Read More »

ሞሮኮ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ኣምባሳደራ ትጽውዕ።

ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ መዓልቲ ዒድ-ኣላድሓ፥ ኣብ ደገ ቀንዲ መስጊድ ስቶክሆልም ድሕሪ ዝተኻየደ ምቅጻል ቊርኣን ማእከል ዝገበረ ናዕቢ፡ ሞሮኮ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ኣምባሳደራ ምጽውዓ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን። ብዘይካዚ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሞሮኮ፡ ኣብ ራባጥ ንዝርከብ ወኪል ሽወደን ብምጽዋዕ ነዚ ምቅጻል ቊርኣን "ዘይቅቡል ተግባር" ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ን ስምዒት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ኣመንቲ ምስልምና ጨሪሱ ዘየኽብር እዩ ብምባል ሽወደን ነቲ …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት -30-06-2023

Read More »

ማእከላይ ባንክ ሽወደን–ሪክስባንክ–መጠን ወለድ ይውስኽ።

ማእከላይ ባንክ ሽወደን–ሪክስባንክ፡ ልዑል መጠን ዝቕባበ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ን መዐየሪ ወለዱ ብርብዒ ሚእታዊት ብምውሳኽ ናብ 3.75 ሚእታዊት ከም ዘዕበዮ ተገሊጹ። እዚ ወሰኽ ወለድ ብብዙሓት ተንተንቲ ቁጠባ ትጽቢት ክገብሩሉ ዝጸንሑ ኮይኑ፡ መጠን ዝቕባበ ግና ካብቲ ማእከላይ ባንክ ሸቶ ዝገበሮ 2 ሚእታዊት ዝልዕል እዩ። ሪክስባንክ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ን ቀንዲ መጠን ወለድ ብፍርቂ ሚእታዊት ከም ዘዕበዮን ዝፍለጥ …

Read More »

ኣርቲፊሻል መማቕርቲ “ኣስፓርተም”፡ ካንሰር ዘኸትል ባእታ ተባሂሉ ክምደብ እዩ።

ኣርቲፊሻል መማቕርቲ “ኣስፓርተም”፡ ብ ኣህጒራዊ ትካል ምርምር መንሽሮ (IARC) ካንሰር ዘኸትል ባእታ ተባሂሉ ክምደብ ተዳልዩ ምህላዉ ተፈሊጡ። እዚ ኣብ ወርሒ ሓምለ ክግለጽ ትጽቢት ዝግበረሉ ውሳነ፡ ኣብ መንጎ ኢንዱስትሪ መግቢ፡ ተቖጻጸርትን ትካላት ጥዕናን ዓብዪ ዘይምርድዳእ ፈጢሩ’ሎ። ኣስፓርተም ኣብ ከምኒ ኮካ-ኮላ ዝኣመሰሉ ፍርያት ልስሉስ መስተ፥ ማስቲካ “ማርስ ኤክስትራ”፡ ከምኡ’ውን ገለ መስተ ስናፕል ዝውዕል ፍሉይ መማቕርቲ ባእታ እዩ። IARC ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም …

Read More »

ፊንላንድ፥ መዓርፎ ነፈርቲ ሄልሲንኪ-ቫንታ ብዘመዝገቦ ዓወት ልዑል ኣፍልጦ ረኺቡ።

ኲባንያ ፊናቭያ፡ ኣብ ምሕደራን ምዕባለን መዓርፎ ነፈርቲ ሄልሲንኪ-ቫንታ ብዘመዝገቦ ዓወት ልዑል ኣፍልጦ ረኺቡ። በዚ ድማ ኣህጉራዊ ትካል መዓርፎ ነፈርቲ ACI፡ ን መዓርፎ ነፈርቲ ሄልሲንኪ-ቫንታ ብስፍሓቱ ናይ 2023 ዝበለጸ መዓርፎ ነፈርቲ ኤውሮጳ ክብል ሓጽይዎ’ሎ። "በዚ ዝረኸብናዮ ሽልማት ኣዝየ እየ ዘመስግን፡፡ ዓወት መዓርፎ ነፈርቲ ሄልሲንኪ-ቫንታን ን ፊንላንድን ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነት ምሃቡ ድማ ሕቡን እየ፥ ንኹሎም ሰራሕተኛታት ኲባንያ ፊናቭያ፥ ኩለን ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ …

Read More »

ማሕበር መንሽሮ ሽወደን ኣብ ወፍሪታቱ ክጥንቀቕ ምዃኑ ይገልጽ።

ትካል ግብረሰናይ ዝኾነ ማሕበር መንሽሮ ሽወደን–“ካንሰርፎንደን”–፡ ን ፍርያት ኣልኮላዊ መስተን ጸረ-ባልዕን ዘጠቓለለ ልዕሊ 100 ሚልዮን ክሮና ዝኸውን ናይ ሓባር ወፍሪ ከም ዝገበረ፥ ኣብ ቫርምላንድ ዝርከብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ቻነል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ማሕበር መንሽሮ ሽወደን ኣብ ምርምር መንሽሮ ዝዓበየ ኣበርክቶ ይገብሩ ካብ ዘለዉ ትካላት ሓደ ኮይኑ ኮይኑ፡ ኣብ ፖሊሲኡ ገንዘባዊ ወፍሩ ንጥዕና ደቂ ሰባት ዝጎድኡ ከም እኒ ኣልኮላዊ መስተ ዝኣመሰሉ …

Read More »

ፖሊስ ትማሊ ኣብ ኣፍደገ መስጊድ ስቶክሆልም፡ ምቅጻል ቁርኣን ክካየድ ፍቓድ ሂቦም ተባሂሉ።

ፖሊስ ነቲ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣፍደገ መስጊድ ስቶክሆልም፡ ዝተኻየደ ምቅጻል ቁርኣን ፍቓድ ምሃቦም ተፈሊጡ። እቲ ክርስትያናዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎ መበቆሉ ካብ ዒራቕ ዝኾነ ኢ-ኣማኒ ነዚ ምቅጻል ቊርኣን ዘካይደሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ንእስልምና ከም ሓደ ስነ-ሓሳብ ከም ዝቃወሞ ንምግላጽ እምበር፡ ምስ ኣመንቲ ምስልምና ዝኾነ ሽግር ስለ ዘለዎ ከም ዘይኮነ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ምጅማር እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ ፖሊስ ስቶክሆልም ስዒቡ ዝመጽእ ናይ …

Read More »

ፖሊስ ስቶክሆልም ን ምቅጻል ቊርኣን ኣመልኪቶም መራመራ የካይዱ ።

ኣዳላዊ ናይቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ስቶክሆልም ዝተኻየደ ቁርኣን ዘቃጸለ ተቓውሞ፡ ኣንጻር ሓደ ጉጅለ ህዝቢ ናዕቢ ክለዓል ዝጽውዕ ብምዃኑ ፡ ከምኡ’ውን እገዳ ባርዕ ሓዊ ብምጥሓሱ ፖሊስ መርመራ ይገበረሉ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ ስቶክሆልም ከባቢ ሶደርማልም ኣብ ዝርከብ መስጊድ፥ ብምቅጻል መጽሓፍ ቊርኣን ዝተኻየደ ተቓውሞ፥ ፍቓድ ፖሊስ ዝተዋህቦ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ነዚ ምቅጻል ቊርኣን ዝወደበ ሰብኣይ ክርስትያናዊ ድሕረ-ባይታ ዘለዎ ኢ-ኣማኒ (ኤተይስት) ዒራቓዊ እዩ። እቶም በዓል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com