Saturday , April 27 2024

ዜና

ኤጀንሲ ሚግሬሽን ናብ ዒራቕ ክገብሮ ሓሲብዎ ዝነበረ ጉዕዞ ሰሪዙ።

ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን፡ ኮታ ስደተኛታት ንምጽራይ፡ ዝመጽእ ወርሒ ናብ ዒራቕ ክገብሮ ተሓሲቡ ዝነበረ መገሻ፡ ህሉው ኩነታት ጸጥታ ብምምኽናይ ኣቋሪጹ። ኣብ ሽወደን ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ዝተኻየደ ምቅጻል ቁርኣን ካብ ሃገራት ኣስላም ሓያል ግብረመልሲ ዘስዓበ ኮይኑ፡ እቲ ትካል ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ዒራቕ ሰራሕተኛታት ክሰድድ ከምዘይክእል ገሊጹ’ሎ። ገለ ኮታ ስደተኛታት ብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣካል ስደተኛታት UNHCR ዝተመርጹ ኮይኖም፡ ዝለዓለ ሓለዋ ከምዘድልዮም …

Read More »

ሽወደናውያን ብዛዕባ ስግኣት ግብረሸበራ ዘለዎም ስምዒት ዝተፈለለየ እዩ።

ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን– ሳፖ–ዝሓለፈ ሓሙስ ደረጃ ሃገራዊ መጠንቀቕታ ካብ ሓሙሽተ ደረጃታት (ካብ 3 ናብ 4) ክብ እኳ እንተበሎ፥ ተቐማጦ ርእሰ ከተማ ሸደን–ስቶክሆልም–ልሙድ ህይወቶም ክመርሑ ከም እተዓዘበት፥ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ዝሓለፈ ወርሒ ዝተፈጸመ ምቅጻል ቊርኣን ዝሰዓቦ ስግኣታት ግብረሽበራ ብዝተሓሓዝ ዝኾነ ጭንቀት ይስምዖም እንተኾይኑ ንምፍላጥ፥ ሬድዮ ሽወደን ንገለ ዝረኸበቶም ሰባት ቃለ መሕትት ኣካዪዳ ኔራ። "ብርግጽ ገለ ስክፍታ ኣለኒ ፡ ኣብ እኩብ ህዝቢ …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት -18-08-2023

Read More »

ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛ ቆንስል ሽወደን ዝተፍጸመ መጥቃዕቲ፥ ፖለቲካዊ ድራኸ ክህልዎ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ቱርክ–ከተማ ኢዝሚር–ኣብ ዝርከብ ቆንስል ሽወደን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብረት ኣመልኪቱ ብኣሃዱ ጸረ-ግብረ መርመራ ይካየድ ከምዘሎ ፖሊስ ቱርክ ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣረጋጊጹ። እዚ መጥቃዕቲ ብረት ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ንላዕሊ ድርኺት ክህልዎ ከምዝኽእል ዘመልክት ምዃኑ ምንጭታት ሬድዮ ሽወደን ካብ ቱርክ ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብቲ ብሰንኪ ናይ ቪዛ ምስሕሓብ ዝተበገሰ ተኹሲ፥ ሓንቲ ሰራሕተኛ እቲ ቆንስላ ዝኾነት ቱርካዊት ብከቢድ ምቚሳላ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ሶርያዊ …

Read More »

ማልም፥ ብምኽንያት ውድድር ዩሮቪዥን ክራይ ገዛ ንሓደ ለይቲ 9000 ክሮና ይበጽሕ።

ብምኽንያት ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ጽምብል ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን፥ ኣብ ማልሞ ክራይ ገዛ ወይ ኣፓርታማ ንሓደ ለይቲ ኣስታት 9 ሽሕ ክሮና በጺሑ ምህላዉ ተገሊጹ ። ዋጋታት ክራይ ኣባይቲ ወርሒ ግንቦት ካብቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝነበረ ማእከላይ ዋጋ፥ ብልዕሊ ሓሙሽተ ዕጽፊ ወሲኹ’ሎ። ይኹን’ምበር ዋና ኣካያዲት ስራሕ ትካል ቦስታድ ስራተርና፡ ኡልሪካ ብሎምቪስት፡ ኣፓርታማኦም ከካርዩ ፍቓድ ዝይብሎም ሰባት፥ ኣብዚ ክዋፈሩ ከም ዘይብሎም ኣጠንቂቓ’ላ። …

Read More »

ማሕበር ጠበቓታት ን ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ይንእድ።

  ዋና ጸሓፊት ማሕበር ጠበቓታት ሽወደን ሚያ ኤድዋል ኢንሱላንደር፡ ነቲ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዘካየደቶ መርመራ ኣመልኪታ ዘለዋ ናእዳ ገሊጻ። ትማሊ ረቡዕ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘቕረበቶ መርመራዊ ጸብጻብ ብዙሓት ን ግዱድ ክንክን ህጻናት ትሕቲ 15 ዓመት ኣመልኪቶም ዝተዋህቡ ውሳነታት ቤት ፍርዲ፥ ርእይቶ ናይቶም ዝምልከቶም ህጻናት ከም ዘየጠቓልል ምቅልዓ ዝዝከር እዩ። ሽወደን ን ውዕል “መሰል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት”፥ ከምኡ’ውን ህጻናት ርእይቶኦም …

Read More »

መጥቃዕቲ ግብረሽበራ ንምክልኻል ኩሉ ብንቕሓት ክትትል ክገብር ጻውዒት ተጌሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ትማሊ ረቡዕ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፥ ኲነታት ከቢድ እኳ እንተኾነ፡ ሰባት ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ይኽእል እዩ ብምባል ብዘየድሊ መጠን "ክፈርሁ የብሎምን" ክብል ገሊጹ። ሰበስልጣን ብሪጣንያ፥ ነቲ ኣብ ስቶክሆልም ዝተኻየደ ምቅጻልን ምርኻስን ቊርኣን ከም ምኽንያት ብምልዓል፥ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን “ግብረሸበራውያን ኣብ ሽወደን መጥቃዕቲ ክፍትኑን ክፍጽሙን ዘለዎም ተኽእሎ ኣዝዩ ልዑል'ዩ” ክብሉ ኣጠንቂቖም …

Read More »

ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዝተወልዱ ሰራሕተኛታት ንዘለፋ ዝተቓልዑ እዮም።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ ሰባት ካብቶም ኣብ ሽወደን ዝተወልዱ ብዝያዳ ኣብ ቦታ ስራሕ ርኡይ ጸገማት የጋጥሞም ምህላዉ ተገሊጹ። ብመሰረት ጸብጻብ ጥዕናን ድሕነትን ስራሕ ዝከታተል መንግስታዊ ትካል “ኤጀንሲ ኣከባቢ ስራሕ”፥ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ ሰባት ኣብ ስራሕ ዝበጽሖም መድሃልቲን ምንግልታዕን ካብቶም ኣብ ሽወደን እተወልዱ ብዕጽፊ ይዛይድ። እዞም ክልተ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ክሰርሑ ስለ ዝፍትኑ፡ እቲ ውጽኢት ኣዝዩ ዝተፈላለየ ክኸውን …

Read More »

ሽወደን ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ብስፔይን ተረቲዓ።

ሽወደን ድሕሪ 20 ዓመታት፥ ናብ ግጥም ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ክትበጽሕ ዝነበራ ሕልሚ ትማሊ ሰሉስ በርዒኑ ተሪፉ። ትማል ሰሉስ ሽወደን ምስ ስፔይን ኣብ ዝገበረቶ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ፥ 2 ብ 1 ተረቲዓ’ላ። ስፔይን ቅድሚ ምውዳእ ጸወታ ሓንቲ ሸቶ እኳ እንተመዝገበት፡ ሽወደን ድንጉይ ኢላ ማዕረ ዝገበረታ ሸቶ ብምእታው ናብ ጸወታ ክትምለስ ክኢላ’ያ። እንተኾነ ግና ነዊሕ ከይጸንሐት ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ስፔይን ነታ …

Read More »

ኣብ ውሳነ ግዱድ ክንክን፥ ርእይቶ ህጻናት ኣብ ግምት ይኣቱ የሎን ተባሂሉ።

ህጻናት ኣብ ጒዳይ ግዱድ ክንክን ርእይቶኦም ክስማዕ ሕጊ መሰል ዝህቦም እኳ እንተኾነ፥ ሬድዮ ሽወደን ዝመርመረቶም ንግዱድ ክንክን ዝምልከቱ ብርክት ዝበሉ ውሳነታት ቤት ፍርዲ፥ ርእይቶ ህጻናት ከም ዝጎድሎ ተዓዚባ’ላ። ብሰንኪ ጎዳኢ ባህርያቶም ንገዛእ ርእሶም ናብ ሓደጋ ከቃልዑ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ኣብ ግዱድ ክንክን ካብ ዝኣተዉ ትሕቲ 15 ዝዕድሜኦም ህጻናት፥ እቶም ሲሶ ኣብዚ ጒዳይ ዘለዎም ርእይቶ ኣብ ግምት ክእቱ ከም ዘይተገብረ፥ ኣገልግሎት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com