Thursday , May 9 2024
File photo. Credit: Stina Stjernkvist/TT

ኣብ ውሳነ ግዱድ ክንክን፥ ርእይቶ ህጻናት ኣብ ግምት ይኣቱ የሎን ተባሂሉ።

ህጻናት ኣብ ጒዳይ ግዱድ ክንክን ርእይቶኦም ክስማዕ ሕጊ መሰል ዝህቦም እኳ እንተኾነ፥ ሬድዮ ሽወደን ዝመርመረቶም ንግዱድ
ክንክን ዝምልከቱ ብርክት ዝበሉ ውሳነታት ቤት ፍርዲ፥ ርእይቶ ህጻናት ከም ዝጎድሎ ተዓዚባ’ላ። ብሰንኪ ጎዳኢ ባህርያቶም ንገዛእ
ርእሶም ናብ ሓደጋ ከቃልዑ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ኣብ ግዱድ ክንክን ካብ ዝኣተዉ ትሕቲ 15 ዝዕድሜኦም ህጻናት፥ እቶም
ሲሶ ኣብዚ ጒዳይ ዘለዎም ርእይቶ ኣብ ግምት ክእቱ ከም ዘይተገብረ፥ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዘካየዶ መርመራ ኣጣሊሉ።
ሓደ ካብዞም ከምዚ ዝኣመሰለ ቅረታ ዘለዎም ኤልያስ ኮይኑ፡ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ርእይቶኡ ክሕተት ድሌት ከም ዝነበሮ ይገልጽ።
ንሱ ቊጥዕ ቊጥዕ ከም ዝብል ዝገብር ሕማም ኦቲዝም ከም ዘለዎ ድሕሪ ምሕባር፥ ኣብቲ ግዱድ ክንክን ክወስድ እተዋህበ
ውሳነ ጨሪሱ ርእይቶኡ ከም ዘይተሓተተ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። ኣብዚ ጒዳይ ጠበቓታት ንርእይቶ ህጻናት ንጎድኒ ብምግዳፍ ኣብ
ናይ ገዛእ ርእሶም ርእይቶን መደምደምታን ይምርኮሱ ምህላዎም እታ ሬድዮ ወሲኻ ኣጣሊላ’ላ።

 

File photo. Credit: Stina Stjernkvist/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com