Wednesday , May 8 2024

ዜና

ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዝተወልዱ ሰራሕተኛታት ንዘለፋ ዝተቓልዑ እዮም።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ ሰባት ካብቶም ኣብ ሽወደን ዝተወልዱ ብዝያዳ ኣብ ቦታ ስራሕ ርኡይ ጸገማት የጋጥሞም ምህላዉ ተገሊጹ። ብመሰረት ጸብጻብ ጥዕናን ድሕነትን ስራሕ ዝከታተል መንግስታዊ ትካል “ኤጀንሲ ኣከባቢ ስራሕ”፥ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ ሰባት ኣብ ስራሕ ዝበጽሖም መድሃልቲን ምንግልታዕን ካብቶም ኣብ ሽወደን እተወልዱ ብዕጽፊ ይዛይድ። እዞም ክልተ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ክሰርሑ ስለ ዝፍትኑ፡ እቲ ውጽኢት ኣዝዩ ዝተፈላለየ ክኸውን …

Read More »

ሽወደን ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ብስፔይን ተረቲዓ።

ሽወደን ድሕሪ 20 ዓመታት፥ ናብ ግጥም ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ክትበጽሕ ዝነበራ ሕልሚ ትማሊ ሰሉስ በርዒኑ ተሪፉ። ትማል ሰሉስ ሽወደን ምስ ስፔይን ኣብ ዝገበረቶ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ፥ 2 ብ 1 ተረቲዓ’ላ። ስፔይን ቅድሚ ምውዳእ ጸወታ ሓንቲ ሸቶ እኳ እንተመዝገበት፡ ሽወደን ድንጉይ ኢላ ማዕረ ዝገበረታ ሸቶ ብምእታው ናብ ጸወታ ክትምለስ ክኢላ’ያ። እንተኾነ ግና ነዊሕ ከይጸንሐት ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ስፔይን ነታ …

Read More »

ኣብ ውሳነ ግዱድ ክንክን፥ ርእይቶ ህጻናት ኣብ ግምት ይኣቱ የሎን ተባሂሉ።

ህጻናት ኣብ ጒዳይ ግዱድ ክንክን ርእይቶኦም ክስማዕ ሕጊ መሰል ዝህቦም እኳ እንተኾነ፥ ሬድዮ ሽወደን ዝመርመረቶም ንግዱድ ክንክን ዝምልከቱ ብርክት ዝበሉ ውሳነታት ቤት ፍርዲ፥ ርእይቶ ህጻናት ከም ዝጎድሎ ተዓዚባ’ላ። ብሰንኪ ጎዳኢ ባህርያቶም ንገዛእ ርእሶም ናብ ሓደጋ ከቃልዑ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ኣብ ግዱድ ክንክን ካብ ዝኣተዉ ትሕቲ 15 ዝዕድሜኦም ህጻናት፥ እቶም ሲሶ ኣብዚ ጒዳይ ዘለዎም ርእይቶ ኣብ ግምት ክእቱ ከም ዘይተገብረ፥ ኣገልግሎት …

Read More »

ስቶክሆልም፡ ጥቓ ህንጻ ባይቶ ሓደ ሬሳ እናተንሳፈፈ ተረኺቡ።

ፖሊስ ስቶክሆልም ነቲ ኣብ ማእከል ከተማ ስቶክሆልም ጥቓ ህንጻ ባይቶ ዝተረኽበ ሬሳ ኣመልኪቶም መርመራ የካይዱ’ለዉ። ጥቓ ህንጻ ባይቶ ኣብ ዝርከብ ማይ ዘንሳፍፍ ኣካላት ሰብ ድሕሪ ምርኣዮም፥ ትማሊ ሰኑይ ሰዓት 9.30 ቅድሚ ቀትሪ ፥ መሰኻኽር ዓይኒ ናብ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ጻውዒት ምግባሮም ህዝባዊት ሬድዮ ፒ 4 ስቶክሆልም ጸብጺባ። ኣፈኛ ፕረስ ፖሊስ ስቶክሆልም ንጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ታብሎይድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “መዋቲ ሰብኣይ እዩ” …

Read More »

ሳፖ፡ “ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ሽወደን ካብ 5 ነጥቢ ኣብ 3 ይርከብ”

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ናብ ሽወደን ንዝገሹ ዜጋታቱ ኣመልኪቱ ዝጸንሐ ናይ ጒዕዞ ምኽሪ እኳ እንተቐየሮ፡ ኣገልግሎት ስለያን ጸጥታን ሽወደን (Säpo) ግና፡ እቲ ሃገራዊ ስግኣት መጥቃዕቲ ግብረሽበራ ካብ ሓሙሽተ ደርጃ ኣብ ሰለስተ ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ፥ እዚ ድማ ካብቲ ዝነበሮ ይወስኽ እምበር "ልዑል" ዝበሃል ከም ዘይኮነ ኣስሚሩሉ። ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሽወደን ድሕሪ ዝተኻየደ ምቅጻል …

Read More »

ተቓወምቲ ሰልፍታት ሽወደን፡ ን ኣቦ መንበር ኮሚተ ፍትሒ ባይቶ–ሪቻርድ ጆምሾፍ– ይኸሳ።

ኣርባዕተ ተቓወምቲ ሰልፍታት ሽወደን፡ ን ኣባል ሰልፊ ዴሞክራትና ከምኡ’ውን ኣቦ መንበር ኮሚተ ፍትሒ ባይቶ ሽወደን ሪቻርድ ጆምሾፍ ብዝምልከት ድምጺ ክወሃበን ጠለብ ከቕርባ እየን። ሰልፊታት ማሕበራዊ ዴሞክራሲ፡ ጸጋማይ፡ ሓምላይን ማእከልን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሪቻርድ ጆምሾፍ ኣብ ወቕቲ ዊንተር ዝተኻየደ ምቅጻል ቁርኣን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ርእይቶታት፡ ንሽወደን ሃስያ ዘውርድ እዩ ብምባል እየን እዚ ናይ ድምጺ ጠለብ ዘቕርባ ዘለዉ። እተን ውድባት፡ ጆምሾፍ ኣቦ መንበር …

Read More »

ምምሕዳራት ከተማ ጽንኩር ኩነታት ክሊማ ንምምካት ዘለወን ድሉውነት ዓብዪ ፍልልይ ኣለዎ ተባሂሉ።

ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን፥ ሃንደበት ዝኽሰት ጽንኩር መሸንቦባ ዝናብ ንምምካት፥ ክሳብ ክንደይ እዂል ምድላው ጌረን ኣለዋ ኣብ ዝብል ሕቶ ካብ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ናብቲ ካልእ ዓብዪ ፍልልይ ከም ዘሎ፥ ኣብ ምምሕዳራ ከተማ ሽወደን ክፍልታት ማይ፥ ከምኡ’ውን ምውጋን ፈሳሲ ኩባንያታት ዝሰርሕ “ማሕበር ስቨንስክት ቫተን” ሓቢሩ። ነዚ ሓደጋ ንምምካት እንታይ እንተተግብረ ይሓይሽ ኣብ ዝብል ዝሓሸ ውጥን ዘለወን ከምኒ ዮተቦሪ ዝኣመሰላ ምምሕዳራት ከተማ ከይተረፋ፡ …

Read More »

ገንዘባዊ ሓገዝ ዝወስዱ ሰባት ብቚጽሪ ኣዝዮም ይንክዩ።

ካብ ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ገንዘባዊ ሓገዝ ዝረኽቡ ሰባት፥ ከም ሎሚ ጌሮም ውሒዶም ከም ዘይፈልጡ፥ ሓድሽ ኣሃዝ “ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን” ኣመልኪቱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ገንዘባዊ ሓገዝ እተገብረሎም ሰባት፥ 110 ሽሕ ጥራይ እዮም። እዚ ርኡይ ምንካይ፡ መን ሓገዝ ክረክብ ይግባእ ኣብ ዝብል ሕቶ ብዝተገብረ ጽኑዕ ሕግታት ዝመጸ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ብሰንኪ ስክፍታታት መስርሕ ምጽዳቕ ከኣ፥ ውሑዳት ሰባት ጥራይ የመልክቱ ከም ዘለዉን፥ …

Read More »

ሽወደን ኣብ ርብዒ ፍጻመ ግጥም ዋንጫ ዓለም ንጃፓን 2 ብ 1 ረቲዓታ።

ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኒውዚላንድ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ኲዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ፥ ሽወደን ን ጃፓን 2 ብ 1 ስዒራ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ’ላ። በዚ ድማ፥ ኣብ ዝመጽእ ጸወታ ሽወደን ምስ ስፔይን ክትገጥም ኢያ። እዚ ጸወታ ብኣቆጻጽራ ሽወደን ሰዓት 9.30 ቀዳም ንግሆ እኳ እንተ ተጀመረ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ደገፍቲ ሽወደን ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ኣብ ሞሰባ ከተራሰን ኣብ ክፉት ኣየር ኣብ ዝርከብ ባር፥ ነቲ ጸወታ …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት -11-08-2023

https://youtu.be/k-lJ9CQwhXw

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com