Wednesday , May 8 2024
Credit: Pontus Lundahl/TT

ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዝተወልዱ ሰራሕተኛታት ንዘለፋ ዝተቓልዑ እዮም።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ ሰባት ካብቶም ኣብ ሽወደን ዝተወልዱ ብዝያዳ ኣብ ቦታ ስራሕ ርኡይ ጸገማት የጋጥሞም ምህላዉ
ተገሊጹ። ብመሰረት ጸብጻብ ጥዕናን ድሕነትን ስራሕ ዝከታተል መንግስታዊ ትካል “ኤጀንሲ ኣከባቢ ስራሕ”፥ ኣብ ወጻኢ ሃገራት
ዝተወልዱ ሰባት ኣብ ስራሕ ዝበጽሖም መድሃልቲን ምንግልታዕን ካብቶም ኣብ ሽወደን እተወልዱ ብዕጽፊ ይዛይድ። እዞም ክልተ
ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ክሰርሑ ስለ ዝፍትኑ፡ እቲ ውጽኢት ኣዝዩ ዝተፈላለየ ክኸውን ከም ዝኽእል ተንታኒ
ናይቲ በዓል መዚ ጃኮብ ግሮንሉንድ ይዛረብ።

Credit: Pontus Lundahl/TT

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com