Wednesday , May 8 2024

ዜና

መጠንቀቕታ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ሽወደን

ኣገልግሎት ኩነታት ኣየር ሽወደን–SMHI–ኣብ ሰፊሕ ክፋላት ማእከላይ ምብራቕ ሽወደን ብርቱዕ ዝናብ ክዘንብ ምዃኑ ብምሕባር ብጫ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ’ሎ። ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ንከተማታት ሁዲክስቫል፡ ፋሉንን ኖርታልየን ሓዊስካ ነጎዳ ዘሰንዮ ብርቱዕ ዝናብ፥ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ሽወደን ክጅምር ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። እቲ መጠንቀቕታ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣሒዙ ክሳብ ምሸት ኣብ ቦትኡ ክህሉ እዩ።  

Read More »

መርዛም ዓሌት ቃንጥሻ ዝበልዑ ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ኣለዉ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ስቶክሆልም ሓደ ሰብኣይን ሓሙሽተ ቆልዑን መርዛም ዓሌት ቃንጥሻ ብምብልዖም፥ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ምህላዎም ተገሊጹ። እዞም ግዳያት፥ እቲ መርዛም ዓይነት ቃንጥሻ ከምቶም ካልኦት ዝብልዑ ዓይነት ስለ ዘመሰሎም ናብዚ ሓደጋ ወዲቖም ክኾኑ ከምዝኽእሉ፥ ማእከል “ሓበሬታ መርዚታት ሽወደን” ሓቢሩ። ኣብቲ ማእከል ክኢላ ፋንጋስ ፒተር ሁልተን፡ ኣብዚ ወቕቲ ቃንጥሻ ብምኽንያት ሰባት ዝገብርዎ ተመሳሰልቲ ጌጋታት ብርክት ዝበለ ህጹጽ ጻውዒታት ይበጽሖም ምህላዉ ገሊጹ። …

Read More »

ምድኻም ባጤራ ክሮና ንኢንዱስትሪ ኣግራብ ሽወደን የደንፍዖ።

ምድኻም ባጤራ ክሮና ዋጋ መግቢ ንኽውስኽ ኣበርክቶ ክገብር እንከሎ፡ ነቲ 80 ሚእታዊት ዕንጸይቲ ናብ ወጻኢ ዝልእኽ ዓቢ ኢንዱስትሪ ኣግራብ ሽወደን ግና ብኣንጻሩ ከም ዝድንፍዕ ጌርዎ’ሎ። ሃንስ ኣንደርሰን ዝተባህለ ኣብ ኤክስዮ ኣብ ዮንሾፒን ዝርከብ ወናኒ ኣግራብ፡ ኣብ ዮንሾፒንግ ንዝርከብ ቻነል ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዕንጸይቲ ጽቡቕ ዋጋ የውጽእ ከምዘሎ ይገልጽ። ሓላፊ ዕድጊ ሰንሰለታዊ ድኳናት ህንጻ ፒተር ስዮስትሮም፡ “ምድኻም ባጤራ ክሮና …

Read More »

ከቢድ Covid-19 ኣብ መራሕቲ ኣውቶቡሳት ዝያዳ ይረአ።

  መራሕቲ ኣውቶቡሳት ምስ ሰባት ጥቡቕ ርክብ ምስ ዘይገብሩ ካልኦት ሰብ ሞያ ክነጻጸሩ እንከለዉ፡ ኣብ ዳሕረዋይ ደረጃታት ለበዳ ኮቪድ-19 ብዘጋጠሞም ከቢድ ሕማም፥ ኣብ ሆስፒታል ዘድልዮም ክንክን ብዕጽፊ ይዛይድ ምንባሩ ተገሊጹ። እዚ ዝተባህለ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ዮተቦሪ ድሕሪ ዘካየድዎ ሓድሽ መጽናዕቲ እዩ። ተመራማሪት ማርያ ኦበርግ፥ ኣብ እዋን ስራሕ ኣብ ልዑል ሓደጋ ዘለዎም ቦታታት ክታበት ምግባር ነቲ ሓደጋታት ከጉድሎ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት …

Read More »

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ ሰባት ንዝያዳ ጸርፊን መድሃልትን ዝተቓልዑ እዮም ተባሂሉ።

ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ሰባት ካብቶም ኣብ ሽወደን ዝተወልዱ ንላዕሊ ኣብ ቦታ ስራሕ ናይ ምድሃልን ጸርፍን ኲነታት ከም ዘጋጥሞም– እቲ ምጽራፍ ድማ ብፍላይ መብዛሕትኡ ግዜ ሞራል ዝትክንፍ ምዃኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊንሾፒንግ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ስነ-ልቦና ማይክል ሮዛንደር ገሊጹ። ካብ ሽወደን ብባህሊ ኣዝዮም ኣብ ዝፍለዩ ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ኤስያ ዝተወልዱ ሰባት፡ ካብቶም ኣብ ሽወደን ዝተወልዱ ሰባት ብኣርባዕተ ዕጽፊ እዚ ዓይነት መድሃልቲን ጸርፍን …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ሓደስቲ እማመታት መሰል ህጻናት ይዝቲ ።

ሽወደን ውዕል መሰላት ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ንምትግባር ዝያዳ ክትሰርሕ ኣለዋ ተባሂሉ። እዚ ዝተባህለ ብመንግስቲ ዝተመዘዘት መርማሪት ኣኒታ ሊንደር፥ ሎሚ ንሚኒስተር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ካሚላ ግሮንቫል ልዕሊ 700 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ ድሕሪ ምቕራባ እዩ። እዚ ጸብጻብ ኣብነታዊ መጽናዕቲታት 34 ድምጾም ከስምዑ ዝጸዓሩ ህጻናት ዘጠቓልል እዩ። ህጻናት ብፍላይ ኣብ ጒዳይ ግዱድ ክንክን ርእይቶኦም ክስማዕ ሕጋዊ መሰል ኣለዎም። እንተኾነ ግና ኣብ ብርክት ዝበሉ ዕድሜኦም …

Read More »

መንግስቲ ኣብ ኮርሳት ስደተኛታት ናይ ግዜ ገደብ ከቐምጥ እዩ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ስደተኛታት ስራሕ ክረኽቡ ብምባል ዝገበሮ ጽገናታት፡ ኣብ ትምህርቲ ስደተኛታት–SFI–ናይ ግዜ ገደብ ከቐምጥ ምዃኑ ተገሊጹ። ሚኒስተር ዕዮን ምውህሃድን ዮሃን ፐርሾን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ስደተኛታት ናብ ዕዳጋ ሽቕለት ንምእታው ምልከት ቋንቋ ሽወደን "ወሳኒ" ድሕሪ ምባል፥ እንተኾነ ግና ስደተኛታት ኣብ ኮርሳት SFI ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ግዜ ይወስዱ ምህላዎም ኣተሓሳሲቡ። "ስለዚ ኢና ድማ ናይ ግዜ …

Read More »

ዳኒኤል ስቶል ብምውርዋር ዲስክ መዳልያ ወርቂ ተሸሊሙ።

ሻምፕዮን ኦሎምፒክ ዳኒኤል ስቶል ብቕድሚ ትማል ሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሻምፕዮን ዓለም ምውርዋር ዲስክ መዳልያ ወርቂ ተዓዊቱ፡ ስቶል ነቲ ብ ሻምፕዮን ክሪስትያን ቸህ ዝተመዝገበ ናይ ልዕሊ 70 ሜትሮ ርሕቀት ብምሕላፍ እዩ ሻምፕዮን ዓለም ክኸውን ክኢሉ ዘሎ። ስቶል ነቲ ቅድሚ 4 ዓመት ኣብ ዶሃ ዝዓተሮ ዋንጫ ዳግማይ ብ 71.46 ሜትሮ ብዘመዝገቦ ክብረወሰን ደጊሙ ክዕቅቦ ክኢሉ’ሎ። "ዘገርም ናይ መወዳእታ ጸወታ እዩ ነይሩ፡ …

Read More »

ሽወደናውያን ንዩክሬን ዝገብርዎ ወፈያታት ኣዝዩ የንቁልቊል

ሽወደናውያን ግዳያት ኲናት ዩክሬን ንምሕጋዝ ዘለዎም ድልውነት ኣብ ምጅማር’ዚ ዓመት ኣዝዩ ርኡይ ምንቊልቋል ከም ዘርኣየ ሬድዮ ሽወደን ፒ 4 ቫርምላንድ ሓቢራ። ኣብ ሽወደን ዝርከብ ትካል ግብረ ሰናይ ዩኒሴፍ፡ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ፡ ክሳብ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ካብ ዝእከብ ዝነበረ ወፈያታት ትሕቲ ዓሰርተ ሚእታዊት ጥራይ ከም ዝኣከበ ሓላፊት ምእካብ ረድኤት የሲካ ዚመርማን ትገልጽ። ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ …

Read More »

ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ንኣውስትራልያ ብምስዓር ተዓዋቲት መዳልያ ነሓስ ኮይና።

ሽወደን ንውድድር ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ፊፋ ብልዑል ደረጃ ዛዚማ፡፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ሳልሳይ ደረጃ ን ኣአንጋዲት ጋንታ ኣውስትራልያ 2 ብ 0 ብምስዓር፡ ተዓዋቲት ነሓስ ሜዳልያ ክይከውን ክኢላ’ላ። ቅድሚ ዕረፍቲ፥ ፍሪዶሊና ሮልፎ ብዘመዝገበታ ፍጹም ቅላዕ ሽወደን ሓደ ብባዶ ክትመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ኣብ ካልኣይ እብረ ኮሶቫረ ኣስላኒ ብዘመዝገበታ ካልአይቲ ሸቶ፡ ሽወደን ንኻልኣይ ግዜ ብ ተኸታታሊ 3ይ ደረጃ ዋንጫ ዓለም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com