ገለ ሰባት ካብ ሳዕቤናት ረኽሲ SARS-CoV-2 ዝድሕኑ እኳ እንተኾኑ፡ ካልኦት ግና ንንውሕ ዝበለ ግዜ ምስ ድሕረ-ሕክምናዊ ሳዕቤናት COVID-19 ከም ዝጸንሑ ተገሊጹ። ሓደ ካብዚ ሳዕቤናት ከኣ ብእትደልዮ መጠን ምንቅስቓስ ኣካላት ክትገብር ዘይምኽኣል እዩ። ገለ ሰባት ካብ ሳዕቤናት ኮቪድ ጨሪሶም ዝሓውዩ፡ ኣብ ገሊኦም ግና እቲ ምልክታት ዝቕጽል ስለምንታይ ምዃኑ ዛጊት ዘይተመለሰ ሕቶ እዩ። ኣብ መጽሔት “Journal of Infectious Diseases” ዝወጸን ተመራመርቲ ሳን …
Read More »ዜና
ኣብ ግጥም ክልተ ጋንታታት ኲዕሶ እግሪ ስቶክሆልም ጎነጽ ተኸሲቱ።
ክልተ ጋንታታት ኲዕሶ እግሪ ስቶክሆልም ብቕድሚ ትማል ሰንበት ኣብ ዝገበራኦ ግጥም፥ ጎነጽ ከም እተኸስተ ተፈሊጡ። ጋንታታት “ኤኣይኬ” ከምኡ’ውን “ዩርጋርደን” ኣብ ዝነበረን ግጥም “ዩርጋርደን” 1 ብ 0 ረቲዓ’ላ። እንተኾነ ግና ደገፍቲ “ኤኣይኬ” ባርዕ ብምስንዳውን ነቲ ሜዳ ብምውራርን ረብሻን ጎነጽን ብምፍጣሮም፥ እቲ ጸወታ ንሓደ ሰዓት ክቋረጽ ተጌሩ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ። ብዘይካዚ ኣብቲ ጸወታ ተጻወትቲ “ኤኣይኬ” ክልት ቀያሕቲ ካርድ ድሕሪ ምርካቦም ረብሻ ምልዓሎም …
Read More »“ሽወደን ናብ ኔቶ እትገብሮ ናይ ኣባልነት ሕቶ ዝውስን ዔርዶጋን ኮይኑ’ሎ”–ሓደ ክኢላ።
ረሰብ ጠይብ ዒርዶጋን ኣብ ምርጫ ቱርክ ምዕዋቱ፥ ንሽወደን ዘርብሕ ምዕባለ ምዃኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ዳይረክተር ትካል መጽናዕቲታት ቱርክ ፖል ለቪን ገሊጹ። ፕረሲደንት ቱርክ ረሰፕ ጠይብ ዔርዶጋን ካልኣይ እብረ ምርጫ ቱርክ ተዓዊቱ’ሎ፥ በዚ ድማ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ እዩ። ልፍንቲ ሰልፊታት ዔርዶጋን ኣብ ባይቶ ዝበዝሐ መንበር ስለዘለዎ፡ ተቓዋሚ ሰልፊ ተዓዊቱ እንተዝነብር፥ ሽወደን ኣባል ኔቶ ኽትከውን ዝብል ሕቶ ናብ ባይቶ …
Read More »ኣብ ሽወደን ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ንምርካብ፡ ግድነታዊ መርመራ ቋንቋ ሽወደን ክወሃብ እዩ።
ኣብ ሽወደን ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ንምርካብ፡ ኣመልከትቲ ቅኑዕ መልሲ ምምራጽ (ማልቲፕል ቾይስ)፥ ናይ ምስማዕ ብቕዓት ከምኡ’ውን ብዛዕባ ህይወትን ስራሕን ሽወደን ዘጠቓልል ሲቪካዊ መርመራ ክሓልፉ ትጽቢት ክግበረሎም ምዃኑ፥ መንግስቲ ትማል ሰኑይ ኣብ ዘቕረቦ እማመ ገሊጹ። "እዚ መርመራ ኣዝዩ ከቢድ ኣይክኸውን እዩ። ዕላማ እዚ መርመራ ምውህሃድ ሕብረተሰባት ብዝሰለጠ ንምርግጋጽ እዩ። ስለዚ ድማ እዚ ብዝሕ ዝበሉ ተሳተፍቲ ክዕወትሉ ብዝኽእሉ ደረጃ ክዳሎ ኣገዳሲ እዩ …
Read More »ኣብ ሓደ ወርሒ ጥራይ ልዕሊ 90ሽሕ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ናብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ሕቶ ዕቚባ የእትዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፥ ልዕሊ 90ሽሕ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ኣብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ሕቶ ዕቚባ ምእታዎም፥ “ቢሮ ቆጸራ- ህዝቢ ኣውሮጳ” ገሊጹ። እዚ ካብ ሓንቲ ሃገር ዝመጸ ዝበዝሐ ኣሃዝ ሓተትቲ ዕቚባ እዩ፥ ክብል “Khaama Press” ጸብጺቡ’ሎ። ኣብ ምጅማር እዚ ሒናዮ ዘሎና ዓመት፥ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ሕቶ ዕቚባ ከእትዉ ዝደልዩ ሰባት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንክወዳደር፥ ብ 40% ምውሳኹ “ቢሮ ቆጸራ-ህዝቢ ኣውሮጳ” ኣመልኪቱ’ሎ። …
Read More »ኣብ ኣባይቲ መናበዪ ዝርከቡ ቆልዑ ብዙሕ እዋን ካብ ሓደ ኢድ ናብ ካልእ ከም ዝዛወሩ ተሓቢሩ።
ኣብ ኣባይቲ መናበዪ ከምኡ’ውን ኣባይቲ ክንክን ዝርከቡ ቆልዑ ብዙሕ እዋን ካብ ሓደ ኢድ ናብ ካልእ ክዛወሩ ምርኣይ ልሙድ ምዃኑ “ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ሽወደን” ገሊጹ። ቆልዑ ካብ ሓደ ቤተ መናበዪ ወይ ክንክን ናብ ካልእ ብብዝሒ ክግዕዙ ምግባር ኣእምሮኣዊ ጥዕናኦም ጽቡቕ ከም ዘይኮነ ብርክት ዝበሉ መጽናዕቲታት የመልክቱ። ዝበዝሐ ካብ ዕድመ ቊልዕነቶም ኣብ ኣባይቲ ክንክን ዘሕልፉ በዚ ኣዝዮም ከም ዝህሰዩ መጽናዕቲ እቲ ቦርድ …
Read More »ኮተቴ ናብ ጒጅለታት ገበን ከይጽንበሩ ንምግባር ዝዓለመ ጻዕርታት ይካይድ ኣሎ።
ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ፥ ኮተቴ ናብ ጒጅለታት ገበን ከይጽንበሩ ንምግባር ዝዓለመ ጻዕርታት የካይዳ ምህላወን ተፈሊጡ። ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፕሳላ፥ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፥ ፖሊስ ከምኡ’ውን ኣብያተ ትምህርቲን ማእከላት ምዝንጋዕ መንእሰያትን ዝነጥፉ ስታፍ ፥ 12ን ልዕሊኡን ንዝዕድሜኦም ኮተቴ ዕላማ ብምግባር ንንውሕ ዝበለ ግዜ ብሓባር ክሰርሑ ጸኒሖም ኣለዉ። እንተኾነ ግና ኣብዚ ሕጂ እዋን፥ ኣብ 9ን ልዕሊኡን ንዝድሜኦም ቆልዑ ኣተኲሮ ብምግባር ቆልዑ …
Read More »ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ 26-05-2023
ቼክ ሪፓብሊክ ካብ ሽወደን 22 ቢልዮን ዝዋግኡ ተሽከርከርቲ ኲናት ክትሽምት እያ።
መንግስቲ ቼክ ሪፓብሊክ ካብ ሽወደናዊ መፍረ ኣጽዋር “ቢኤኢ ሲስተምስ ሃግሉንድስ” 240 CV90 ዝዓይነተን ናይ ኲናት ተሽከርከርቲ ክትሽምት ምዃና ተፈሊጡ። እዚ ሸመተ ኣጽዋር ክሳብ 22 ቢልዮን ክሮና ዝበጽሕ ኮይኑ፥ መለዋወጢ ኣቕሑን ስልጠናን እዋን ዘጠቓልል እዩ። እዚ መሸጣ “ቢኤኢ ሲስተምስ ሃግሉንድስ” ክሳብ ሕጂ ካብ ዘካየዶም እቲ ዝዓበየ ምዃኑ፥ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኲባንያ ቶሚ ጉስታቭሰን-ራስክ ገሊጹ’ሎ። “ብርክት ዝበላ ሃገራት ካብዚ ትካል CV90 ዝዓይነተን …
Read More »ሩስያ ሓሙሽተ ሽወደናውያን ዲፕሎማሰኛታት ክትሰጒግ ምዃና ገሊጻ።
ሩስያ ሓሙሽተ ሽወደናውያን ዲፕሎማሰኛታት ክትሰጒግ ምዃና ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሓቢሩ። ሰብመዚ ሩስያ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፥ ኣብ ከተማ ሴይንት ፒተስበርግ ዝርከብ ቆንስል ሽወደን ካብ ዝመጽእ መስከረም ኣትሒዙ ክዕጾ እዩ። ሽወደን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ምስጓጓ “ተጻባኢ” ስጒምቲ ምንባሩ ሩስያ ገሊጻ’ላ። እዚ ምስጓጒ ዲፕሎማሰኛታት ሽወደን ከም ግብረመልሲ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሽወደን እተፈጸመ ምስጓጒ ሓሙሽተ ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ይካየድ ምህላዉ፥ …
Read More »