Wednesday , May 8 2024
Credit: Henrik Montgomery/TT

ማሕበር ጠበቓታት ን ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ይንእድ።

 

ዋና ጸሓፊት ማሕበር ጠበቓታት ሽወደን ሚያ ኤድዋል ኢንሱላንደር፡ ነቲ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዘካየደቶ መርመራ
ኣመልኪታ ዘለዋ ናእዳ ገሊጻ። ትማሊ ረቡዕ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘቕረበቶ መርመራዊ ጸብጻብ ብዙሓት ን ግዱድ ክንክን ህጻናት
ትሕቲ 15 ዓመት ኣመልኪቶም ዝተዋህቡ ውሳነታት ቤት ፍርዲ፥ ርእይቶ ናይቶም ዝምልከቶም ህጻናት ከም ዘየጠቓልል ምቅልዓ
ዝዝከር እዩ። ሽወደን ን ውዕል “መሰል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት”፥ ከምኡ’ውን ህጻናት ርእይቶኦም ከስምዑ መሰል ኣለዎም
ዝብል ናይ ገዛእ ርእሳ ሃገራዊ ሕግታት ዘለዋ ግዴታታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ኲነታት ኣዝዩ ዘሰንብድን ምስ ሕጊ እታ ሃገር
ዘይሳነን ክትብል ሚያ ኤድዋል ኢንሱላንደር ኣተሓሳሲባ።
ልክዕ ከምቲ እኹላት ሰባት ኣብ ሕጋዊ ጒዳያት ድምጾም ክስማዕ ዝፍቀደሎም፡ ህጻናት እውን ከምኡ ክስምዑ ምግባር ኣገዳሲ
ምዃኑ ወሲኻ ኣስሚራትሉ’ላ።

 

 

Credit: Henrik Montgomery/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com