Wednesday , May 8 2024
Credit: Oscar Olsson/TT/Försvarshögskolan

መጥቃዕቲ ግብረሽበራ ንምክልኻል ኩሉ ብንቕሓት ክትትል ክገብር ጻውዒት ተጌሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ትማሊ ረቡዕ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፥ ኲነታት ከቢድ
እኳ እንተኾነ፡ ሰባት ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ይኽእል እዩ ብምባል ብዘየድሊ መጠን "ክፈርሁ የብሎምን" ክብል
ገሊጹ። ሰበስልጣን ብሪጣንያ፥ ነቲ ኣብ ስቶክሆልም ዝተኻየደ ምቅጻልን ምርኻስን ቊርኣን ከም ምኽንያት ብምልዓል፥ ኣብ
መጀመርታ ናይዚ ሰሙን “ግብረሸበራውያን ኣብ ሽወደን መጥቃዕቲ ክፍትኑን ክፍጽሙን ዘለዎም ተኽእሎ ኣዝዩ ልዑል'ዩ” ክብሉ
ኣጠንቂቖም ነይሮም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ሽወደን ክኢላ ትንተና ስለያ ዮርገን ሆልምሉንድ፡ "ሰባት ኣብ ዝተናውሐ ግዜ
እንታይ ይካየድ ከምዘሎን እንታይ ከጋጥም ከም ዝኽእልን ምሉእ ብምሉእ ክፈልጡ ይግባእ'ዩ። ቁሩብ ፍልይ ዝበለ ነገር
እንተርኢኹም ንፖሊስ ወይ ንኣኣላት ድሕነት ክትሕብሩ ይግባእ…… ጥንቃቐ ንግበር ግና ከኣ ኣይንፍራሕ" ኢሉ።

 

 

Credit: Oscar Olsson/TT/Försvarshögskolan

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com