Monday , May 20 2024

ዜና

ሳፖ–ምስ ግብረሽበራ ብዝተሓሓዝ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣእትዩ።

ኣገልግሎት ድሕነት ሽወደን–ሳፖ፡ ግብረ-ሽበራ ንምፍጻም ውዲት ኣለዎም ኢሉ ዝጠርጠሮም ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምእታዉ፡ ትማሊ ኣፍሊጡ። እዞም ሰባት፥ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣብ ስቶክሆልም ምስ ዝተፈጸመ ምቅጻል ቊርኣን ብዝተሓሓዘ፥ ግብረሽበራ ክፍጽሙ ውጥን ዝነበሮም እዮም ክብል ሳፖ ሓቢሩ። “ሳፖ መጥቃዕቲ ንምፍሻል ቅድመ-ምክልኻል ክገብር ኣድላዪ እዩ፥ እዞም ሰባት ሓደጋ ክሳብ ዘውርዱልና ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና” ክትብል ኣብ ሳፖ ምክትል ሓላፊት ኣሃዱ ጸረ-ግብረሸበራ ሱዛና …

Read More »

ቆልዑ ኣውሮጳ ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም ኣትሒዞም ናይ ወጻኢ ቋንቋታት ይመሃሩ።

ቆልዑ ኣውሮጳ፥ ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም ኣትሒዞም ናይ ወጻኢ ቋንቋታት ይመሃሩ ምህላዎም ን ትምህርቲ ቋንቋታት ኣውሮጳ ኣመልኪቱ ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣመልኪቱ። "ኣውሮጳውያን መለኽቲ ብዙሓት ቋንቋታት ክኾኑ ዝወጸ ፕሮጀክት ኣሎ” ክትብል ኮሚሽነር ምህዞ፡ መጽናዕቲ፡ ባህሊ፡ ትምህርቲን መንእሰያትን ኣውሮጳዊ ሕብረት ማርያ ገብርኤል ገሊጻ። እንተኾነ ግና፥ እቲ ተመሃሮ ብተዛማዲ ኽልተ ቋንቋታት ወጻኢ ሃገራት ኣጸቢቖም ክመልኩ ዝብል ፕሮጀክት ብዘገምታ ይኸይድ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ ረድዮ-04-04-2023

Read More »

“በዓልመዚ ኣከባቢ ስራሕ” ብርክት ዝበሉ ጥርዓናት ከም እተቐበለ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት፡ “በዓልመዚ ኣከባቢ ስራሕ” ብርክት ዝበሉ ጥርዓናት ከም እተቐበለ ገሊጹ። እዚ ጥርዓናት ብሰራሕተኛታት ኣምቡላንስ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ጎነጽን ምፍርራህን ይበጽሓና’ሎ ዝብል እዩ። ምስ ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት እንክወዳደር ዓሚ ካብዚ ናይ ሎሚ ብ ሰለስተ ዕጽፊ ዝበዝሕ ጥርዓናት ተቐቢሉ ምንባሩ እቲ በዓልመዚ ገሊጹ’ሎ። እዚ ምፍርራህ ብብረት ዝግበር ናይ ሞት ምፍርራህ ወሲኽካ፡ መዝበጥቲ ወይ ካብ ቦታ ድንገት ከይትንቀሳቐስ ምግባር ዘጠቓልል እዩ …

Read More »

ቊጽሪ ተዃሉ ደቡባዊ ሽወደን ይውስኽ።

ኣብዚ ዊንተር፥ ክብረወሰን ዝሰበረ ሃድን እኳ እንተተገብረ፡ ቊጽሪ ተዃሉ ሽወደን ሕጂ’ውን ናብ ደቡብ ገጹ የስፋሕፍሕ ምህላዉ ተፈሊጡ። ኣብ ሽወደን ሎሚ 69 ዝኾኑ ከባቢታት ዕስለ ተዃሉ ምህላዎም፥ ዓመታዊ ምስ ቦርድ ምምሕዳር ብምዃን ቊጽሪ ተዃሉ ካብ ዝከታተል “ክፍሊ ሳየንስ ሕርሻ ዩኒቨርሲቲ ሽወደን” እተረኽቡ ኣፈናዊ ኣሃዛት የመልክቱ። ብመሰረት እዚ ኣሃዛት፡ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ቊጽሪ ተዃሉ እናወሰኸ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ …

Read More »

ውድባት ኣስራሕቲን ማሕበራት ንግድን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ናይ 7.4% ወሰኽ ደሞዝ ክገብሩ ተሰማሚዖም።

ኣብ ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት፥ ኣብ መንጎ ውድባት ኣስራሕቲን ማሕበራት ንግድ ሰራሕተኛታትን ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ናይ ሓባር ስምምዓት ተበጺሖም። ኣብዚ ስምምዕ ካብ ዝኣተዉ ሓደ፥ ወሰኽ ደሞዝ ብሚልዮናት ዝቚጸሩ ሰራሕተኛታት እዩ። እቲ ቀዳማይ ዓብዪ ውዕል ብዓርቢ ምሸት እዩ ተፈጺሙ። በዚ ድማ ማሕበር ንግድ–ኢየፍመታል-ን ማሕበር ስራሕቲ ኢንዱስትሪን ኣብ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ። እዚ ስምምዕ፡ ን ዝተረፈ ዕዳጋ ሽቕለት እውን ድሕረ ባይታ ዘንጽፍ እዩ ተባሂሉ’ሎ። …

Read More »

ኣብ ዝጠሓለት መርከብ ኤም.ኤስ.ኤስቶንያ ተወሳኺ መርመራታት ክግበር እዩ።

“በዓልመዚ ምምርማር ሓደጋታት ሽወደን”፥ ካብ ዝመጽእ ግንቦት 2023 ኣትሒዙ ኣብ ዝጠሓለት መርከብ ኤም ኤስ ኤስቶንያ ተወሳኺ መርመራታት ክገብር ውጥን ከም ዘለዎ ገሊጹ። ጠሊቖም ዝሕምብሱ ክኢላታት (ዳይቨርስ) ከምኡውን ሮቦታውያን ተሽከርከርቲ ብምጥቃም፥ ገለ ኣብታ መርከብ ዝርከብ ኣገደስቲ ነገራት ክዕቅብ፡ ናብታ ኣብ ባይታ ባሕሪ እትርከብ መርከብ ብምኻድ ንመርመራ ኣገዳሲ ዝኾነ መርእያ (ሳምፕላት) ክእክቡ እዮም። እዚ መርኣያ፡ ኣብ ገረንገረ እታ መርከብ ከምኡውን መደየቢ ኣንፊ …

Read More »

ብምኽንያት ምልዋጥ ክሊማ ዝስዕብ ዕንወት ን ኲባንያታት “ሪል እስቴት” የሻቕል።

ከም ኲለን ሃገራት፥ ሽወደን እውን ብምኽንያት ምልዋጥ ክሊማ ዝስዕብ ጫፍ ዝወጸ ኲነታት ኣየር ብኸመይ ከም እትምክት ተመኲሮ ትቐስም ምህላዋ ተሓቢሩ። ኣብ ሰሜን ሽወደን እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ጌይላ፥ ኣብ 2021 ብ ብርቱዕ ውሕጅ ተጠቒዓ፥ ብዙሓት ኣባይቲ፡ ቢዝነሳትን መሰረተ ልምዓትን ምዕናወንን፡ ንጽገና ኸኣ ብዙሕ ክሳራ ምስዓቡን ሬድዮ ሽወደን ዘኪራ። ‘ንብረት ከዕኑ ዝኽእል ክሊማዊ ለውጢ ብዝምልከት ዘሎ ንቕሓት፥ እናወሰኸ ዝመጸ ኮይኑ ይስማዕኒ” ክትብል …

Read More »

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛ ሰልፊ ዴሞክራሲ ዝተበየነ ክሲ ሰሪዝዎ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሽወደን፥ ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛ ሰልፊ ዴሞክራሲ ዝተበየነ ክሲ ሰሪዝዎ። እዚ ፖለቲከኛ ን ሓደ ህዝቢ ኣመልኪቱ ናይ ጽልኢ መደረ ብምግባሩ እዩ ተኸሲሱ ኔሩ። ኣብ ሶምላንድ ዞባዊ ፖለቲከኛ በርቲል ማልምበሪ፥ ኣብ ሚያዝይ 2021 “ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ምስ ኣህዛብ ካልኦት ሃገራት ኣወዳዲርካ ዝተሓተ ብቕዓት እእምሮ (IQ) እዩ ዘለዎም” ክብል ኣብ ኣኼባ ቆንስል ብዘስምዖ መደረ እዩ ተኸሲሲ ኔሩ። እንተኾነ ግና፥ ላዕለዋይ …

Read More »

ዲጂታላዊ መልእኽቲታት ንምክትታል ዝወጸ እማመ ብ መንግስቲ ሽወደን ደገፍ ረኺቡ።

ዲጂታላዊ ናይ ኦንላይን መልእኽቲታት ንምክትታል ብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝወጸ እማመ ብ መንግስቲ ሽወደን ደገፍ ረኺቡ። እዚ እማመ፥ ብኦንላይን ዝፍጸም ጾታዊ ምድፋር ህጻናት ንምቅላስ ተባሂሉ ዝወጸ እዩ። ኣባል ሰልፊ ሞደራትና ዝኾነ ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን ጉናር ስትሮመር፥ ናብ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝለኣኾ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፡ ነዚ እማመ ከም ዝድግፍ ኣረጋጊጹ’ሎ። ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ክወርድ ዝኽእል ጾታዊ ምድፋር ንምውጋድ ቆራጽ ውሳነ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com