Sunday , May 19 2024

ዜና

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ ረድዮ-10-01-2023

Read More »

ሽወደን ኣብ ኩሉ ዘገልግል ዲጂታላዊ ስርዓት ክትሃንጽ ከም ዝደሊ መንግስቲ ገሊጹ።

ሃገረ ሽወደን ኣብ ኩሉ ዘገልግል ዲጂታላዊ ስርዓት ክትሃንጽ ከም ዝደልዩ መንግስቲን ሰልፊ ዴሞክራሲን ሽወደንን ገሊጾም። እዚ ኣገባብ ሰብሞያ ጥዕና ብዛዕባ ተሓካማይ ዝህልዎም ሓበሬታ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ከበጻጽሑ ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ዝበዝሑ ሰብመዚ ሓበሬታ ነዚ ብኣዎንታ ከም ዝጥምትዎ፡ እንተኾነ እዚ ዕማም ብዞባታት ክምራሕ ኣለዎ ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ንሬዶ ሽወደን ገሊጾም ኣለዉ። ዞባታት ጠለብ ተሓከምቲ ስለዝፈልጣ ነዚ ዓም ንሰን ክመርሓኦ …

Read More »

ዝጸንሐ ተገዳስነት ቋንቋ ዩክሬይን

ዓሚ ኣብ ወርሒ ለካቲት ሩስያ ን ዩክሬይን ካብ እትወርር ንደሓር ኣብ ዩኒቨርሲታት ሽወደን ዝጸንሐ ተገዳስነት ቋንቋ ዩክሬይን እናዓበየ ምምጽኡ ተገሊጹ። በዚ ድማ ነቲ ቋንቋ ከጽንዕዎ ናይ ዝደልዩ ተመሃሮ ብዝሒ እናወሰኽ ምምጽኡ ተመልኪቱ። ኣብ ዝሓለፈ ኣየት ጥራይ 408 ጀመርቲ ተመሃሮ ቋንቋ ዩክሬይን ከም እተመዝገቡ፡ ኣብ ዮተበሪ ገዲም መምህር ቋንቋታት “ስላቭ” ቶማስ ሮዘን ገሊጹ’ሎ። ተመሃራይ ዳኒኤል ጆነን ብወገኑ እዚ ኲናት ወራር ሩስያ …

Read More »

ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ኣባል ኔቶ ንምዃን ይዳለዉ።

ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ኣባል ኔቶ ብምዃኖም ብዛዕባዝረኽብዎ ረብሓን ሽወደን ኣብ ውጥን ኔቶ ክትጻወቶ ትጽቢት ዝግበረላ ተራን ኣመልኪቶም ንብርክት ዝበላ ኣዋርሕ ክሰርሑ ምጽንሖም ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ን ሰራዊት ምክልኻል ሽወደን ሓዊስካ ብዙሓት ሰብመዚ ብ ኣባልነት ሽወደን ኣብ ኔቶ ከም ዝጽለዉ ዝፍለጥ እዩ። “ተራ ሰባት ኣጸቢቖም ዘስተውዕልዎ ነገር እንተሎ ኣብ ሽወደን ስልጠና ዝወስዱ ሰራዊት ወጻኢ ብቚጽሪ ክብ ክብሉ ምዃኖም እዩ,” ክብል ሜጀር …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ 09-01-2023

Read More »

ፊንላንድ ካብ ቻይና ንዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ግዱድ መምርሒታት ከተታኣታቱ’ያ።

ፊንላንድ ካብ ቻይና ንዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ግዱድ መምርሒታት ከተታኣታቱ እያ ክብል፡ ን ለበዳ ኮሮና ዝከታተል ጒጅለ ዝሓለፈ ሓሙስ ገሊጹ። በዚ ድማ፡ ካብ ቻይና ዝመጹ ሰባት ቅድሚ 48 ሰዓታት ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ወረቐት ምስክር ከቕርቡ፡ ከምኡ’ውን ኣባላት በረራን ተጓዓዝቲን “ማስክ” ክወድዩ ክግደዱ እዮም። ሚኒስተር ጒዳያት ስድራቤትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ክሪስታ ኪሩ፡ ብ ዓርቢ ን YLE ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እዚ ቊጽጽር ሓድሽ …

Read More »

ድሕሪ “ብረግዚት” 2,800 ዜጋታት ብሪጣንያ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ከም ዝወጹ ተጌሮም።

ብሪጣንያ ካብ ኣባልነት ኣውሮጳዊ ሕብረት ድሕሪ ምውጽኣ፡ ዜጋታት ብሪጣንያ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ከም ድላዮም እናተንቀሳቐሱ ናይ ምስራሕ መሰሎም ይግደብ ምህላዉ ተገሊጹ። ካብ ዓመታት 2020 ክሳብ እዛ ዝተሰናበትናያ ዓመተ 2022 ከኣ 2250 ዜጋታት ብሪጣንያ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ክወጹ ከም እተገብረ ብ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኣውሮጳዊ ሕብረት “ዩሮስታት” ዝወጸ ዳህሳስ ኣመልኪቱ።

Read More »

ኣብ ኣውሮጳ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ይምዝገብ

ምስ ምእታው ዓመተ 2023፡ ኣብዚ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣውሮጳ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ይምዝገብ ምህላዉ ተገሊጹ። ብምኽንያት ብከላ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም መጠን ዋዒ ይውስኽ ምህላዉ፡ ኣብ መላእ ዓመተ 2023 ከኣ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ክረአ ከም ዝኽእልን ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብቶም ፈተውቲ ምንሽርታት በረድ ዘዘውትርዎም እምባታት ኣልፕስ ከምኡ’ውን ፒረነስ ዝነበረ ውርጪ መኺኹ፡ መጠን ሙቐት ክሳብ 20ºC ይበጽሕ ምህላዉ’ውን ተገሊጹ። ብርክት ዝበላ ሃገራት …

Read More »

ኖርወይ፡ ዝለዓለ መጠን ዓሎቕ ተሌፎን ይኽሰት።

ኖርዌጃውያን፡ ምስ ካልኦት ዜጋታት ሃገራት ኖርዲክ ብምውድዳር ዝለዓለ መጠን ዓሎቕ ተሌፎን ከም ዘጋጥሞም፡ ካብ “ቴላ” ዝተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ኣብ 2022፡ ክሳብ 77 ሚልዮን ናይ ዓሎቕ ናይ ተሌፎን መጸዋዕታ ከም ዘጋጠመ፡ እዚ ድማ ምስ ናይ 2021–ማለት ትሕቲ 37 ሚልዮን እንክወዳደር ብልዕሊ ዕጽፊ ምዝያዱ “ቴላ” ኣመልኪቱ’ሎ። ኖርዌጃውያን ብተዛማዲ ዝሓሸ ፋይናንሳዊ ኲነታት ዘሎዎም ህዝቢ ምዃኖም ብሓደ ወገን፡ ብባህሪ ኸኣ ንሰብ ኣመንቲ ብምዃኖም ሸቶ …

Read More »

ብምኽንያት ናህሪ ዋጋ መግቢ ኣብ ዱካናት ዘጋጥም ስርቂ እናወሰኸ ይመጽእ።

ብምኽንያት ናህሪ ዋጋ መግቢ ኣብ ዱካናት መግቢ ዘጋጥም ስርቂ እናወሰኸ ይመጽእ ምህላዉ “ፈደሬሽን ንግድ ሽወደን” ገሊጹ። ገለ ካብዞም ዓማዊል፡ ኣብ ንገሊኡ ዝገዝእዎ ኣቕሑ ጥራይ ብስካነር ክሓልፍ ይገብሩ ምህላዎም፡ ገሊጾም ከኣ ዝኸበረ ዋጋ ኣቕሓ ዝሓሰረ ዋጋ ከም ዝልጠፎ ብምግባር ዓሎቕ ይፍጽሙ ምህላዎም፡ ኣብ ሶልና ወናኒት ዱካን ኮኒ ዮሃንሰን ገሊጻ’ላ። ብምኽንያት እዚ ምዕባለ ገለ ዱካናት ICA ዓማዊል ባዕሎም ቼክ ዝገብሩሉ ኣገባብ ክዓጽዉ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com