Saturday , May 18 2024

ባህሊ

ሰልፊታት ሽወደን፡ ቆልዑ ናብ ወለዶም ብቀሊሉ ከይምለሱ ዝዕንቅጽ ኣዋጅ ከኽትማ ይሰማምዓ

ብ”ንእሽቶ ልቢ” ብምባል ዝፍለጥ ብዓቃባዊ ሰልፊ ዝተበገሰ ቢል ብኹለን ሰልፍታት ደገፍ ምርካቡ ኣቦ ወንበር ዓቃባዊ ሰልፊ ኦልፍ ክሪስቲያንሰን ኣፍሊጡ ክብል SVT ገሊጹ። ቆልዑ ብክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳያት ካብ ስድረኦም ተመንጠሎም ናብ ካልእ ስድራ ምስ ተወስዱ ከምእንደገና  ናብ ወለዶም ክምለሱ ኣሸጋሪ ዝገብር ሕጊ ንኽጸድቕ ዘፍቅድ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ባይቶ ሽወደን፡ ቆልዑ ምስ ሓደስቲ ወለዲ ዝህልዎም ምርግጋእ ኣብ ግምት ብምእታው ንመንግስቲ ከይተጸበየ ነዚ ሕጊ …

Read More »

ሓጺር ዛንታ፣ ሳልሳይ ክፋል መዘዘኛ ዕለት

 ጸጋብርሃን ጎይትኦም                                                     ሄለን፡ ‘ዘይጋገ ሰብ የለን እንታይ ድኣ ካብ ጌግኡ ዘይእረም ሰብ’ዩ ሕማቕ’ ዝብል እምነት ተቐኒታ፡ ነቲ ካብ ትምህርታ ዘሰናኸላ ዘይእርኑብ ኣካይዳ ንጸጋም ገዲፋ፡ ምስ ዓርኪ ሓዋ ዝኾነ፡ ዳንኤል’ዚ ስሙ ለባምን ስነ-ስርዓተኛን ሰብ ሓዳር ምስ ገብረት፡ ዝነበራ ዘይቑርዑይ ኣካይዳ ወጊድ ኢላ፡ ብኣካይድኣ ሞራሎም ተሰይሮም ዝነበሩ ወለዳን መቕርባን ዳግማይ ተደቢሶም፡ ምረቕኦም ኣዕረጉላ። ካብ ብዓል ቤታ ብእትረኽቦ ዝነበረት ደገፍ ድማ፡ ነቶም የሐንቒቖም ዘዕበይዋ …

Read More »

ብሰንኪ ሓንቲ ዓይነት ጸወታ፡ 30 ሰባት ብኮሮና ተለኺፎም

ኣብ እዋን ጽምብል መመረቕታ ተማሃሮ ማእከላይ ደረጃ ሄልሲንግላንድ፡ ኣስታት 30 ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ከምተለኽፉን እቲ ጠንቂ ድማ ብሰንኪ ሓንቲ ፍልይቲ ጸወታ፡ መግቢ ካብ ኣፍካ ምስግጋር፡ ክኸውን ከምዝኽእል TT ሓቢሩ። ኣብ መንጎ ተመሃሮን ኣብቲ ጽምብል ዝተሳተፉ ቀረብቶምን ለበዳ ቫይረስ ከምዘጋጠመ ርኢና ኣለና። እዚ ግን ብሰንኪ እታ ጸወታ እዩ ኢለ ክድምድም ኣይክእልን እየ። እቲ ለበዳ ምግጣሙ ግን ኣይገርመንን እዩ ክብል ኣብ ያቭሊቦሪ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ ሃገራውን ሃይማኖታውን መንነት

ብ ኣማኑኤል ሳህለ ሓደ ህጻን ውልድ ምስ በለ፡ መን እየ ኣነ ብምባል ንነብሱ ኣይሓታን ወይ ንኺሓትት ብምባል ኣይሓስብን እዩ። ዘረባ ዘይክእል ወይ ኪሓስብ ዘይክእል ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ውኖኡ (consciousness) ገና ስለ ዘይማዕበለ እዩ። ግን ብባየሎጂካዊ መገዲ ኪውሰድ ከሎ፡ ሓደ ህጻን ፍሉይ ፍጡር እዩ፡ ንኣኡ ዚመስል ከኣ የሎን። ብኹሉንትናኡ እንኮ ፍጡር እዩ። ስለዝስ ፈትዩ ጸሊኡ ኣቐዲሙ መንነቱ ኣረጋጊጹ ማለት እዩ። ኣብ ዩኒቨርስ …

Read More »

ኤርትራዊት ቤተልሄልም ዳዊት ኣብ መንጐ ፍሉጣት መደርቲ ክረምቲ 2020 ኣብ ሬድዮ ሽወደን P1።

“ክረምቲ ኣብ P1”(Sommar i P1)  ሓደ ካብቶም ኣብ ሽወደን ዝቐርቡ ዓበይትን ብዙሓት ተኸታተልቲ ዘለዎ ናይ ሬድዮ መደባት ኢዩ።ዳርጋ መብዛሕትኦም ሽወደናውያን ዘድንቅዎን ከም ኣካል ባህሎም ዝርእይዎ መደብ ኮይኑ፡ወትሩ ክራማት ካብ 29 ሰነ/ 1959 ጀሚሩ ኣብ ማዕበል ዝፍኖ ተፈታዊ ናይ ሬድዮ መደብ ኢዩ።መበገሲ ናይቲ ሓሳብ ታገ ዳኒኤልሶን ዝተባህለ ሓላፊ መዛናግዒ መደባት ሬድዮ ሽወደን ዝነበረ ምዃኑ ይዝንቶ።መበቆል ናይቲ መደብ ድማ “ክረምቲ ኣብ P3” …

Read More »

ድሕሪ ነዊሕ ፖለቲካዊ ክትዕ፡ ኣብ ካርሊስታድ ሓድሽ መስጊድ ንኽህነጽ ተፈቒዱ

ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናይ ፖለቲካዊ ክትዕ፡ ኣብ ከተማ ካርሊስታድ ኣብ ሮድ ዝተባህለ ከባቢ ሓንቲ መስጊድ ንኽትህነጽ ከምተፈቕደ SVT ሓቢሩ። ኣብ ዝተገብረ ፖለቲካዊ ክትዕ፡ መስጊድ ንኽህነጽ ዝተሰማምዕሉ ወገናት 7 ክኾኑ እንከለዉ እቶም ዝተቛወሙ ድማ 4 ነይሮም። ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትናን ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራትናን ካብቶም ናይ ተቛውሞ ድምጺ ዘስምዑ እዮም። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህንጻዊ ውጥናት ከተማ ሃልሚስታድ ዝኾነ ኤሪክ ኒልሶን (ኣባል …

Read More »

ሓጺር ዛንታ፣ መዘዘኛ ዕለት

ብጸጋብርሃን ጎይትኦምካልኣይ ክፋል  ሄለን፡ ኣብ ስራሕ ገዛ’ውን ማዕረ ወላዲታ ትሳተፍን፡ ኣብ ኩሉ’ቲ ብወላዲኣን ኣሕዋተን ዝፍጸም ትእዛዝ፡ ብዘይ ነግ ፈረግ ትምእዘዝ ብምንባራ፡ ብኹሎም ስድራ ፍትውቲ ነበረት። ምርቓ ወለዳን፡ ወትሩ ጽላል ዝኾንዋ ኣሕዋታን ድማ ኣብ ምዕዋት ትምህርታ ሓጋዚ ነበረ። እዚ ምስጉን ጠባይ ኣብ ገዝኣን ከባቢኣን እናንጸባረቐት’ያ ድማ፡ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርታ ከም ዝሓለፈ ብሉጽ ውጽኢት እናመዝገበትን ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ብኣብነት እናተጸውዐትን፡ ናብ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ውግእን ሰላምን

ኣማኑኤል ሳህለ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋተይ ደጋጊመ ዝጠቐስኩዎ፡ እዛ ዓለምና ናብቲ ዝሓይለን እተጣበበን እያ እተዳሉ። እዚ ደመነፍሳዊ (instinct) ሕጊ ድማ ኣብቲ ባህርያት ፍጡራት ኣትዩስ ንነዊሕ ዘበናት ኣብቲ ዘገምታዊ ምዕባሌኦም ሓጊዙዎም እዩ።  ኣታኽልትን እንስሳታትን ሰብን ከም ፍጡራት መጠን፡ ካብዚ ሕግዚ ከምልጡ ኣይክእሉን። ኣታኽልቲ ብኣእሻኾም፡ እንስሳታት ብኣቕርንቶምን ብኣጽፋሮምን ብኣስናኖምን፡ ብሕንዞምን፤ ሰብ ድማ በቲ ዝሰርሖ ናይ ኲናት መሳርያታት፤ ኩላቶም ነብሶም ኪዕቅቡን ኪከላኸሉን፡ ካብኡ …

Read More »

ሽወደን ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ምምርዓው ንዝጻረር ሕጊ ዝያዳ ከተትርር እያ ተባሂሉ።

ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ሽወደን እንተላይ ሰልፊታት መንግስቲ ካብ ሽወደን ወጻኢ ንዝምስረት ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ምምርዓው ከም ዝቃወሙ ዝፍለጥ እዩ።፡ “እዚ ብቐንዱ ሕቶ ማዕርነት ጀንደር እዩ ኢልና ኢና ንኣምን” ክትብል ኣብ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ኣፈኛ ጒዳያት ስድራቤት ኤይሊን ላንድግረን ሓቢራ። “ኣብ ሽወደን ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ምምርዓው ፍቑድ ኣይኮነን፥ ናብዚ ሃገር ሓደሽቲ ዝመጹ እውን እዚ ይምልከት እዩ” ክትብል ንሬድዮ ሽወደን …

Read More »

ኣብ ሽወደን መጠነ ሞት ምንቊልቋሉ ተገሊጹ።

ሰሙናዊ መጠነ ሞት ሽወደን ከንቈልቊል ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ንቡር ደረጃ ምውራዱን ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን ኣመልኪቱ። ክሳብ መወዳእታ ሰሙን ወርሑ ግንቦት ሓፈሻዊ ሞት 1524 እዩ ኔሩ። እዚ ድማ ካብ ናይ ዓመታት 2015-2019 ዝነበረ ማእከላይ ገምጋም ዝትሕት እዩ ተባሂሉ። “እዚ ድሕሪ ምጅማር ለበዳ ኮሮና ናይ ፈለማ ዝተሓተ ውጽኢት እዩ” ክብል ክኢላ ስታቲስቲክስ ቶማስ ጆሃንሰን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ። ይዂንምበር ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com