Friday , May 10 2024

ብሰንኪ ሓንቲ ዓይነት ጸወታ፡ 30 ሰባት ብኮሮና ተለኺፎም

ኣብ እዋን ጽምብል መመረቕታ ተማሃሮ ማእከላይ ደረጃ ሄልሲንግላንድ፡ ኣስታት 30 ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ከምተለኽፉን እቲ ጠንቂ ድማ ብሰንኪ ሓንቲ ፍልይቲ ጸወታ፡ መግቢ ካብ ኣፍካ ምስግጋር፡ ክኸውን ከምዝኽእል TT ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ተመሃሮን ኣብቲ ጽምብል ዝተሳተፉ ቀረብቶምን ለበዳ ቫይረስ ከምዘጋጠመ ርኢና ኣለና። እዚ ግን ብሰንኪ እታ ጸወታ እዩ ኢለ ክድምድም ኣይክእልን እየ። እቲ ለበዳ ምግጣሙ ግን ኣይገርመንን እዩ ክብል ኣብ ያቭሊቦሪ ምክትል ሓላፊ ምቁጽጻር ለበዳ ዝኾነ ክሪስትያን ኢርኒቦሪ ገሊጹ። እቲ ናይ ለበዳ ኣጋጣሚ፡ መርኣያ ምጥሓስ “ርሕቀትካ ምሕላው” ዝብል መምርሒ እዩ ክብል ብተወሳኺ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com