Tuesday , May 14 2024

ኢመግረሽን

ድሕሪ ብረግዚት (Brexit)፡ 4100 ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ ናይ ሽወደን ዜግነት ረኺቦም።

ቁጽሪ ዜግነት ሽወደን ዝረኸቡ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዓመተ 2019 ናብ ሓድሽ ብራኸ በጺሑ። ካብ መጀመርያ ናይዚ ዓመት’ዚ ጀሚሩ 4100 ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ ዜግነት ሽወደን ከም ዝተዋህቦም ሬድዩ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ሽወደን ኣስታት 30 ሽሕ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ ይነብሩ። ቁጽሪ ናይቶም ዜግነት ሽወደን ዝሓቱ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ ሃገሮም ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ክትወጽእ ካብ ትውስን ጀሚሩ መዓልታዊ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። ቁጽሪ …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 4800 ናይ ሞያ ፍቓድ ሂቡ።

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብዛዕባ፡ 4834 ናይ ስራሕ መንበሪ ፍቓድ፡ ዝምልከት ውሳነታት ከምዘመሓላለፈ ሓቢሩ። እቲ ቤት ጽሕፈት 4367 ሓድሽ ጠለብ ናይ ስራሕ ፍቓድ ከምዝበጽሖ ሓቢሩ። ብመሰረት መርበብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡ ካብቶም ፍቓድ ዝረኸቡ ጉዳያት እቶም 821 ኣብ ሽወደብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኩባንያታት ንኽሰርሑ ናይ ስራሕ መንበሪ ፍቓድ ዝሓታቱ እዮም ነይሮም። እተን ኩባንያታት ድማ እቲ ዘድሊ መለክዒታት ከምዘማላኣ ንቤት ጽሕፈት …

Read More »

ን ሰደተኛታት ኣብ ሽወደን ዝምልከት ንምድህሳስ ኮሚቴ ስደተኝታት ትማሊ ኣኼባ ጀሚራ።

ቀዋሚ ናይ ፍልሰት ፖሊሲ ንምሕንጻጽ ተባሂሉ ብመንግስቲ ደረጃ ዝቖመ ኮሚቴ “ መጻኢ ግዜ ፍልሰት “ ቲማሊ ሰሉስ ወከልቲ ሸሞንቲአን ሰልፍታት ኣባላት ፓርላማ ሽወደን ኣብ ዝተረኽብሉ ካልኣይ ኣኼባኡ ከሰላስል እዩ። እዚ ኮሚቴ ብመንግስቲ ሽወደን ኣብዚ ዓመት’ዚ ዝቖመ ኮይኑ ዕላማኡ ድማ ብኹሎም ወገናት ተቐባልነት ዘለዎ ናይ መጻኢ ግዜ ፍልሰት ፖሊሲ ንምንዳፍን ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ፖሊሲ ምቛምን እዩ። እዛ ኮሚቴ ን20 ምስ ፍልሰት …

Read More »

ትንቢት ኩነታት ኣየር ሽወደን ኣብዚ ሰሙን’ዚ።

ኩነታት ሽወደን ብፍላይ ኣብ ሰሜን ሽወደን (ኖርቦተን) እቲ ብብርቱዕ ዛሕሊ ክጥቃዕ ዝግምገም ዘሎ ኣከባቢ ክኸውን ከም ዝኽእል ማእከል ሜትሮሎጂ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ከባቢ ባያላ ኣከባቢ ናይ ንግሆ ሰዓታት -25.8 ዲ.ሴ ግሬድ ዝዓቀኑ ክምዘመዝገብ እዚ ድማ እቲ ዝተሓተ ዓቐን ሙቐት ምዃኑ ተፈሊጡ። እዚ ማዕበል ዛሕሊ ክሳብ ስቪያላንድ ክዝርጋሕ ምዃኑ ኣባል’ቲ ማእከል ኣሌክሳንድራ ኦልሰን ትዛረብ። ከባቢታት ኖርላንድ፡ ስቨያላንድን ሰሜን ሌትላንድ ዝበዝሐ ግዜያት …

Read More »

28 ምምሕዳራት ሽወደን ሓደስቲ መጻእቲ ክቕበላ ድልየት የርእያ።

ካብ 166 ምምሕዳራት ሽወደን እተን 28 ምምሕዳራት ልዕሊ እቲ ብቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝምደበለን ብዝሒ ሓደስቲ መጻእቲ ክቕበላ ድልዋት ምህላወን ዳህሳስ መስመር ተሌቪዥን TV4 ሓብሩ። ካብቲ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝወሰነለን ብዝሒ ሓደስቲ መጻእቲ ንላዕሊ ክቕበላ ድልውነት ኣለወን’ዶ ንዝብል ዳህሳስ ን166 ምምሕዳራት ዝተኻየደ እዩ። ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን 10 ሓደስቲ መጻእቲ ሰዲዱልና፡ ይኹነ እምበር ካብ 50 ክሳብ 150 ሓደስቲ መጻእቲ ክንቅበል ድልዋት ኢና …

Read More »

ብሰንኪ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ቤት ፍርዲ ኢመግሬሽንን ዝወሃቡ ውሳኔታትን ክውሕዱ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ብሰንኪ ኣብ ቤት ፍርዲ ሚግሬሽን ዘጋጥሙ ዘሎ ሕጽረት ብዝሒ ሰራሕተኛታት ብዓቢ ቁጽሪ ክጎድል ምዃኑ ኣገልግሎት ኢመግሬሽን ሽወደን ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። ብመሰረት ሓድሽ መንግስታዊ ሕጊ ባጀት እዘን ቤት ፍርድታት ካብቲ ዝጠለበኦ ቀረብ ዝወሓደ ይረኽባ ስለዘለዋ እዩ። ካብቲ ኣገልግሎት ከነቕርበሉ ዝግባኣና ደረጃ ብጣዕሚ ሪሕቕና ኣለና ክብል ኣብ ቦርድ ሚግሬሽን ሓላፊ ክፍሊ ውጥን ዝኾነ ሀንሪክ ሆልመር ተዛሪቡ። እዚ ማለት ድማ እተን …

Read More »

ኣገልግሎት ኢመግረሽን ሽወደን ንህልው ዋሕዚ ሰደተኛታት ይከታተል።

ኣብ መንጎ ቱንኪን ሶርያን ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለታት ብኣትክቶ ይከታተሎ ከምዘሎ ኣገልግሎት ሚግሬሽን ሽወደን ኣቃሊሑ። ንተኽእሎታት ፍልሰት ስደተኛታት ካብ ቱርኪ ናብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ውን ብጥንቃቐ ይጽንዖ ኣሎ። ብፍላይ ድሕሪ ምትእትታው ቱርኪ ናብ ሰሜን ሶርያ። ይኹን እምበር ሰበ ስልጣን ሽወደን ኮነ ኣገልግሎት ኢመግሬሽን ሓድሽ ፍልሰት ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት’ዚ ከምዘየጋጥም ይእምቱ። ኣገልግሎት ኢመግሬሽን ሽወደን ንገምጋም ብዝሒ ናይቶም ኣብ ዝቕጽል ዓመት ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት …

Read More »

ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ገለ 470 ሽሕ ዝዀኑ ሓተትቲ ዕቚባ ናይ መንበሪ ፍቓድ ይጽበዩ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ በዓልመዚ ድጋፍ ሕቶ ዕቚባ ኣውሮጳዊ ሕብረት ገለ 471 ሽሕን 2 ሚእቲን ዝዀኑ ሓተትቲ ዕቚባ ናይ መንበሪ ፍቓድ ይጽበዩ ምህላዎ ተፈሊጡ። እዚ ክሳብ ታሕሳስ 2017 ዝነበረ ኣሃዝ ምስ ዝነጻጸር ኣዝዩ ዝዓበየ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ኣሃዝ ምስቶም ናይ ይግባይ ጥርዓን ኣቕሪቦም ዘለዉ ካልኦት ዝቀራረብ ኰይኑ ብጠቕላላ ናይ 895,760 ሰባት ሕቶ መልሲ ክወሃቦ ኣብ ትጽቢት ኣሎ ማለት እዩ። ኣብ …

Read More »

ብ ክፍሊ ኢመግረሽን ዝወጸ ን ሕድገታት ረቛሒታት ምጥርናፍ ዝምልከት ጥቅምቲ 20 ከም ዘብቅዑ ተፈሊጡ።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ሽወደን ፍቃድ መንበሪ ደረጃ ምድላይ ተለዋጢ ሓለዋ ( status som alternativt skyddsbehövande) ዘለዉ ሰባት ስድራኦም ናብ ሽወደን ንኽመጹ ፍቓድ መንበሪ እንተመልኪቶም ሕድገት ረቓሒ ጽግዕተኛነት ተጌሩሎም ምጽንሑ ይፍለጥ። እዚ ፍሉይ ሕድገት ኣብ መዓልቲ ጥቅምቲ 20 ከብቅዕ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ነቶም ኣብዛ መዓልቲን 2o ጥቅምትን ድሕሪኡን ናብ ቦርድ ስደተኛታት ንዝመጹ ጥርዓናት ዝምልከት እዩ። ኣብ ጥቅምቲ 19 ዘመልክት ኣባል …

Read More »

ብዝሒ ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ስደተኛታት 2 ሚልዮን ምብጽሑ ተገሊጹ።

ብመሰረት ኣብ ቀረብ እዋን ዝወጸ ወግዓዊ ስታቲስቲክስ ሃገራዊ ማእከል ቊጽሪ ናይቶም ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ስደተኛታት 2 ሚልዮን ምብጽሑ ተገሊጹ። ብመሰረት እዞም ሓደስቲ ኣሃዛት ዝበዝሑ ካብዞም ስደተኛታት ብተኸታታሊ ሶርያውያን ዒራቓውያንን ፊንላንዳውያንን እዮም። ክሳብ 31 ነሓሰ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ 190,209 ተወላዶ ሶርያ 145,602 ተወላዶ ዒራቕ 145,487 ከኣ ተወለድቲ ፊንላንድ ምንባሮም ተመልኪቱ’ሎ። ካብ 40ታት ዝጀመረ ስደት ፊንላንዳውያን እቲ ዝበዝሐ እኳ እንተነበረ ብሰንኪ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com