Sunday , April 28 2024

ኢመግረሽን

ክፍሊ ኢመግረሽን ሽወደን ብ ሓሶት ፍቃድ ስራሕ ዝሸጡ ዜጋታት ይኸስስ!!

ኤጀንሲ ማይግሬሽን ሽወደን ንመልመልቲ ዜጋታት ሽወደን ንዘይኮኑ ሰባት “ፍቓድ ስራሕ ትሸጡ ኣለኹም” ብዝብል ይኸሶም። ኤጀንሲ ማይግሬሽን ሽወደን ብዙሓት ኲባንያታት ምልመላ ኣብ ምትላል ዝተመርኰሰ ናይ ኢሚግሬሽን ሕጊ ይስዕባ ምህላወንን ናይ ሓሶት ስራሕ ብምቕራብ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቡ ይገብራ ምህላወንን ብምምልካት ወቒሱወን። ካብዚ ዘይሕጋዊ ስርሒታት እዘን ኲባንያታት ብዙሕ ገንዘብ ይረኽባ ምህላወን እውን ኣብቲ ክሲ ተመልኪቱ’ሎ። ሬድዮ P4 ሮረብሮ ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ሚእቲ …

Read More »

ክፍሊ ኢመግሬሽን ሽወደን ኣብ ጒዳይ ሶርያ ሓድሽ ሕጋዊ መርገጺ ይወስድ!!

ኤጀንሲ ማይግሬሽን ሽወደን ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ዝጸንሖ መርገጺ ብምቕያር ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት ሶርያ ግርጭት የብሉን ኢሉ’ሎ። በዚ ድማ ኣብ ጒዳይ ጸጥታ ሶርያ ሓድሽ መርገጺ ምሓዙ ዳይረክተር ኤጀንሲ ማይግሬሽን ሽወደን ፍረድሪክ ፔፐር ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ’ሎ። “ኣብዚ ሕጂ እዋን ከምቲ ናይ 2013 ዝመስል ናይ ጸጥታ ሽግር ኣብ ሶርያ የለን ዝብል እምነት ሒዝና’ለና” ድሕሪ ምባል ኣብ ሶርያ ገዚፍ ናይ ጎነጽን ግርጭትን …

Read More »

ሰልፊ ሞደራትና ኣብ ዓመታዊ ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ምጒዳል ክግበር ጠለብ ኣቕሪቦም።

ሰልፊታት ባይቶ ሽወደን ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ቀዋሚ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ኣመልኪተን ክዛተያ እየን ተባሂሉ’ሎ። እዚ ዘተ ነቲ ከገልግለ ዝጸንሐ ናይ ክልተ ዓመት ግዜያዊ ሕጊ ንምትካእ እዩ። ሓደ ካብቶም ማዕከናት ዜና ኣተኲሮ ዝገበሩሎም ኣከራኸርቲ እማመታት ዓቃባውያን ኣብ ዓመታዊ ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ምጒዳል ክግበር ዘቕረብዎ ጠለብ እዩ። እዚ ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ ዓመት ካብ 5 ሽሕ ክሳብ 8 ሽሕ ጥራይ ክግደብ ኣለዎ በሃልቲ …

Read More »

ክፈሊ ኢመግረሸን ኣብ መርበባቱ ሓዲሽ መመልከቲ ፎርም ከፊቱ!!

በዓል መዚ ማይግሬሽን ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ንፍቓድ ስራሕ ዘመልክቱ ሓድሽ መመልከቲ ፎርም ከምዘዳለወ። እዚ ኣብ ነሓሰ 15 ዝተጀመረ መመልከቲ ፎርም ቀሊል ገጻት ዘለዎ ኮይኑ ን ኣመልከቲ ብዝቐለለ መገድን ዘደናግር ዘይብሉ ኮይኑ ቀሪቡ ከምዘሎን ንዋሕዲ ስራሕ ወረቓቕቲን ሰነዳትን ጌጋን ዘቃልል እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ሓድሽ መመልከቲ ብሽወደንኛን እንግሊዝኛን ዝተዳለወ ኮይኑ ካብ ቛንቛ ናብ ቛንቛ ምልውዋጥ ኮነ ብሞባይል ምምላእ ከም ዝከኣልን ተገሊጹ። በዚ …

Read More »

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ጀርመን ዓዶም በጺሖም ንእተመልሱ ሶርያውያን ናይ ዕቚባ መሰሎም ክኸልእ’የ ይብል።

“ዝኾነ ናብ ሃገሩ እተመልሰ ሓታቲ ዕቚባ ኣብ ሃገሩ መኣጐጒቲ ኣጋጢምዎ ናይ ዕቚባ መሰል ሓቲቱ ክበሃል ኣይኽእልን እዩ” ዝበለ ሚኒስተር ሲሆፈር ሲርያውያን ሓተትቲ ዕቚባ ንሃገሮም ክዘናግዑ እንተተመሊሶም ናይ ዕቚባ ሕቶኦም ውዱቕ ክገብሮ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ ክትብል ቢልድ ኣም ሶብታግ ዝተባህለት ጋዜጣ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኣቶ ሕታማ ሓቢራ’ላ። እዚ ካብ ዓቃባዊ ሰልፊ ዝመጸ ፖለቲከኛ ፌደራላዊ በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ነቶም ንዕረፍቲ ናብ ዓዶም ዝኸዱ ሶርያውያን …

Read More »

ኣብዛ ዓመት ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብ ሽወደን ኣዝዩ ከምዘንቖልቖለ ተገሊጹ!!

ናብ ሽወደን ዝግበር ስደት ምንቊልቋሉ ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ሽወደን ገሊጹ። ኣብ መፋርቕ እዚ ዓመት ምስ ዓመተ 2018 ብምንጽጻር ናብ ሽወደን ዝግበር ዝነበረ ስደት ብዓሰርተ ሚእታዊት ምንካዩ ካብ በዓልመዚ ስታቲስቲክስ ዝተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ብፍላይ ድማ ካብ ሶርያ ዝግበር ዝነበረ ስደት ኣጸቢቑ ምጒዳሉ (ብሓሙሳ ሚእታዊት ምንካዩ) ተገሊጹ። ካብ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ስደት ብኣንጻሩ ወሰኽ ምርኣዩ ተገሊጹ’ሎ። እዚ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝረአ ምውሳኽ ስደት ሰብኡት …

Read More »

ኣብ ወርሒ ሓምለ ጥራይ 252 ኤርትራዊያን ዝርከቡዎም ኣስታት 1500 ሰባት ፍቓድ መንበሪ ሽወደን ወሲዶም!!

ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ሓምለ 2019 ብመንገዲ ምጥራናፍ ስድራቤት 1500 ሰባት መንበሪ ፍቓድ ከምዝሃበ በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን ኣፍሊጡ። ብመስረት ድሕረ ገጽ  እዚ በዓል መዚ ካብዞም ፍቓድ መንበሪ ዝረኸቡ ሰባት እቶም ዝበዝሑ ኣስታት 252 ኤርትራዊያን ክኾኑ ከለው፣ ብምቕጻል ድማ 225 ሶርያውያን፣ 180 ኣፍጋንስታውያን፣ 81 ሶምልያውያን፣ 95 ዜግነቶም ዘይተፈልጣን ከምእውን 687 ደማ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት እዮም።

Read More »

መጠን ሓተትቲ ዕቚባ ብዘለዎ መጠን ክቕጽል እዩ ክብል ሃገራዊ ቦርድ ማይግሬሽን ሓቢሩ።

ክሳብ 2020 መጠን ኣሃዝ ሓተትቲ ዕቚባ ብዘለዎ ክቕጽል እዩ ክብል ሃገራዊ ቦርድ ማይግሬሽን ሓቢሩ’ሎ። ዳይረክተር ሃገራዊ ቦርድ ማይግሬሽን ሚካኤል ራበንቪክ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ባጀት እቲ በዓልመዚ ናይ 1.5 ቢልዮን ክሮነር ምጒዳልን ናይ 2300 ሰራሕተኛታት ስራሕ ክስእኑ እንተተገብረ ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ ምጽባይ ዘጥፍእዎ ግዜ ግና እናጐደለ ምምጽኡ ን Ekot ሓቢሩ። ብዛዕባ ንመጻንሒን መአንገዲን ዝኸውን ባጀት መጠንቀቕታ ድሕሪ ምትሕልላፍ እቲ ዘሎ ባጀት …

Read More »

ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ስዊትዘርላንድ መንነት ሓተትቲ ዕቚባ ንምፍላጥ ሞባይሎ ስደተኛታት ይምርምሩ ኣለዉ ተባሂሉ!!

ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ስዊትዘርላንድ መንነት ሓተትቲ ዕቚባ ንምፍላጥ ሞባይል እዞም ስደተኛታት ዝምርምር ፈላሚ ፕሮጀክት ምጅማሮም ሚድያ ስዊዝ ሓቢሩ። ብመሰረት እዞም ነሓሰ 10 ኣብ ገለ ጋዜጣታት ስዊትዘርላንድ ዝወጹ ጸብጻባት እዚ ፕሮጀክት ካብ ስደተኛታት ኪካሶን ቫሎርብን ክሳብ 565 ዝኾና ሞባይል ፎናትን ላፕቶፕን ካብ ስደተኛታት ምእካቡ ተፈሊጡ’ሎ። ዕላማ እዚ ፕሮጀክት ንመንነት ሓተትቲ ዕቚባ ዝያዳ ብምፍላጥ ሽግራቶም ንምምሕያሽ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣፈኛ መንግስቲ ዳኒኤል ባኽ እዚ …

Read More »

ሕቶኦም ዝተነጽገ ሓተትቲ ዕቚባ ካብ ምምሕዳራት ከተማ ሓገዝ ከምዘረኸቡ ገሊጾም!!

ዳይረክተር ስርሒታት ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ቲየሪ ቶርቪክ ምስጓጒ ከምዚኦም ዝበሉ ጒዳያት ኣዝዩ ዝወሓደ ምንባሩ ጠቒሱሎ። ብመሰረት ንሱ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ መላእ እታ ሃገር ነቶም ናይ ዕቚባ መሰል እተዋህቡ ናይ ምውህሃደ ፕሮጀክቲታት ኣብ ምፍጻም ይርከቡ ኣለዉ። ኣብዚ ዓመት ንዕቚባ ካብ ዘመልከቱ 3400 ሰባት ናይ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም እንከሎ እቶም 6000 ግና ከም እተነጽጉን ናብ ዓዶም ክምለሱ ምዃኖምን ኣመልኪቱ። እንተኾነ እቶም ዝተነጽጉ ሰባት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com