Tuesday , May 14 2024

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ጀርመን ዓዶም በጺሖም ንእተመልሱ ሶርያውያን ናይ ዕቚባ መሰሎም ክኸልእ’የ ይብል።

“ዝኾነ ናብ ሃገሩ እተመልሰ ሓታቲ ዕቚባ ኣብ ሃገሩ መኣጐጒቲ ኣጋጢምዎ ናይ ዕቚባ መሰል ሓቲቱ ክበሃል ኣይኽእልን እዩ” ዝበለ ሚኒስተር ሲሆፈር ሲርያውያን ሓተትቲ ዕቚባ ንሃገሮም ክዘናግዑ እንተተመሊሶም ናይ ዕቚባ ሕቶኦም ውዱቕ ክገብሮ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ ክትብል ቢልድ ኣም ሶብታግ ዝተባህለት ጋዜጣ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኣቶ ሕታማ ሓቢራ’ላ።

እዚ ካብ ዓቃባዊ ሰልፊ ዝመጸ ፖለቲከኛ ፌደራላዊ በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ነቶም ንዕረፍቲ ናብ ዓዶም ዝኸዱ ሶርያውያን ናይ ዕቚባ ሕቲኦም ክስርዙ ተላብዩ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ሶርያ 78 ሽሕ ዝኾኑ ሶርያውያን ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ናብ ጀርመን ከም እተዓቚቡ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com