Tuesday , May 14 2024

ክፍሊ ኢመግሬሽን ሽወደን ኣብ ጒዳይ ሶርያ ሓድሽ ሕጋዊ መርገጺ ይወስድ!!

ኤጀንሲ ማይግሬሽን ሽወደን ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ዝጸንሖ መርገጺ ብምቕያር ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት ሶርያ ግርጭት የብሉን ኢሉ’ሎ። በዚ ድማ ኣብ ጒዳይ ጸጥታ ሶርያ ሓድሽ መርገጺ ምሓዙ ዳይረክተር ኤጀንሲ ማይግሬሽን ሽወደን ፍረድሪክ ፔፐር ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ’ሎ።

“ኣብዚ ሕጂ እዋን ከምቲ ናይ 2013 ዝመስል ናይ ጸጥታ ሽግር ኣብ ሶርያ የለን ዝብል እምነት ሒዝና’ለና” ድሕሪ ምባል ኣብ ሶርያ ገዚፍ ናይ ጎነጽን ግርጭትን ሽግር የለን ኣብ ዝብል መርገጺ ይርዕሙ ምህላዎም ኣመልኪቱ’ሎ። በዚ ድማ ካብ ከባቢ ታርቱስ ዝመጹ ሰባት ዘቕርብዎ ናይ ዕቚባ ሕቶ ተቐባልነት ክስእን ከም ዝኽእል ኣሚቱ’ሎ።

ኣብ ኣሊርፖ ኢድሊብ ራቓ ሓማን ግና ገለ ግርጭታት ምግላዎም እቲ መግለጺ ኣስሚሩሉ’ሎ። በዚ ድማ ካብ ሶርያውያ ንዝመጹ ሓተትቲ ዕቚባ ጒዳዮም ብደቂቕ ክምርምሮ ምዃኑ ብኣጽንኦት ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com