Tuesday , May 14 2024

ሰልፊ ሞደራትና ኣብ ዓመታዊ ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ምጒዳል ክግበር ጠለብ ኣቕሪቦም።

ሰልፊታት ባይቶ ሽወደን ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ቀዋሚ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ኣመልኪተን ክዛተያ እየን ተባሂሉ’ሎ። እዚ ዘተ ነቲ ከገልግለ ዝጸንሐ ናይ ክልተ ዓመት ግዜያዊ ሕጊ ንምትካእ እዩ። ሓደ ካብቶም ማዕከናት ዜና ኣተኲሮ ዝገበሩሎም ኣከራኸርቲ እማመታት ዓቃባውያን ኣብ ዓመታዊ ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ምጒዳል ክግበር ዘቕረብዎ ጠለብ እዩ።

እዚ ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ ዓመት ካብ 5 ሽሕ ክሳብ 8 ሽሕ ጥራይ ክግደብ ኣለዎ በሃልቲ እዮም። ኣፈኛ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ሞደራትና  ማርያ ማልመር ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ ብዛዕባ ጒዳይ ሓተትቲ ዕቚባ ምስ ሃገራት ኖርዲክ ምዝርራብ ከድልየና እዩ ኢላላ። “ንዴንማርክ ፊንላንድን ኖርዌይን ኣብ ግምት ኣእቲና ቊጽሪ እንቕበሎም ሓተትቲ ዕቚባ ካብ 5-8 ሽሕ ክንግድቦ ይግባእ” ኢላላ።

እዚ ንምግባር ኣብ መንጐ ሰልፊታት ዘተ ክካየድን ኣብ ጒዳይ ምጥርናፍ ኣባይትን ፍቓድ መንበሪን ጽንዕ ዝበለ ፖሊሲ ክትግበርን ድማ ጻውዒት ቀሪቡ። ፍቓድ መንበሪ ግዜያዊ ድዩ ክኸውን ዝግብኦ ወይስ ቀዋሚ ኣብ ዝብል ሰልፊታት ሽወደን ዘተ ከካይዳ ምዃነን እውን ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com