Tuesday , May 14 2024

ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ስዊትዘርላንድ መንነት ሓተትቲ ዕቚባ ንምፍላጥ ሞባይሎ ስደተኛታት ይምርምሩ ኣለዉ ተባሂሉ!!

ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ስዊትዘርላንድ መንነት ሓተትቲ ዕቚባ ንምፍላጥ ሞባይል እዞም ስደተኛታት ዝምርምር ፈላሚ ፕሮጀክት ምጅማሮም ሚድያ ስዊዝ ሓቢሩ። ብመሰረት እዞም ነሓሰ 10 ኣብ ገለ ጋዜጣታት ስዊትዘርላንድ ዝወጹ ጸብጻባት እዚ ፕሮጀክት ካብ ስደተኛታት ኪካሶን ቫሎርብን ክሳብ 565 ዝኾና ሞባይል ፎናትን ላፕቶፕን ካብ ስደተኛታት ምእካቡ ተፈሊጡ’ሎ።

ዕላማ እዚ ፕሮጀክት ንመንነት ሓተትቲ ዕቚባ ዝያዳ ብምፍላጥ ሽግራቶም ንምምሕያሽ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣፈኛ መንግስቲ ዳኒኤል ባኽ እዚ ፕሮጀክት ብዛዕባ መበቄልን መንነትን ሓተትቲ ዕቚባ ኣገዳሲ ሓበሬታ ከም ዝተረኽቦን፥ ነቶም ፓስፖርትን ካልእ ሰነዳት ዝጠፍኦምን ኣገዳሲ ኣገባብ ኮይኑ ከም እተረኽበ ገሊጹ’ሎ።፡ ክልተ ሲሶ ካብቶም ኣብ ስዊትዘርላንድ ዕቚባ ዝሓቱ ስደተኛታት ብዛዕባ መንነቶም ሰነዳት ኣብ ምቕራብ ከም ዝሽገሩ እቲ ጸብጻብ ብተወሲኺ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com